Print this page

ልኡክ ሰዲህኤ ኣብ በርሊን ኮንፈረንስ ምሕዝነት ገስገስቲ ይሳተፍ ኣሎ

2017-03-13 08:43:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2863 times
Rate this item
(0 votes)

ላዕለዋይ ልኡኽ ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ኣብ ጀርመን ከተማ በርሊን ብጀርመናዊ ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፊ ዝተዳለወ ስሩዕ ኮንፈረንስ ምሕዝነት ገስገስቲ ይሳተፍ ኣሎ። እዚ ብ12 መጋቢት 2017 ዝጀመረ ናይ ክልተ መዓልታት ኮንፈረንስ ዳህሰስቲ ኮሚተታትን ኣባላት ቦርድ ዝተፈላለያ ሰልፍታትን ዝሳተፍዎ እዩ።

 

 እዚ ኣቦመንበር ሰልፊ ኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮምን ዶ/ር ኣክሊሉ ግርማይ ኣባል ማእከላይ ባይቶን ምክትል ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ዝርከብዎ ልኡኽ ሰህኤ  ካብቶም ኣብዚ ናይ በርሊን ኮንፈረንስ ክሳተፉ ትጽቢት ዝግበረሎም ናይ 80 ሰልፍታት ልኡኻት እዩ። እዚ ኮንፈረንስ ምሕዝነት ገስገስቲ “ምቕራጽ መጻኢና፡ ንናጽነት፡ ፍትሕን ምሕዝነትን” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ እዩ ዝካየድ።

 

እዚ ልኡኽ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትር (ሰህኤ) ኣብቲ ሓፈሻዊ ክፋል ኣኼባን ኣብቲ ምይይጥ ዝግበረሉ መድረኽን ተሳቲፉ ንኤርትራ ኣብ ዝምልከት ንዘሎ መኸተ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚ ብደረጃ ኣፍሪቃ ኮነ ኣብ ዓለም ዘለዋ ኣካላት ገስገስቲ ምሕዝነት ዝምልከት ርኢቱ ከቕርብ እዩ።

እቲ ናይ ገስገስቲ ምሕዝነት ብ2013 ካብ ዝምስረት ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ኮንፈረንስ ን6ይ ግዜ እዩ ዝሳተፍ ዘሎ። እቶም ዝሓለፉ ሰህኤ ዝተሳተፈሎም ኮንፈረንሳት፡ ኣብ ሊያፕዚግ፡ ቱኒስ፡ ስቶክሆልም፡ ሮተርዳምን ብሩሰልስን ዝተኻየዱ እዮም። ኣብዚ እዋንዚ እዚ ምሕዝነት ገስገስቲ ካብ ኩለን ክፍለዓለማት 130 ኣባል ሰልፍታት፡ ፖለቲካዊ ማሕበራትን መርበባትን ኣለውውዎ።

እዚ ዝስዕብ ገለ ክፋል  ኣጀንዳ  ኮንፈረን ምሕዝነት ገስገስቲ እዩ

  • እዚ ምሕዝነት ናይ ገስገስቲ፡ ማሕበራዊ ደሞክራሲ፡ ማሕበራውነት፡ ሰልፊ ሰራሕተኛታት፡ ፖለቲካዊ ውድባትን መርበባትን ምትእኽኻብ እዩ። እዚ ገስጋሲ ምሕዝነት፡ ምስ ካለኦት ገስገስቲ ትካላት፡ ሕብረታት፡ ናይ ምምኽካር ክበባትን ዘይመንጋታዊ ትካላትን ዝምድና ናይ ምፍጣር ድሌት ኣለዎ። እዚ ምሕዝነት ማዕረማዕረ ካለኦት ማሕበራት ብደረጃ ዞባ ኮነ ዓለም መድረኻት የቕውም። ብዘይካዚ ዘጋጥሙ ፖለቲካዊ ጸገማት ንምምካትን ሓበሬታ ንምልውዋጥን ኣብ ከም ምርጫ ዝኣመሰሉ ተመኩሮ ንምቕሳም ዘኽእሉ ሓባራዊ መድረኻት ብደረጃ ዓለም የዳሉ። ካብዚ ሓሊፉ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምሕያልን ዓለም ለኻውን ከባቢያውን ምልዕዓላትን ንምትብባዕ ተበግሶ ንምውሳድን ይጽዕር።.
    • እዚ ምሕዝነት ገስገስቲ ብዙሕ መድረኻት እዩ ዝጥቀም። ካብቶም ዝጥቀሞም መድረኻት፡ ርክባት፡ ኮንፈረንሳት፡ ሰሚናራትን ኣኼባታትን ኣብ ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ካብ ዘዘውትሮም ተግባራት እዮም። እዞም ኣኼባታት ኣብ ዓለም ንዘለዉ ገስገስቲ ናብ ሓደ ኣምጺኦም፡ ብዓለም ደረጃ ፖለቲካዊ ሓሳባት ክለዋወጡን ዘጋጥሙ ጸገማት ብዝምልከት ክመያየጡ ዘኽእሉን እዮም።
    • ብመደብ ንዝካየዱ ስረሓት ቆላሕታ ንምሃብ፡ ምሕዝነት ገስገስቲ ንጥፈታቱ ኣብ ትሕቲ ጽላል ናይ ሓባር ወፈራ እዩ ዘካይድ። እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ወፈራ ብሓባር ምስ ካለኦት ገስገስቲ ማሕበራዊ ሓይልታት፡ ንግዳዊ ሕብረታትን ዘይመንግስታዊ ትካላት የካይዶ።
    • ካብዚ ሓሊፉ እዚ ምሕዝነት ገስገስቲ ምስ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ብሓባር ናይ ትካላት ዓቕሚ ምፍጣር ቆላሕታ ይህብ። ናይ ገስጋሲ ምብርባር ዓውደ-መጽናዕትን ካለኦት መድረኻትን ፖለቲካዊ ሰልፍታት ንምርጫ ኣብ ምልዕዓል ዘጋጥሞም ጸገማት ብዝምልከት ንክመያየጡ ዕድል ዝኸፍት እዩ።
    • ዕቤት ስግረዶባዊ ዓለም ለኻዊ ምሕዝነት ቀንዲ ፖለቲካዊ መለለዪ ናይ ገስጋሲ ምንቅስቓስ እዩ። ስለዚ እዩ ድማ ንኣባላት ገስጋሲ ምሕዝነት ብደረጃ ዓለም ኣብ ፖለቲካ ዝጽቀጡን ዝሳቐዩን ዘለዉ ኣካላት ምሕጋዝ ቀንዲ ነጥቢ ናይ ገስጋሲ ምሕዝነት ዝኸውን። 
Last modified on Monday, 13 March 2017 09:53