Print this page

ጨንፈር ደቡብ ንኡስ ዞባ ጀርመን ሰዲህኤ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-04-08 08:26:39 Written by  ሽማግለ ጨንፈር 1 Published in EPDP News Read 2282 times
Rate this item
(0 votes)

ብዕለት 02 ሚያዝያ 2017 ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤሪትራ ጨንፈር ደቡብ ጀርመን ነቲ ካብ ዕለት 24  ክሳብ 26 03 2017 ኣብ ፍራንክፎርት ዝተጋብአ ኤውሮጳ ለኸ ዋዕላ ኣገዳስነቱ ብምርኣይ መላእ ኣባላቱ ዝተሳተፍዎ ንክልተ ሰዓትን ፈረቃን ዝወሰደ  ብዘመናዊ መራኸቢ ኣገዳሲ ኣኼባ ኣካይዶም።

ኣጀንዳታት ዋዕላ ኣቐዲሙ ንኣባላት ሰልፊ ተዘርጊሑ ኣብ ኢድ ኩሎም ምንባሩ  ቡሩህ ኮይኑ፡ ንምስፍሑን ምብራሁን ዝኣክል ብተሳተፍቲ ዋዕላ ፍራንክፉርት ዑምቐትን ስፍሓትን ናይቲ ዋዕላ ማለት ኣብ ህሉው ኩነታት ሰልፊ፡ ደንበ ተቓውሞ ኤርትራን ዘይርጉእ ኣታሃላልዋኡን ዝምድና  ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ዝዳህሰሰ ኣገዳሲ ዋዕላ ምንባሩ መብሪሂታት ሂቦም። ኣባላት ጨንፈር ኣብ ክሊ እቶም ዝቐረቡ ናይ መጽናዕቲ ወረቓቅቲ ክበርሁ ኣለዎም ዝበልዎም ሑቶታት ኣቕሪቦም ብተሳተፍቲ ዋዕላ ድማ ተነጺሮም።

ኣብ መጨረሽታ ኣባልት ጨንፈር ደገፎም ንዋዕላ ፍራንክፎርት ገሊጾም፡ ሰልፊ ንምሕያልውን ዝካአሎም ክገብሩ ምዃኖም ተመባጺዖም። ብተወሳኺ ትሑዝቶ ናይቲ ዋዕላ ብሰፊሑ ኣብ መርበባት እንተርኔት ተዘርጊሑ ስለዘሎ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ መጻኢ ጉዕዞና ንምጽባቕ ታሪኻዊ ሐላፍነትና ክንስከም ኣማሕጺኖም።

Last modified on Saturday, 08 April 2017 10:30