Print this page

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣስተምህሮ ሂቡ

2017-04-11 07:14:08 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2301 times
Rate this item
(0 votes)

ኣቶ ሃይለ ገብሩ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ9 ማዝያ 2017 ንኣባላት ሰልፊ ብመንግዲ ኤክትሮኒካዊ መራኸቢ  ፖለቲካዊ ኣስተምህሮ ሂቡ። ኣቶ ሃይለ ዓሚቝ ኣስተምህሮ ዝሃበሉ ኣርእስቲ  ጐናዊ ኣተሓሳስባ ንምሕዳስ ሰልፍና ( lateral thinking for renewing our party) » ዝብል እዩ። ንሱ ኣብዚ ኣስተምህሮኡ፡ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ሓንሳብ ኣብ ዝሓዝካዮ ኣተሓሳስባ ምድራቕ ዘይኮነ ንዝፍጠር ምዕብልናታት ዝምጥን ዝጋጥሙ ጸገማት ንምፍታሕ ሓድሽ ኣተሓሳስባ ምምዕባል ናይ ዓወት ውሕስነት ምዃኑ ብኣብነታትን ዕዉት ተመኩሮታትን እንዳሰነየ ብዝርዝር ኣብሪሁ።

ኣብ መስርሕ ሓደ ቅኑዕ ኢልካ ዝኣመንካሉ ኣተሓሳስባ ሒዝካ ናብ መድረኽ ምምጻእ ሃናጺ ኮይኑ፡ እንተኾነ « ኣነ ጥራይ እየ ቅኑዕ እቲ ካልእ ግና ግጉይ እዩ » ካብ ዝብል ኣተሓሳስባ ምርሓቕን ንጉዳያት ኣስፊሕካ ምርኣይን ከም ዘድሊ ኣብሪሁ። ብመንጽር እዚ ኣብ ኣርእስቲ ተጠቒሱ ዘሎ ምዕቡል ኣተሓሳስባ ሰባት ኣብ ዝተሰርሐ ጉዳይ ሚዛን ኣብ ምሃብን ምንቃፍን ዘይኮነ ኣካል ናይቲ ምምስርሑ ኮይኖም ከበርክቱ እንከለዉ ናብ ምዕቡል ውጽኢት ከም ዝመርሕ ገሊጹ። ናይ ለውጢ ወናኒ ወይ ተጠቃሚ ክትከውን፡ ኣቐዲምካ ንገዛእ ርእስኻ ክትልውጥ የድሊ ዝበለ ኣቶ ሃይለ ገብሩ፡ እትደልዮ ምዕባለን ለውጥን ካብ ኢድ ካለኦት ምጽባይ ዘይኮነ ናትና ኣበርክቶ ክንሕውስ ናይ ግድን ብዛዕባ ምዃኑ ከኣ ተንቲኑ። ኣተሓሒዙ ድማ ብዛዕባ ኩሉ ጉዳያት ኣቐዲምካ ጽጹይ ሓበሬታ ምርካብ ርትዓዊ መፍትሕታት ንምቕራብ ወሳኒ ምዃኑ ምስ ጠቐሰ ንጉዳያት ደዋዊስካ ብጥቕሉል ምቕራብ ሓጋዚ ከም ዘይኮነ ኣመልኪቱ። ነዚ ብኣብነት ከሰንዮ እንከሎ ድማ « ኣብ ውሽጢ እቲ ግጉይ እንብሎ ቅኑዕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምግማትን መሚኻ ክትረኽቦ ምጽዓርን ኣገዳሲ እዩ » ኢሉ።

ድሕሪ እቲ ሰፊሕ መብርሂ ብተሳተፍቲ ዝተፈላለዩ ሕቶታትን ሃነጽቲ ርኢቶታትን ቀሪቦም። እቲ ቀንዲ ዝተንጸባረቐ ከኣ ኣብ ዙርያ « ነዚ ሳይነሳዊ/ስነ-ፍልጠታዊ ኣተሓሳስባ ከመይ ጌርና ምስ ዕለታዊ ህይወት ሰልፍና ነዛምዱ » ዝብል ነይሩ። ኣቶ ሃይለ ኮነ ካልኦት ተሳተፍቲ ኣብዚ ጉዳይ ካብ ዝሃብዎ ርኢቶ ከኣ፡ ነዚ ሳይነሳዊ ሓቂ ኣብ ግብሪ ምውዓል ቅድሚ ኩሉ ደሞክራስያዊ መትከላት ኣጽኒዕካ ምሓዝ ከም ዘድልን እዞም ከም ናይ ብዙሓት ግዝኣትን ናይ ውሑዳት መሰል፡ ደሞክራስያዊ ማእከልነትን ግሉጽነትን ዝኣመሳሉ መትከላት ከየጽናዕካ ዝተሓዝ ኣተሓሳስባ፡ ውሕስነት ከም ዘብየሉን ኣብሪሆም። ተሳተፍቲ፡ ነዞም ደሞክራስያዊ መትከላት ዘለዎም ምእዙዝነትን ሓድሽ ኣተሓሳስባ ንምምንጫውን ዘለዎም ቅሩብነትን ብብሩህ ኣመዝጊቦም። ኣብ ክሊ እዚ ዝኾነ ኣካል ንቕኑዕ ቅኑዕ፡ ንግጉይ ድማ ብድብድቡ ዘይኮነ፡ መተካእታኡ ኣቕሪቡ ግጉይ ናይ ምባል መሰሉ ሕልዊ ምዃኑ ብብሩህ ሰፊሩ።

ኣብ መወዳእታ ተሳተፍቲ ንኣዳለውቲ መደብን ኣስተምህሮ ንዝሃበን ኣመስጊኖም ንመጻኢ እውን ኣገደስቲ እዋናዊ ኣርእስታት እንዳተመርጹ ስሩዕ ውሽጣዊ ሰልፋዊ ኣተሓሳስባ ናይ ምሕያል መስርሕ ኣስተምህሮ ንክቕጽል ለበዋ ኣቕሪቦም።

Last modified on Tuesday, 11 April 2017 09:20