Print this page

ሰዲህኤ ናብ ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ጀርመንን ሕጹይ ቻንስለርን መልእኽቲ ምሕዝነት ሰዲዱ

2017-02-12 18:44:15 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2812 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብቲ ናብ ምኒስትሪ ወጻኢ ጉዳይ ጀርመንን  ማሕበራዊ ደሞክራሲያዊ ሰልፍን ዝለኣኾ ናይ ምሕዝነት መልእኽቲ፡ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንምክትል ቻንስለርን ናይ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተርነት ሓላፍነት ሒዞም ዘለዉ ግማር ልን ንኣቶ ማርቲን ሽሉዝ ናይ ቅድም ፕረሲደንት ፓርላማ ሕብረት ኤውሮጳን ኣብ ናይ 2017 ናይ ቻንስለር ምርጫ  ሕጹይ ማደሰ ኮይኖም ቀሪቦም ንዘለዉን ኣብ ዝለኣኾ መልእኽቲ  ልባዊ ዓወት ተመንዩ።

 

ህኤ ኣብዚ ብ10 ለካቲት 2017 ዝሰደዶ መልእኽቲ ናብቶም ሓድሽ ጀርመናዊ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ፡ ብኣኦም ኣቢሉ ድማ ናብ ፈደራላዊ መንግስቲ ጀርመን ንጉዳይ ኤርትራ ግቡእ ኣቓልቦ ክገብርሉን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ኣሻቓሊ ፖለቲካውን ሰብኣውን ጸገማት ክፍታሕ ክሕግዙ ምሕጽንታኡ ኣቕሪቡ።

 

ምስዚ ኣተሓሒዙ ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ነቲ ኣጋጣሚ ተጠቒሙ፡ ንኣቶሽሉዝ ሰናይ ትምኒቱ ጠቒሱ ብዙሓት ኤርትራ ዝመበቆሎም ጀርመናውያን መሓዙት ማሰደ  ከምቲ ልሙድ  ምስ ኣቶሽሉዝ  ክስለፉ ዘለዎ ተስፋ ገሊጹ።

 

ከምኡ እውን እቲ መዘክር ክልቲኦም ኣቶዚግማ ገብሪኤልን ክቡር ማርቲን ሽሉዝን ነቶም ኣቐዲሞም ናብ  ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትሪን ማእከላይ ቤት ጽሕፈት ማሰደ ዝተለእኩ ብዙሓት መዘክራት ከቕልብሎምን ኣብቶም ጉዳያት  ንለውጢ ይለሱ ንዘለዉ ኤርትራውያን ደሞክራሳውያን ሓይልታት ዘሕይሉ ስጉምታት ክወስዱን ኣዘኻኺሩ።  

Last modified on Sunday, 12 February 2017 19:52