Print this page

ሰዲህኤ ናብ መራሕቲ ሶማልያ መልእኽቲ ልኢኹ፡ ምትሕብባሮም ንከሕድሱ ከኣ ጸዊዑ

2017-04-02 19:15:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3047 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብቲ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማልያ ዝለኣኾ መልእኽቱ፡ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ መንግስቲ ሶማልያ ምስ ሰህኤን ካልኦት ንኣውንታዊ ለውጢ ኣብ ኤርትራ ዝቃለሱ ዘለዉ ሓይልታትን ዝምድና ምፍጣር ህጹጽ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ጸዊዑ።

 

ነዚ ብ31 መጋቢት 2017 ናብ ናይ ሶማልያ ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚንስተር ዩሱፍ ኣራድ ዑመር ዝለኣኾ መልእኽቲ ተጠቒሙ፡ ሰህኤ ፕረሲደንት መሓመድ ዓብዱላሂ (ፎርማጆ) ኣብዚ ቀረባ ግዜ ኣብታ ሃገር ኣብ ዝተኻየደ ደሞክራስያዊ ምርጫ ዝሓሸት ሶማልያ ንክመርሑ ኣብ ምርጫ ስለ ዝተዓወቱ ናይ እንኳዕ ኣሕጐሰኩም መልእኽቱ ኣመሓላሊፉ።

 

1EPDP Sends Solidarity Message to Post Election Somalia 1

ፕረሲደንት ሶማልያ ሞሓመድ ዓብዱላሂ ሞሓመድ (ፎርማጆ)ን ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ ዩሱስፍ ጋራድ ዑመርን

 

.እዚ መልእኽቲ ሶማልያ ነቲ ብ1961 ዝጀመረ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰል ርእሰ ውሳነን ናጽነትን ኣፍልጦ ዝሃበትን ዝሓገዘትን ናይ መጀመርያ ሃገር ምዃና ዘይከሓድ ምዃኑ ኣነጺሩ። ፈታዊትና ዝኾነት ሶማልያ ኣብቲ ከምቲ ናይ 60ታት ልሙድ ሓገዛ ዝደለናሉ ዝሓለፈ 26 ዓመታት ንገዛእ ርእሳ ኣብ ኣጸጋሚ ኩነታት እያ ጸኒሓ። ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት ሕማቕ ዕድል ኮይኑ፡ ናጽነት ኤርትራ ድማ እቲ ቃል ዝኣተወሉ ዕማም ከተግብር ኣይከኣለን።

 

ብዘይካዚ እቲ መዘክር በቲ ኣብ ሶማልያ ዝረአ ዘሎ ዘገምታዊ ግና ድማ ኣውንታዊ ምዕባለ ሕጉስ ምዃኑ ገሊጹ። ኣተሓሒዙ ኣብዚ እዋንዚ ሶማልያ፡ ሕቡራት ሃገራትን ኣካላቱን ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ጠጠው ንክብልን ኣብ ኤርትራ ዘለዉ ኣብ ልዕሊ ህዝቦም  ክትገልጾ ዘጸግም  ገበናት ዝፍጽሙ  ዘለዉን ላዕለዎት ኣካላት መንግስቲ ተሓተቲ ንክኾኑን፡  ንዝበጸሖ መደምደምታ ንክትግበር ትጻወቶ ንዘላ ግደ ንኢዱ።

.EPDP Sends Solidarity Message to Post Election Somalia 2

 

እቲ ናይ ሰህኤ መዘክር ብምቕጻል መራሕቲ ሶማልያ ኣብቲ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ውድቀት ዲክታተርነት ኤርትራ ደሞክራስያዊ ስርዓት ንምምስራት ዝግበር ቃልሲ ዓቕሚ ኣብ ምዕባይ ብደረጃ ከባቢ ኮነ ዓለም ኩሉ ዝኽእልዎ ከበርክት ጸዊዑ። ብፋላይ ከኣ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ሶማልያ ሚስዮናቱ ምስ ሰህኤን ካለኦት ነቲ ኣብ ኣስመራ ዘሎ ስርዓት ዝቃወሙን ዝምድና ከም ዝፈጥሩ ንክገብር ተማህጺኑ።

Last modified on Sunday, 02 April 2017 21:28