Print this page

ህግደፍ ተጠቃምነት ህዝቢ ኣብ ገማግም ባሕሪ ይኽልክል

2017-03-21 22:16:38 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2793 times
Rate this item
(0 votes)

ስርዓት ህግደፍ “ንቱሪዝም ምቹእ ስለ ዝኾነ ንከምኡ ዓይነት መዓላ ከነውዕሎ ኢና” ብዝብል ምስምስ ኣብቲ ቦታ/ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሮም ዓሳ ዝገፉን ዝጓስዩን ንዝነበሩ ኤርትራውያን እዚ ልሙድ ናይ መነባብሮ ተግባሮም ከቋርጹ ይገድዶም ከም ዘሎ ግዱሳት ኤርትራውያን ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። ኣቶም ግዱሳት ከም ዝገለጽዎ እቲ “ቱሪዝም” ዝብል  ሓሳብ መዳህለሊ ኮይኑ እቲ ስርዓት ኣብቲ ቦታ ምስጢራዊ ናይ ጫት ዘራእቲ ከም ዘዘውትር ሓቢሮም።

ሓለፍቲ ንግዲ ስርዓት ህግደፍ ኣብ ድኳናቶም ብዝሕ ዝበለ ዝተፈላለየ ሸቐጥ ንዘቕርቡ ነጋዶ፡ ድሕሪ ምቕያር ናቕፋ ኣብ ወርሒ ዝፍቀደልኩም ሓሙሽተ ሺሕ ናቕፋ ጥራይ ከንሱ ድኳናትኩም ብምንታይ ገዚኡኩም መሊእኩምዎ ብዝብል የጨንቕዎም ኣለዉ። እቶም ነዚ ንግዳዊ ንጥፈታት ዝከታተሉ ናይቲ ስርዓት ኣካላት እቶም ነጋዶ ዝረኸብዎ ገንዘብ ኣብ ባንክ የእትዉ የለዉን ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮም ካልእ ረቂቕ መቆጻጸሪ መርበብ ክዝርግሑ ይደልዩ ምህላዎም ይእምቱ።

Last modified on Tuesday, 21 March 2017 23:25