ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን ህብትየስ መሓመድ፡ ብ14 ለካቲት 2017 ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩና ኣሎ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ንስውእ ገዲም ተጋዳላይ ዑስማን መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራኡን ስድራ ሓዉ ዓብደልቓድር ህብትየስ፡ ኣባል ማእከላይ ባይቶ ሰዲህኤን ካልኦት ቤሰ-ሰብን ድማ እግዚኣብሄር ጽንዓት ይሃቦምን ጠሉን ራሕሱን የውርደሎምን እናበለ ናይ ወሪድዎም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።
መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ