Print this page

ንቈልዑ ኤርትራ ኣብ ሱዳን እትምህር ቤት/ት  ወዲ ሸሪፈይ፡ መበል 32ን ዓመተ-ትምህርቲ ዛዚማ

2017-03-31 19:26:35 Written by  ብእድሪስ እስማዒልን ተኽለሃይማኖት እልፉን Published in EPDP News Read 3809 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ምስራቓዊ ሱዳን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ስደተኛታት ቈልዑ ኤርትራ ዝኾነት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ ብዕለት 21 መጋቢት 2017፡ ናይ 2016-2017 መደብ ትምህርቲ ብዓወት ዛዚማ። ኣብቲ መደብ ምዕጻው ቤት ትህምርቲ ናይ ክብሪ ኣጋይሽን፡ ወለዲ ተመሃሮን ነበርቲ ሓውሲ ከተማ ወዲ ሸሪፈይን ተኻፊሎም። እዚ፡ ናይ'ዛ ኣብ ዶብ ኤርትራን ሱዳንን እትርከብ ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ፡ መበል 32 ዓመተ-ትምህርቲ ምዃኑ ኢዩ።

 

ናይ ሎብ ዘበን ትምህርቲ ብ11 ሓምለ 2016 ምስ 637 ዝኾኑ ምዝጉባት ተመሃሮ ተጀሚሩ። ካብዚኦም፡ 22 ተመሃሮ ብበብዓይነቱ ጸገማት፡ ኣብ መንጎ -ትምህርቶም ኣቋሪጾም። ካብቶም ክሳዕ መወዳእታ እተማህሩ 615 ተመሃሮ፡ 42% ኣዋልድ ነይረን።  ካብ ሓደ ክፍሊ ናብ ላዕለዋይ ክፍሊ ዝሓለፉ 545 ክኾኑ ከለዉ (ማለት 88.6% ካብ ጠቕላላ ቊጽሪ)፣ ናይ ምሕላፍ ዕድል ዘይረኸቡ 70 ኢዮም፤ ካብዚኣቶም 48 ኣውዳት፡ 22 ከኣ ኣዋልድ ኢየን።

Wadsheriffey 2

ካብቶም ኣብ በዓል እተሳተፉ ናይ ክብሪ ኣጋይሽ፡ ኡስታዝ ኣል-ዙሄር ኣጃክ፡ ሓላፊ ናይ ዘይመንግስታዊ ቤት ትምህርትታት ኣውራጃ ከሰላ፣ ከምኡ ከኣ ኣባ ገብራይ በእደማርያም፡ ሓላፊ ካቶሊካዊ ቤት ትምህርቲታት ምስራቓዊ ሱዳን ነይሮም። ከምኡ'ውን ሓው እድሪስ እስማዒል፣ ገዲም ተጋዳላይ እስማዒል ናዳ፣ ሓው ዓሊ ሑመድ ዲናይ ኣብቲ ጽንብል ካብ እተኻፊዓበይቲ ደቂ ሃገር ኢዮም። ከም ዝፍለጥ፡ ሓው እድስሪስ እስማዒል፡ ንስዉእ ዑስማን ኣሕመድ ተኪኡ ብግዚያውነት ንቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝከታተልን ንስራሓታ ዘዋሃህድን ዘሎ ሃገራዊ ዜጋ ኢዩ።

ተመሃሮ ወዲ ሸሪፈይ ነቲ ምዕጻው ቤት ትምህርቶም ብባህላዊ ሙዚቃን፡ ደርፍን  ምርኢታትን ግጥምን ገይሮም ድምቀት ክህብዎ ውዒሎም። ዲይረክቶር ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝኾነ መምህር ተኽለሃይማኖት እልፉ (ወዲ እልፉ) ሓደ ካብቶም ኣብበዓል መደረ ዘስምዑ ነይሩ። ኣብ ዘረብኡ፡ ንዂሎም እቶም ንቐጻልነት ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ዝሓልዩን ዝሕግዙን ማሕበራትን ባእታታትን ዕዙዝ ምስጋና ብስም ተመሃሮን መማህራንን ኣቕሪቡ። ብፍላይ ከኣ ነታ ኣብ ሃገር ስዊዘርላንድ እትርከብ ማሕበር ረድኤንቘልዑ ኤርትራ፣ ንክፍሊ ትምህርቲ ኣውራጃ ከሰላ፡ ከምኡ ከኣ ንመሓዛ ቤት ትህምርቲ ዝኾኑ ኣባ ገብራይን ፍሉይ ምስጋና ኣቕሪቡ።

Wadsheriffey 3

 

ቀጺሉ'ውን ንስዉእ ዑስማን ኣሕመድ፡ ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ክሳዕ ዕለተ ሞቱ ከይሰልከየ ዘበርከቶ ታሪኻዊ ህዝባዊ ኣግልግሎቱ መጐስ ብምቕራብ ተመሃሮ ወዲ ሸሪፈይ ንምሉእ ህይወቶም ከም ዝዝክርዎ ኣረጋጊጹ። 

ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ብ1984 ኣብ ራኩባታት/ተንዳታት ንስደተኛታት ቈልዑ ኤርትራ ምምሃር ጀሚራ። ብ1988 ብሓልዮት ሰብ ሰናይ ግብሪ ደቂ ሆላንድ ዘመናዊ ህንጻታት ተሰሪሑላ፣ ጸኒሑ ከኣ ብ2005 ብነብሰሄር ኣባ ማሪኖ ሃይለ (ናይ ሚላኖ) እቲ ዝኣረገ ህንጻታት ተሓዲሱ፡ ካልእ ክፍልታት ከኣ ተወሲኹሉ። ክሳዕ ሎሚ ንቤት ትምህርቲ ክብ ዝበለ ሓገዛት እተወፊ ዘላ ማሕበር ረድኤት (ኣሰ) ብጥቅምቲ 2005 ኣብ ከተማ ጅኔቭ ዝቖመት ኢያ። ንሃለዋትን ንምምሕዳርን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ እትከታተል ማሕበር ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ኢያ። ሃገረ ሽወዴን ዝምቕማጡ ዶክቶር ሃብተሚካኤል ተኽለብርሃን ሓላፊ ናይታ ማሕበር ኰይኑ ምስ ኲሎም መወልትን ተሓጋገዝትን ቤት ትምህርቲ ወዲ ሸሪፈይ ኣድላይ ርክባት የካይድ። ንቐጻልነት ቤት ትምህርቲ ንክሕግዙ ከኣ ንዂሎም'ቶም በታ ቤት ትምህርቲ ዝሓለፉ ደቂ ሃገር፡ ፍሉይ ማሕበር ኣቚሞም፥ ክሳዕ ስደተኛታትና ኣብ ዝሓሸት ኤርትራ ዝምለሱ፥ ድሃይ ናይ ቀደም ቤት ትምህርቶም ክገብሩ በብጊዜኡ ጻውዒት ምስ ኣቕረበሎም ኢዩ።

Last modified on Friday, 31 March 2017 21:32