Print this page

ሰራዊት ኤርትራ ብዓቐን ኮነ ብዓይነት ይዳኸም ምህዉ ተሓቢሩ

2017-03-20 19:18:53 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2354 times
Rate this item
(0 votes)

ምድኻም ዓቕሚ ሰራዊቶም ዝተሓሳሰቦም ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ኤርትራ፡ መብዛሕቶም ትሕቲ ዕድመን ህጻናትን ዝኾኑ ካብ ዝተፈላለዩ ዓድታት እንዳገፈፉ ኣብ ከባቢ ዓላ ይዕልምዎም ከም ዘለዉ ምንጭታትና ካብቲ ከባቢ ሓቢሮም። እቲ ግዱድ ግፋ ኣብ ኣብያተ- ትምህርቲ እውን ይዝውተር ከም ዘሎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ይግልጹ። እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምድኻም ሰራዊ ኤርትራ ህድማ ናብ ኩሉ ኩርነዓት ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ዝሰማምዕሉ እዩ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ ኣብ ከባቢ ከረን ንመንበሪ ናይ ኲናት ውጉኣት ተብሂሉ ዝተንሃንጸ ኣባይቲ ንሓደ ኩባንያ ከም ዝተዋህበ ካለኦትት ምንጭታት ሰልፍና ካብ ከባቢ ከረን ገሊጾም። መንግስቲ ኤርትራ እቶም ኣብኡ ዝነብሩ ዝነበሩ ውጉእት ኲናት ነቲ ወረ ምስ ሰምዑ ክዕምጹ እዮም ዝብል ስግኣት ስለ ዝሓደሮ፡ “ነናብ ትደልይዎ ዞባታት ክትከዱ ትኽእሉ ኢኹም” ብዝብል ምስምስ ፋሕፋሕ የብሎም ከም ዘሎን ድሮ ሓያሎ ናበይ ክኸዱ ከም ዝደልዩ ዘፍለጡ ከም ዘለዉን ክፍለጥ ተኽኢሉ’ሎ። በቲ ዝበጸሓና ሓበሬታ መሰረት እዞም ውጉኣት ኩናት ተበቲኖም ኣብ ዝኸድዎ ቦታታት እቲ ዝኸድዎ ህዝቢ ኣባይቲ ክሃንጸሎምን ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ከቕርበሎምን ተኣዚዙ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን ከኣ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ሱዳን ዘለዉ ማሕበረ-ኮማት ኤርትራ ነባራት ሓለፍቶም እንዳውረዱ ብሓደስቲ ይትክእዎም ከም ዘለዉ ካብ ሱዳን ዝበጸሓና ሓበሬታ የረድእ። በዚ ኩነታት ዝተቖጥዑ ነባራት ደገፍቲ ስርዓት ህግደፍ እግሮም ከርሕቑ ጀሚሮም ኣለዉ።

Last modified on Monday, 20 March 2017 20:31