Print this page

ዋዕላ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንተበግሶ ጸዊዑ

2017-03-30 07:32:44 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 4131 times
Rate this item
(0 votes)

ብ24-26 መጋቢት 2017 ኣብ ፍራንክፈርት ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዞባ ኢውሮጳ፡ መሪሕነት ሰልፊ ሓቀኛ ጽላል ናይቶም ንደሞክራስያዊ ለውጢ ዝቃለሱ ዘለዉ ኤርትራዊ ሓይልታት ኣብ ምፍጣር ተበግሶ ንክወስድ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ መሪሕነት ሰልፊ ምስ ጐረባብቲ ሃገራት ኣብ ምክብባር፡ ናይ ሓባር ተጠቃምነትን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ዘይምትእትታውን ዘትከለ ዝምድና ንክፈጥር ጸዊዑ። ኣብ ርእሲ እዚ ኣቲ ዋዕላ መራሕቲ ኤርትራን ኢትዮጵያን እንደጋና ኣብ ውግእ ንዘይምእታው ሓላፍነት ንክወስዱ ምዒዱ።

2News Item 30.03

እዚ ብፈጻሚ ሽማግለ ዝተወደበ ዋዕላ ዞባ ኤውሮጳ ኣብ ሰለስተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት እዩ ተመያይጡ። እቲ መመያየጢ ጽሑፋት፡ 1) ደሞክራሲ፡ ሕጋዊ ምሕደራን ትካላዊ ኣሰራርሓን ኣብ ሰደህኤ፡ 2) መትከላትን ፖሊሲታትን ሰልፊ ኣብ ዝምድና ምስ ኤርትራዊ ደምበ ተቓውሞን ጐረባብቲ ሃገራትን፡ 3) ሰልፊ ንምሕዳስ እንታይ ንደሊ ኣንታይከ ክንገብር ንኽእል ዝብሉ እዮም። ነዚ ኣቐዲሙ ናብ ተሳተፍቲ ተዘርጊሑ ዝጸንሐ ጽሑፋት ኣብቲ ዞባዊ ዋዕላ ብኣካል ተረኺቦም ዘቕረቡን ዝርዝር መግለጽን መብርህን ዝሃቡን ኣባላት መሪሕነት ሰደህኤ፡ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ፡ ኣቶ ወልደየሱስ ዓማር ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታት፡ ኣቶ ረዘነ ተስፋጼን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ገንዘባዊ ጉዳያትን ኣቶ መድሃኔ ህብትዝጊ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ መንእሰያትን እዮም። እቲ ጽሑፋት ብዝርዝር ቀሪቡ ኣብ ዝተዘተየሉ ብተሳተፍቲ እውን ሃብቲሙ። እዚ ዝሃብተመ ጽሑፋት ናብ ኩሎም ኣባላት ሰልፊ ክዝርጋሕ ትጽቢት ኣሎ።ተሳተፍቲ ዋዕላ ኣብ ልዕሊ መሪሕነቶም ዘለዎ እምነት ምሉእ ብምሉእ ኣረጋጊጾም፡ ኩሉ ኣባል ሰልፊ ናይዚ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ኮይኑ ዝቃለስ ዘሎ ሰልፊ  ደሞክራሲያዊ መትከላት ከኽብርን ብሕግታቱ ክቕየድን’ሞ እቲ እንቃለሰሉ ዘለና ለውጢ ኣብ ሓጺር ግዜ ክረጋገጽ ጸዊዖም።

ኣብዚ ምሕዳስ ሰልፊ ካብ ሕጂ ክሳብ’ቲ ኣብ 2019 ዝግበር 3ይ ጉባአን ድሕሪኡን ብዝምልከት ዝተኻየደ ምይይጥ ህጹጽ ኣገዳስነት ተሳትፎ መንእሰያትን ደቂ ኣንስትዮን ብልዑል ተገዳስነት ተዘትይሉ።ጐኒንጐኒ’ዚ ተሳተፍቲ ዋዕላ ተወፋይነት ኣባላት ኣብ ጉዳይ ሰልፎም እውን ኣሕዲሰምዎ። በዚ መሰረት ምዑታት ተሳተፍቲ እቲ ዋዕላ ብዝወሰድዎ ተበግሶ ሽዑንሹ   ልዕሊ 5.000-ኤውሮ (ሓሙሽተ ሺሕ ኤውሮ) ንሰልፎም ለጊሶም። ብዘይካ’ዚ ነዚ ወፈያ በቶም ዝወከልዎም ጨንፈራት ኣቢሎም ብዕጽፍታት ከዛይድዎ  ቃል ኣትዮም።

3News Item 30.03

 እዚ ዋዕላ ሰደህኤ ዞባ ኤውሮጳ ኣብቲ ሳልሳይ መዓልቱ 26 መጋብቲ 2017 ብፍሉይ ተራኺቡ ናብ መሪሕነት ናይ ተግባር ለበዋታት ኣቕሪቡ ናይ ሓባር መግለጺ ብምውጻእ ተዛዚሙ።

Last modified on Thursday, 30 March 2017 09:51