ኣብቲ ናብ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ጀርመንን ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ዝለኣኾ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምክትል ቻንስለርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርነት ሓላፍነት ሒዞም ዘለዉ ዚግማር ገብሪልን ንኣቶ ማርቲን ሽሉዝ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ናይ 2017 ናይ ቻንስለር ምርጫ ሕጹይ ማደሰ ኮይኖም ቀሪቦም ንዘለዉን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ ልባዊ ዓወት ተመንዩ።
ሰዲህኤ ኣብዚ ብ10 ለካቲት 2017 ዝሰደዶ መልእኽቲ ናብቶም ሓድሽ ጀርመናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ብኣኦም ኣቢሉ ድማ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን፣ ንጉዳይ ኤርትራ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብርሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጸገማት ክፍታሕ ክሕግዙ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።
ምስዚ ኣተሓሒዙ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ንኣቶሽሉዝ ሰናይ ትምኒቱ ጠቒሱ ብዙሓት ኤርትራ ዝመበቆሎም ጀርመናውያን መሓዙት ማሰደ ከምቲ ልሙድ ምስ ኣቶሽሉዝ ክስለፉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።
ከምኡ እውን እቲ መዘክር ክልቲኦም ኣቶዚግማ ገብሪኤልን ክቡር ማርቲን ሽሉዝን ነቶም ኣቐዲሞም ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ማሰደ ዝተለእኩ ብዙሓት መዘክራት ከቕልብሎምን ኣብቶም ጉዳያት ንለውጢ ይቃለሱ ንዘለዉ ኤርትራውያን ደሞክራሳውያን ሓይልታት ዘሕይሉ ስጉምታት ክወስዱን ኣዘኻኺሩ።