Print this page

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ ኣኼባኡ ኣካይዱ

2017-03-20 19:44:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2304 times
Rate this item
(1 Vote)

መሪሕነት ዞባ ኤውሮጳ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ብ17 መጋቢት 2017 ኣኼባኡ ከም ዘካየደ ናይቲ ዞባ ክፍሊ ዜና ሓቢሩ። እዚ ኣኼባ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ ክውስን ኣብ ዘይክእለሉን ብጉልባብ ምሕዳስ መንነት ወረቐት ኣብ ዝንጋላተዓሉ ዘሎን ህሞት ምዃኑ እቲ ካብ ክፍሊ ዜና ናይቲ ዞባ ዝተረኽበ ሓበሬት የረድእ።

ኣብዚ ኣኼባ ዝተዘተየሎም ነጥብታት፡ ምስማዕ ጸብጸባት ጨናፍርን ኣብቲ ጸብጻብ ገምጋማት ምንባርን፡ መደብ ንምሕዳስ ሰዲህኤ ተወጢኑ ንኹሉ ኣባል ብዘሳትፍ ኣገባብ ዝሰላሰል ዘሎ መስርሕን ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝሰላሰል ዋዕላ ኣባላት ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳን ምንባሮም  እቲ ዜና ገሊጹ። ካብቲ ናይቲ ዞባ ክፍሊ ዜና ብዝተረኽበ ሓበሬታ መሰረት፡ እቲ ኣኼባ ኣብ ነፍሲ ወከፍ መመያየጢ ኣጀንዳ ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዘካየደን፡ ነቲ ተነዲፉ ዘሎ መደባት ሰልፊ ንኢዱ ብፍላይ ኣብቲ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝካየድ ዋዕላ ዞባ ኤውሮጳን መስርሕ ምሕዳስ ሰልፍን ኩሉ ኣባል ሰልፊ ኩሉ ዝኽእሎ ከበርክት ቅሩብ ክኸውን ኣገንዚቡ።

ኣብዚ ኣኼባ ሰልፋዊ ዕዮ ንምሕያል ብደረጃ ዞባ ዝተመዘዛ ብዙሓት ንኡሳን ሽማግለታት ከም ዘለዋ ዝተሓበረ ክኸውን እንከሉ፡ እዘን ሽማግለታት ዝሓዘኦ ዕማም ኣብቲ ዝተዋህበን ግዜ ብኣድማዒ ኣገባብ ክፍጽማ ተሳተፍቲ ኣኼባ ኣንጸባሪቖም።

ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ ህዝቢ ኤርትራ በቲ ንነዊሕ ግዜ ኣንጻር ወጽዓ ከካይዶ ዝጸንሐ ቃልሲ ከይሰልከየ ቃልሱ ክቕጽል ኣብ ልዕሊ ምጽዋዕ ናይ ለውጢ ሓይልታት ካብዚ ዘለዎ ብቱን ኣተሃላልዋ ወጺኡ ብሓባር ካብ ምስራሕ ካልእ ምርጫ ከምዘየብሉ ኣዘኻኺሩ። 

Last modified on Tuesday, 21 March 2017 23:30