Print this page

756 ወተሃደራት ኤርትራ ናብ ስደት

2017-04-19 19:24:47 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2608 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት 2017 ኣብ ሰለስተ ሰሙናት ጥራይ ናብ ኢትዮጵያ ካብ ዝተሰዱ ኤርትራውያን እቶም 756 ወተሃደራት ምንባሮም ካብ ከባቢ‘ቲ መደበር ስደተኛታት ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣረዲኡ። በቲ ሓበሬታ መሰረት እቶም ኣብዚ ዝተጠቕሰ ግዜ ዝተሰዱ ሲቪል ኤርትራውያን ቁጽሮም ካብቶም ወተሃደራት ዝተዓጻጸፈ ብዝሒ ከም ዝነበሮም ኣብቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬራ ተጠቒሱ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብዚ ተመሳሳሊ ግዜ ብወገን ዓድታት ዓይላ ጉንደት ዞባ ደቡብ ኣቢሎም ናብ ኢትዮጵያ ዝሰግሩ ዝነበሩ ነፍሰ-ጾራትን ኣደ ቆልዑትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ኣብ ኢድ ወተሃደራት ኤርትራ ስለ ዝወደቑ፡ ናብ ከተማ ዓዲ ዃላ ምስ ተወስዱ ከም ናይ ውግእ ምሩኻትን ገበነኛታትን ተወሲዶም ህዝቢ ንክስክሕ ኣብ ጐደናታት ኣብ ጸሓይ ጨንቀራዕ ክብሉ ከም ዝተገደዱ ተፈሊጡ። ኩነታቶም ኣደንጊጽዎም ነበርቲ እታ ከተማ ዝብላዕ መግብን ዝስተ ማይን ከቕርብሎምን ኣብ ጽላል ከዕቁብዎምን ሓቲቶም በቶም ዝሕልዉዎም ዝነበሩ ወተሃደራት ከም ዝተኸልከሉ  ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ካብቲ ቦታ ሓቢሮም።

ኣብ መወዳእታ እቶም ወተሃደራት ካብ‘ቶም ተታሒዞም ዝነበሩ ነቶም ትሕቲ ዕድመ ናብ ዘይተፍልጠ ቦታ ወሲዶም፡ ነቶም ዓበይቲ ግና ነፍሰ-ጾራት እውን ከይተረፋ ኣብ ዝረሓት ጽርግያ ኣዋፊሮም ብጉልበት ክቐጽዕዎም ከም ዝወሰድዎም ተፈሊጡ ኣሎ። ነዚ ዝተዓዘቡ ወገናት ኣብዚ እዋን‘ዚ ዓው ኢሉ‘ኳ ክዛረብ ተዘይከኣለ፡ ብውሽጡ ንጉጅለ ህግደፍ  ዝኹንን ዝነጽግን ኤርትራዊ እንዳዛየደ ይኸይድ ከም ዘሎ ይሕብሩ።

Last modified on Wednesday, 19 April 2017 21:30