Print this page

ጨንፈር ሰዲህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-04-12 17:45:37 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2108 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 09.04.2017 ጨንፈርሰህኤ ፍራንክፎርትን ከባቢኡን  ካብ ሰዓት 14፡00 ክሳብ ሰዓት 16፡00 ኣኼባኡ ኣካይዱ። እቲ ኣኼባ ብኣቦ መንበር ድሕሪ ምኽፋቱ፡ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ ኣብዚ እዋን‘ዚ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንህዝብና ዘውርዶ ዘሎ ግፍዕታት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተረረኸይድ ምህላዉ  ብዙሕ ኣብነታት ብምጥቃስ ኣተሃላልዋ ህዝብና ኣብ ኣዝዩ ዝኸፍአ ነታትወዲቁ ምህላዉ  ተዘራሪቡሉን ቃልሱ ከሐይል ከም ዘለዎ ተመባጺዑን። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ን ዝገብሮ ዘሎ ዲፕሎማስያዊ ንጥፈታትን ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ድማ ናእዳኡ ገሊጹ። ሰልፍኻ ምፍላጥ ዝብል ኣርእስቲ ብምልዓ ብሕቶን መልስን መልክዕ ናይ ሓድሕድ ምምህሃር ተኻይዱ።

ብድሕሪ‘ዚ ኣብቲ ካብ ዕለት 24-26/03/2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝተኻየደ ናይ ኣባላት ሰህኤ ናይ ኤውሮጳ ዋዕላን ውጽኢቱን ኣመጒሱን ንምትግባሩ ተሪሩ ደው ክብል ምዃኑን ድማ ኣረጋጊጹ። ብፍላይ ኣብቲ ኣገዳስነት ውሽጣዊ ደሞክራስያዊ ኣሰራርሓን ሕጋውነትን ዲሲፕሊንን ሰልፊ ንቅድሚት ክንደፍእን ሰልፍና ኣሐዲስና ተሪርና  ክንቃለስን ከም ዘሎና ዝብልንሓደ ካብቲ ኣርእስትታቱ ደገፉ ብምግላጽ፡ ተቢዑ ክቃለሰሉ ምኑ‘ውን ኣስሚሩሉ።

ኣብ መወዳእታ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ኣባል ሽማግለ ጨንፈር፡ ‘‘ንእስነት” ዝብል ካብ መወከሲታት ዘቕረቦ  ጽሑፍ ድሕሪ ምንባቡ፡ ዋላ ቃልስና እንተነውሐ ክወግሕ እዩ፡ እቲ ዝነውሐ ለይቲእውን  ሓላፋይ‘ዩ፡ ድሕሪ ጸልማት ብርሃን ኣሎ፡ ድሕሪ  ጸገም ድማ ራህዋ  ስለዘሎ፡  ስርዓት‘ውን ከምኡ ብምዃኑ፡ ሕጋውነት ኣኽቢርና ጥራሕ ንቃለስእምበር፡ መላኺ ስርዓት  ኤርትራ  ነባሪ ኣይኮነን፡ ዝብልሰፊሕ  ተወሳኺ መብርሂታት ብምሃብ ብፍላይ ንመንእሰያት ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝኾነ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

ድሕርዚ ዝቐረበ ሰፊሕን ኣገዳስን ኣስተምህሮ ኣኼባ ብዝኽረ ስዉኣት ኣብ ሰዓቱ ተደምዲሙ፡ ናይ መጻኢ ዕለተ ኣኼባ ጨንፈር እውን ንተሳተፍቲ ተሓቢሩ።

Last modified on Wednesday, 12 April 2017 19:50