Print this page

ሰዲህኤ፡ ንሕብረት ኣፍሪቃ ብዛዕባ ግደታኡ ኣብ ሰብኣዊ መሰል ኤርትራ ዳግማይ ኣዘኻኺሩ

2017-02-06 07:52:10 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3632 times
Rate this item
(0 votes)

ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰህኤ) ሕብረት ኣፍሪቃ (ሕኣ) ብዛዕባ ትጽቢት ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት  ኣብ ኤርትራ ብኣኡ ክውሰድ ዝግበኦ  ምርመራን ምጽራይን ብዛዕባ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰልን ሜላዊ ገበንን ዝሕተቱን ላዕለዎት ሓለፍቲ ህግደፍ ናብ ሕጊ ምቕራብን፡ ኣዘኻኺሩ።

 

ኣብቲ ብ3 ለካቲት 2017 ብኣቶ መንግስተኣብ ኣስመሮም ኣቦመንበር ሰልፊ ሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ  ናብ ሓድሽ ኣቦመንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡  ዝተላእከ መዘክር፡ ኣቦመንበር ሰደህኤ ብምምራጽ እቶም ሓድሽ ኮሚሽነር ዝተሰምዖ ሓጐስ ገሊጹ። እቲ መዘክር ኣተሓሒዙ፡ ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ዘሎ ኩነታት ንሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ዘሕፍር ምዃኑ ጠቒሱ።

 

ኣብዚ ብቕዳሕ  ናብ ግዝያዊ ኣቦመንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ኣልፋ ኮንደ መራሒ ጊኒያ፡ ናብ ምክትሎም ጋናዊ፡ ካለኦት 8 ኮሚሽነራትን ኩሎም ኣብ መበል 28 ኣኼባ ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሳተፉ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃን፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ደሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰደህኤ) ዝተላእከ መዘክር፡ ነቲ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራት ብ2016 ንኩነታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኤርትራ ብዝምልከት ዝወሰኖ፡  ነቶም ኣብቲ ብ483 ገጻት ዝተመዘበ ጸብጻብ፡ ኣብ ኤርትራ ሜላዊ ሰብኣዊ ገበን ዝፈጸሙ እሞ ናብ ፍርዲ ክቐርቡ ዝግበኦም ዝምልከት ሰፊሩ ዘሎ ውሳነት ክግደሰሉ ኣዘኻኺሩ።  ብመሰረት እዚ ብሰደህኤ ዝቐረበ መዘክር፡ ኣብ ኤርትራ ድሕሪ 26 ዓመታት ናጽነት፡ ቅዋም፡ ምኽባር ዝኾነ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰል፡   ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምእካብ፡ ምምላኽ፡ ብሰላም ናይ ምንባር፡ ውሕስነት ህይወት፡ ካብ ቦታ ናብ ቦታ ምንቅስቓስ፡  ብሕታዊ ዋንነት ምጥራ፡ ብቑዕ ትምህርቲ ምርካ፡ ዝኽፈሎ ስራሕን ስርዓተ ጡረታን የለን።

 

መበል 28 ኣኼባ መራሕቲ ሃገራትን መንግስታትን ኣፍሪቃ፡ “ነዚ ብኣሰፋፍራ ዝተፈጥረ ፍልልይ፡ ብወፍሪ ኣብ መንእሰያት ነቀራርቦ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጭረሖ ብ30 ጥሪ 2017 እዩ ተጀሚሩ። እዚ ኣኼባ ብዛዕባ ምርግጋጽ ሰላምን ምርግጋእን ኣብዛ ክፍለ ዓለም መጸዋዕታ ኣቕሪቡ። ኣብዚ ኣኼባ፡ ሓድሽ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣቶ ኣንቶኒዮ ጉተርስን ኣቶ ማሕሙድ ዓባስ ፕረሲደንት ምምሕዳር ፍልጥኤን ዝርከብዎም ብዙሓት ላዕለዎት ዕዱማት  ተሳቲፎም ።

Last modified on Monday, 06 February 2017 09:01