Print this page

ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ በርሊን፡ ጀርመን፡

2017-03-15 15:55:41 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2772 times
Rate this item
(1 Vote)

መጻኢና ናጽነት፥ ፍትሕን ምድግጋፍን (Solidarity) ዝሰፈኖ ንምግባር ንቃለስ ኣብ ትሕቲ ዝብል መርሆ ኢዩ ዋዕላ ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ኣብ ጀርመን፡ በርሊን፡ ኣብ ዊሊ ብራንት ሃውስ፡ ማእከላይ መደበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን (SPD) ካብ 12-13 መጋቢት 2017 ተኻይዱ።

 

ኣብ’ቲ ናይ ቀዳማይ መዓልቲ ውዕሎኡ፡ እቲ ብወከልቲ ወይ ልኡኻት ኣባላት ፓርትታት ዝዀኑ (መብዛሕትኦም ኣቦ መንበራት ሰልፍታቶምን ብናይ ተዓዛብነት ኣባልነትን ዝሳተፉ ውድባትን፡ ዝቖመት መሪሕነታዊ ኮሚቴ (Steering Committee) ተኣኪባ፡ ናይ መምርሒታታ መትከላትን ናይ ስራሕ ኣጀንዳን ድሕሪ ምጽዳቓ፡ 35 ዝኣባላታ ቦርድ ኣቝማ። ቦርድ ድማ ኣብ ቀዳማይ ኣኼባኡ ካብ መንጐኡ ሓደ ኣዋሃሃዲ (Coordinator) መሪጹ።

 

ብድሕር’ዚ ብኣቦ መንበርነት ማርቲን ሹልትስ ሕጹይ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ንቻንስለርነት ኣብ’ዞም ዝስዕቡ ኣርእታት ምይይጥ ተኻይዱ።

1. ፖለቲካ ገስጋሲ ምሕዝነት ኣብ 21 ክፍለ-ዘመን፤ ስትራተጅን ኣህጕራዊ ምሕዝነታትን፦ ኣብ’ዚ ኣርእስቲ’ዚ መግለጺ ዘቕረቡ፡ ስተፋን ሎቨን፡ ቀዳማይ ሚንስተር ሽወደንን ሞኒካ ሳፍየር፡ ዋና ጽሓፊ ዴሳዊ ሰልፊ ኡራጋይን ኢዮም።

2.  ንሓድሽ ምልካውን ቀስቃሲ ስምዒታትን (populist) ዝዀን ምንቅስቓሳት ንምቅላስ :- ኣብ’ዚ ኣርእስት’ዚ መግለጺ ዝሃቡ ማኒሽ ተዋሪ ካብ ሰልፊ ሃገራዊ ጕባኤ ህንድን ማርቲን ኦማሊ፡ ናይ ቀዳም ኣመሓዳሪ መሪላንድ፡ ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ኣመሪካ።

3. ብድሆታት ንሰላምን ግሎባላዊ ምትሕብባርን፦ መግለጺ ዝሃቡ ዮናስ ጋር ስቱረ፡ መራሒ ሰልፊ ዕዮ ኖርወይ፤ በንጃሚን ዊልያም ምካፓ፡ ናይ ቀደም መራሒ ሪፓብሊክ ናይ ታንዛንያን ናይ ቀደም መራሒ ሰልፊ ቻማ ቻ ማፒንዱዚ (CCM)፤ ኣንቶንዮ ኮስታ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዋና ጽሓፊ ናይ ዴሳዊ ሰልፊ ፓርቱጋልን ኢዮም።

 

ብድሕር’ዚ፡ ምርጫ ናይ ኦዲተርን ኣውሃሃድን ገስጋሲ ምሕዝነት ተኻይዱ።

 

ኣብ ዕለት 13 መጋቢት 2017 ዝተኻየደ ኵሉ ኣባል ዝሳተፎ ካልኣይ ውዕሎ፡ መእተዊ ቃል ብማርቲን ሹልስ፡ ቻንስለር ናይ ጀርመን ንምዃን ብማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ተመሪጹ ዘሎ ሕጹይ ቀሪቡ።

 

Martin Shulz and Stephan Loewen

 

ብድሕሪኡ፡ ንዲሞክራስያውያን ሕብረተሰባት ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ብዝብል ኣርእስቲ ናይ መራሕቲ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተኻይዱ።  ኣብ’ዚ ክትዕ’ዚ ዝተሳተፉ፥ ወይዘሮ ሚኻል ቢራን (Michal Bran) ኣባል ክነሰት ወይ ፓርላማ እስራኤል፤ ስተፋን ሎቨን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፤ ኣንቶንዮ ዳኮስታ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ዋና ጽሓፊ ዴሳዊ ሰልፍን ፖርቱጋል፤ ማርቲን ኦማይሊ፡ ናይ ቀደም ኣመሓዳሪ ኣውራጃ መሪላንድ ኣብ ኣመሪካን ማርቲን ሹልዝ፡ ሕጹይ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን ንቻንስለርነትን ኢዮም።  ነዚ ክትዕ ዝመርሐ ድማ ሆዋርድ ሊ፡ ፕረሲደንት ናይ ማሕበር ዴሳውያን መንእሰያት (IUSY) ኢዩ ነይሩ።

 

ስዒቡ፡ ብዘይ ሰላም ኵሉ ፋይዳ የብሉን ብዝብል ኣርእስቲ ካልኣይ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ተኻይዱ። ኣብ’ዚ ክትዕ’ዚ እተሳተፉ፡ ማርጋሪታ ቦላኖስ ኣርኲን፡ ፕረሲደንት ናይ ሰልፊ ተግባር ዜጋታት (Citizens’ Action party)፤ ሰርገይ ስታኒሰፍ፡ ፕረሲደንት ሰልፊ ኣውሮጳውያን ዴሳውያንን (Party of European Socialists) ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ቡልጋርያን፤ ማርቲን ሲጐለ፡ ፕረሲደንት፡ ምንቅስቓስ ንሓርነት ማእከላይ ኣፍሪቃ፤ ሂስያር ኦዞይ፡ ምኽትል ተሓባባሪ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ቱርኪ (People’s Democratic Party) መራሒ ክትዕ ከኣ፡ ጆሽ ሆዚ ምኽትል ፕረሲደንት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ካመሩን ነይሩ።

Aklilu with Public

 

ሳልሳይ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ፡ ንግሎባላዊ ማሕበራውን ኤኮላጂካውን (ካባብያውን) ለውጢ ብዝብል ኣርእስቲ ዝመደሩ ከኣ፥ ካተሪና ባርሊ፡ ዋና ጽሓፊት ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ጀርመን፤ ልዊስ ዱልቺ፡ ኣካያዲ ትካል ሉላ፡ ናይ ቀደም ዋና ጽሓፊ ቤት ጽሕፈት ፕረሲደንት ብራዚል፤ ፓስካል ላሚ፡ ናይ ክብሪ ፕረሲደንት ናይ ኣውሮጳና (Notre Europe) ናይ ቀደም ኣካያዲ ናይ ዓለም ትካል ንግዲ (World Trade Organisation)፤ በንጃሚን ዊልያም ምካፓ፡ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሪፑብሊክ ታንዛንያን ፕረሲደንት ሰልፊ ቻማ ቻ ማፒንዱዚ (Chama Cha Mapinduzi)። መራሕ መድረኽ ድማ ዮኸን ሽታይንሂልበር፡ ኣብ ትካል ፍረድሪሽ አበርት፡ ሓላፊ ክፍሊ ፖሊሲን ልምዓትን ኢዮም።

 

ራብዓይ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ ኣርእስቲ፡ ማሕበራዊ ፍትሕን  ምርግጋጽ ዘላቒ ት፡ ፍትሓዊትን ሃብታምን ዓለም ዝብል ኰይኑ፡ መግለጺ ዘቕረቡ ድማ፡ ኣንቶንዮ ቦንፋቲ፡ ናይ ኣርጀንቲንያ ዴሳዊ ሰልፊ ፕረሲደንት፤ ሓቢብ አልማሊኪ፡ ፕረሲደንት ኣምሓዳሪት ኮሚቴ፡ ዴሳዊ ሕብረት ህዝባዊ ሓይልታት ሞሮኮ፤ ታንያ ፋዩን፡ ምኽትል ኣደመንበር ናይ ጕጅለ ዴሳውያንን ዲሞክራስያውያንን ኣብ ፓርላማ ኣውሮጳ፡ ከምኡ’ውን ማሕበረ ዲሞክራስያዊ ሰልፊ ስሎቫንያ፤ ማኒሽ ተዋሪ፡ ኣፈኛ ሃገራዊ ጕባኤ ህንዲን ሞኒካ ዛፊር፡ ዋና ጽሓፊት ዴሳዊ ሰልፊ ኡሩጋይን ነይሮም። መራሒት መድረኽ ድማ፡ ሪበካ ብለይኪ፡ ናይ ቀደም ፕረሲደንት ሓድሽ ሰልፊ ዲሞክራሲ ካናዳ ኢያ ነይራ።

 

ናይ መወዳእታ ናይ ጠረጴዛ ክትዕ መዕጸዊ ተኻታዕቲ ከኣ፡ ሮናልዶ ላማስ፡ መስራቲ ሰልፊ ተግባር ዜጋታት ፊሊፒን፤  ግዩላ ሞልነር፡ ኣቦ መንበር ዴሳዊ ሰልፊ ሃንጋሪ፤ ነቢል ሻስ፡ ናይ ቀደም ቀዳማይ ሚኒስተር ናይ ፈትሕ፡ ፍልስጤም፤ ሀሱ ሳምብራኖግሪሃልቫ፡ ሰልፊ ዲሞክራስያዊ ሰውራ ኢዮም። መራሕ ክትዕ ከኣ፡ ማሪስ ክሪስ ካብርዮሮስ፡ ኣውሃሃዲት መርበብ ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፍታት ኣብ እስያ ኢያ ነይራ።

 

Public

 

ክርስትያን ከርን፡ ናይ ኣውስትሪ ቻንስለርን ኣቦ መንበር ማሕበረ-ዲሞክራስያዊ ሰልፍን ብምኽንያት ሰራሕተኛታት መዓርፎ ነፈርቲ በርሊን ዝገበርዎ ኣድማ፡ ኣብ ኣኼባ ገስጋሲ ምሕዝነት ክካፈል ኣይከኣለን። ከምኡ’ውን፡ ፈደሪካ ሙገሪኒ፡ ብኻልእ ስራሕ ስለዝተጸምደት ክትካፈል ኣይከኣለትን። ናይ ጀርመን ሚኒስተር ወጻኢ ጕዳያት ሲግማር ጋብርኤል ከኣ፡ ህጻን ጓል ዝተወልደትሉ እዋን ስለዝነበረ ክሳተፍ ኣይከኣለን።

 

ሓው መንግስተኣብ ኣስመሮም፡ ኣቦ መንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራን (ሰዲህኤ)  ዶክተር ኣክሊሉ ግርማይ፥ ምኽትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ወጻኢ ጕዳያት ሰዲህኤን፥ ዝርከብዎ ልኡኽ ንሰልፊ ወኪሉ ኣብ’ቲ ዋዕላ ብምክፋል ነዚ ርክብ’ዚ ዝተዳለወ ናይ ጽሑፍ መግለጺ ዘርጊሑ።

 

ኣብ’ዚ ዋዕላ’ዚ እተሳተፋ 120 ሰልፍታት ካብ 80 ሃገራት ተሳቲፈን ነይረን።

Last modified on Wednesday, 15 March 2017 17:21