Print this page

ዜናዊ ጸብጻብ ኣኼባ ጨንፈር ሰዲህኤ

2017-02-28 21:03:09 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2228 times
Rate this item
(1 Vote)

ጨንፈር ፍራንክፎርትን ከባቢኡን ብዕለት 26.02.2017 ወርሓዊ ኣኼባኡ ሰዓት 2፡00 ድ.ቀ. ጀሚሩ። ኣኼባ ብሓው ታደሰ ኣስመላሽ ኣቦመንበር ጨንፈር ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም ምስ ተኸፈተ፥ ብሽማግለ ጨንፈር፡ ዲሲፕሊን ኣብ ጥርናፈን ሓድነትን ጽፈት ስራሕን ቅድመ-ተደላይነት ከም ዘለዎ ድሕሪ ምግላጽ፡ ናይ እዋናዊ ሓበሬታታት ምልውዋጥ ተኻይዱ።

ካብኡ ብምቕጻል፡ ኣብቲ ነዚ ኣኼባ‘ዚ ካብቶም ካልኦት ኣኼባታት ፍሉይ ዝገብሮ ጉዳይ መንእሰያት ተኣትዩ። ነቲ ፍሉይ መደብ መንእሰያት ሒዙ ዝቐረበ ኣባል ሽማግለ መንእሰይ ክብሮም ዓንዶም እዩ። ክብሮም ንመግለጺኡ ብቪድዮ ዝተቐርጸብፊልም ኣሰንዩ ንክልተ ሰዓት እዩ ዝርዝር ኣስተምህሮ ሂቡ።

ኣርእስትታት መግለጺኡ ድማ፡-

1 - ፍልልይ ኣብ መንጎ ዲሞክራስን ምልክን፤

2 - ጉዳይ ሓድነት ህዝቢ፤

3 - ብዛዕባ ናይ ጣዕሳ ወረቐት ምምላእን ምፍራምን መዘታቱን

4 - ኩነታት ስደተኛታት ኣብ ወጻኢ ከመይ ኣሎ፤

5 - ዓንዲ ገዛና፤ ዝብሉ እዮም ኔሮም።

ዝርዝር ዜና ኣኼባ

1 -መንእሰይ ክብሮም ነቲ ጉዳይ ደሞክራስን ምልክን ኣልዒሉ ክገልጽ እንከሎ፤ ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰል ዝብል ብቪድዮ ኣብ ስክሪን እናኣርኣየ፡ ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ ድማ ክሳብ ክንደይ ነዚ ኣድማሳዊ ሕጊ‘ዚ ረጊጹ፡ ነቲ ብደም ውጹዓት ዝመጸ ነጻነት ጨውዩ፡ ንህዝቢ ብዘይቅዋም ብፍርሂ እናገዝአ፡ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበሩ ባዕዳውያን ገዛእቲ ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ ዝኸፍአ ግፍዒ እናፈጸመ እዩ ንህዝቢ ዘመሓድር ዘሎ ይብል። ምልካዊ ኢሳያስ ካብ ትግባሬ ቅዋም ዝፈርህ ንረብሓኡ ስለ ዘይኮነ እዩ። እቲ ካብ 1993 ክሳብ 1997 ዝተነደፈ ቅዋም እውን ኣብ ግብሪ ከውዕሎ ኣይደለየን። ስለምንታይ እቲ ዝተነድፈ ቅዋም ዘይትግበር ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ ድማ፡ ቅዋም ከይተኣወጀ ዝሞተ‘ዩ እናበለ እናኣቈናጸቦ‘ውን ብቪድዮ ኣርእዩ።

ምልካዊ ኢሳያስ፡ ንኤርትራ ሲንጋፖር ክንገብራ ኢና እናበለ እናፈከረ‘ዩ መጺኡ። ግን ዝዓነወ እምበር ዝተሃንጸ ኣይረኣናን። ነተን ዝጀሃረለን ዘሎ ጥልያን ዝሃነጸን ትሕተ-ቅርጻታ‘ውን ከዐርየን ኣይበቕዐን ብምባል ስእሊ ናይ ኣስመራ ብቪድዮ እናኣርኣየ ዘሕዝን ዕንወት ሃገርና ኣርእዩ። ኢሳያስ እምበኣር ሲንጋፖር ንምግባራ ናብ ዘይዓቕሙ ካብ ምምጥጣር እታ ዝቐለለት ክገብራ ዝግብኦ ዝነበረ፡ ቅዋማውን ሕጋውን ደሞክራስያውን መንግስቲ ምትካል እያ ኔራ። ምስኡ ኣሰንዩ‘ውን ‘‘ኢሳያስ ኣፈወርቂ ኣውጽኣያ እታ ሓቂ” እትብል ግጥሚ ብሓደ ተባዕ ተቓላሳይ ዝተገጥመት ኣስሚዑ።

ቅዋም ተነፊጉና ብዘይሕጊ ብፍርሂ እናተመሓደርና፥ ኣብ ዓለም ተራእዩ ዘይፈልጥ ኩሊት ዜጋታትና እናተሸጠ፥ ህዝብና ብዘይሕጊ እናተኣስረን እናተጨፍጨፈን፥ ክሳብ እሱር ክትርእየሉ ዘይትኽእል ኩነታት እናሃለወን፥ ተቐቲሉ እንከሎ ዘይሕበረካን፥ ሬሳ ኣብ ዓዱ ምቕባር እናኣገድካን፥ ንህዝቢ ኮነ ኢልካ እናኣጥመኻን ዝወደቐ መግቢ እናሸጥካን፥ ኣብ ሃይማኖት ኢድካ እናኣእቶኻ ንህዝቢ ፋሕፋሕ እናኣበልካ፥ ንመንእሰያትካ ኣብ ብስም ኣገልግሎት ኣብ ባርነት እናቆረንካን ኣብ ዘይቅኑዕ ውግእ እናኣጽነትካን፥ ሃገር ገዲፎም ክጠፍኡን ግዳይ ገበነኛታት ክኾኑ እናገበርካን እንከሎኻ ሃገር ሰላም ኣላ ጽቡቕ ኣላ ምባልከ ምስ ምንታይ ይቚጸር? እዚ ኩሉ እናገበረ ድማ‘ዩ ኣብ ናይ 50 ዓመት ኢዮበልዩ የራኽበና ብምባል ገና ጸገምና ከም ዘይውዳእ ዝገለጸልና።

23.02.2017 Frankfurt Meeting 2

እታ ሓንቲ ንኣና ብፍላይ ንመንእሰያት ካብዚ ጸገም‘ዚ ንምንጋፍ እትጽበየና ዘላ እምበኣር፡ ኣብ ዓዲ ዲሞክራሲ እናተቐመጥና፡ ካብኦም ተማሂርና ፍርሂ ኣወጊድና ዓበይቲ ዝገደፉልና ቃልሲ ብምቕጻል፡ ምእንት‘ቲ ማንም ሰብ ፈትዩ ክህበና ጸሊኡ ድማ ክኸልኣና ዘይክእል መሰልና ብቘራጽነት ምቅላስ እያ ይብል መንእሰይ ክብሮም። ስርዓት ህግደፍ ሰብ ክኣስር እኽእልዩ ንሕልናና ክኣስሮ ግን ኣይክእልን‘ዩ። ስለዚ ሕልናና ነቃልሶ ብምባል‘ውን ምሕጽንታ ኣቕሪቡ።

2 -ካብኡ ቀጺሉ‘ውን መንእሰይ ክብሮም ሓርበኛዊ ኣበሃህላ ናይ ደጀዝማች ባህታ ሓጎስ ኣብነት ብምጥቃስ ሓርበኛዊ ስምዒትና ከነትርር ከም ዘሎና ይገልጽ። ደጀዝማች ባህታ ሓጎስ ኣብ 1894 ብጥልያን ኣዋልድ ክህቦም ምስ ተሓተቱ፡ ነዋልድ ሃገረይ ንባዕዲ ኣሕሊፈ ካብ ዝህብ ሞት ይሕሸኒ ብምባልዮም መሊሶሙሉ። ንሕና መንእሰያት ድማ ኣብነት ኣቦታትና ተኸቲልና ሓድነትና ነጽንዕ ንኣሕዋትና ንባዕዳውያን ኣሕሊፍና ኣይንሃብ ዝብል መልእኽቲ‘ውን ኣመሓላሊፉ።

3 -ኣብ ጉዳይ ጣዕሳ ምፍራም ክዛረብ እንከሎ‘ውን፡ ብቐዳምነት ናይ ጣዕሳ ምፍራም እንታይ‘ዩ ዕላምኡ ምፍላጥ የድሊ ይብል። ስርዓት ኢሳያስ በቲ ካብ ዓለም ዝወርዶ ዘሎ መሓንቖ ክድሕን ክብል፡ ብገንዘብ ህዝቢ ማለት ብሽያጥ ወርቂ ይኹን ብኻልእ ሜላታት ብዝእክቦ ገንዘብ ዕሱባት እናጥረየ ፕሮፓጋንዳ ዝነዝሑሉን ንህዝቢ ዘደናግሩሉን ብምውፋር‘ዩ ዝጐዓዝን ናይ ጣዕሳ ፈርሙ እናበለ ዝጉስጉስን ዘሎ። እቲ ናይ ጣዕሳ ዝተፈረመ ወረቐት እምበኣር ንብዙሓት መንእሰያት ኣብቲ ቦታ ናይ ኤምባሲ ዝተርፍ እዩ ዝመስሎም። ናብ ናይ ዝተፈላለያ ናይ ዓለም ትካላት እናኣመሓላለፎ እዩ ህዝቢ ኣብ ጐድነይ ኣሎ፡ ሃገር ጽቡቕ ከም ዘላ ጸገም ዝበሃል ከም ዘየለ ዘረጋግጽ ድማ እንሆ ኩሎም ተጋጊና ኔርና ኢሎም ናይ ጣዕሳ ወረቐት እጽሕፉ ብምባል‘ዩ ንከታልል ዝጥቀመሉ። እዚ ድማ ተመሊሱ ነቶም ዝፈረሙ ከም ዝጐድእ ርዱእ‘ዩ። እቲ ተረባሒ እምበኣር ስርዓት ኢሳያስ ጥራይ እዩ። ናብቲ ምኽንያት ናይ‘ዚ ኩሉ ስደትናን ጥፍኣትናን ዝኾነ ስርዓት ምምላስ ማለት ድማ ጥፍኣት እዩ፥ ስለምንታይ ኣብ እንዳ ህግደፍ እንተፈረምካ ትጠፍእ እንተዘይፈረምካ ድማ ጥጠፍእ‘ዩ። ንብዘይሕጊ ዝወጹ ጥራይ‘ውን ኣይኮኑን ዘፈርሙ ዘለዉ፤ ክሳብ ንብሕጊ ዝወጹ‘ውን የፈርሞ‘ዮም እቲ ቊጽሪ ክበዝሓሎም። ስለዚ ንጠንቂ ስደትና ዝኾነ ስርዓት ተቢዕና ንቃለሶ ይብል መንእሰይ ክብሮም።

23.02.2017 Frankfurt Meeting

4 -ቀጺሉ ኣብ ኩነታት ስደተኛታት ክዛረብ እንከሎ‘ውን፥ ኣብዚ ዘሎናዮ ግዜ ኤውሮጳውያን ብብዝሒ ስደተኛታት ዓቕሎም ስለ ዝጸበቦም፡ ንስደተኛታት ዝመልከት ሓድሽ ሕግታት እናኣውጽኡን እናኣትረሩዎን እዮም ዝኸዱ ዘለዉ፤ ኣብ ጀርመን ንገለ ዜጋታት ናይ ካልእ ሃገራት ኣብ ሃገሮም ጸገም ከም ዘሎ እናፈለጡ ይጥርዝዎም ኣለዉ፥ ከምኡ‘ውን ምስ መንግስቲ ኤርትራ ብምስምማዕ መፍትሒ ከናድዩ ይረኣዩ ኣለዉ፤ ኣብ ስዊትዘርላንድ‘ውን ብደረጃ ቤት ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝግበር ዘሎ ተጽዕኖ ንርእዮ ኣሎና፤ እስራኤል‘ውን ብወገና ንገለ ኣፍሪቃውያን ሃገራት ገንዘብ እናሃበት ንኤርትራውያን ስደተኛታት መጒሓፊ ትጥቀመለን ኣላ፤ ስለዚ መሰረታዊ ፍታሕ ካብ ካልኦት ከይተጸበኻ ምቅላስ ጥራሕ‘ዩ ይብል።

5 -ኣብ መወዳእታ ዘረብኡ‘ውን፡ ዓንዲ ገዛና ሓድነትናዩ ይብል። ኣብዚ ኣርእስቲ‘ዚ ናይ ብዙሓት ሃገራት ከም ኣብ ኡክረይን ዝተገበረ ህዝባዊ ናዕቢ ይኹን ካልእ ኣብነታት እናጠቐ፡ ህዝቢ እንተ ሓቢሩ ዝዓግቶ ከም ዘየለ ኣስፊሑ ገሊጹ። ህዝቢ ንገበነኛታት ሒዙ ኣብ ፍርዲ ዘቕርበሉ ግዜ‘ውን ክመጽእ‘ዩ ብምባል ድማ ኣገዳስነት ሓድነት ወሳኒ ምዃኑ ገሊጹ።

ኣብ መደምደምታ‘ውን ብዙሓት መንእሰያት ንዝሓለፈ ገዲፍና ንዝመጽእ ፍርሂ ኣወጊድና ብትብዓት ንቃለስ ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም። ዓበይቲ ኣቦታት‘ውን ብወገኖም ንሕልናን ነቃልሶ እዚ ስርዓት‘ዚ ብ1991 ናይ ውድባት ሓሸውየ የለን ምስ በለ ተቐቢጹ‘ዩ፡ ካብ ባዕዳውያን ገዛእትና ዝገደደ ስርዓት‘ዩ ዘሎና፥ ከምቲ ሽምዓ ንርእሳ መኺኻ ንገዛ ተብርህ፡ ነፍሶም ሰዊኦም ንኣና ከብርሁ ዝሓለፉ እታ ብርሃን ኣብ ጸልማት ተቐይራ ኣላ፥ ስለዚ ምስ በሰላኹም ኢኹም መጺእኩም ዘለኹም ሓላፍነትኩም ምኻኑ ፈሊጥኩም ተቓለሱ ዝብል ምዕዶታት ለጊሶም።

በዚ ድማ ኣኼባ ሰዓት 4፡30 ብዝክረሰማእታት ተደምዲሙ።

  

Last modified on Tuesday, 28 February 2017 22:18