Print this page

መግለጺ መሪር ሓዘን

2017-02-12 21:14:54 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2415 times
Rate this item
(0 votes)

ተጋዳላይ ዓብዱ ዑመር፡ ብዝነበሮ ሕዱር ሕማም ንነዊሕ እዋን ክሳቐ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብሰንበት ዕለት 12 ለካቲት 2017 ኣብ ከተማ ሙንስተር (ጀርመን) ተሰዊኡ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ዓብዱ ዑመር መንግስተ-ሰማይ፡ ንስድራቤቱን ኵሎም መቃልስቱን ድማ፡ እግዚኣብሄር ጽንዓቱ ይሃቦም፡ ጠሉን ራሕሱን ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ሓዘኖም ተኻፋሊ ምዃኑ ይገልጽ።

 

ስውእ ተጋዳላይ ዓብዱ ዑመር ብ1975 ዓ.ም ኢዩ ናብ ተሓኤ ተሰሊፉ። ድሕሪ ተሓኤ ናብ መሬት ሱዳን ምእታዋ ድማ ኣባል ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኰይኑ ተቓሊሱ። ተጋዳላይ ዓብዱ ኣቦ ሰለስተ ቆልዑ ኢዩ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም

ኣቦ መንበር ሰዲህኤ

Last modified on Sunday, 12 February 2017 22:18