Print this page

ሓለፍቲ ህግደፍ ድንኳናት ይጉርጉሩ

2017-02-04 10:24:48 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 3271 times
Rate this item
(0 votes)

ብስርዓት ህግደፍ ወግዓዊ ፈቓድ ንግዲ ዝተዋህቦም ኤርትራውያን ግዳይ ተደራራቢ ግብሪ ይኾኑ ከምዘለዉ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ሓበሬታ ኣቃሊዑ። በቲ ካብ ኤርትራ ዝተረኽበ ንኩነታት ንግዲ ዝምልከት ሓበሬታ መሰረት፡ ነጋዶ ካብ ሱዳን ይኹን ካብ ኢትዮጵያ ዝተረኽበ ንህዝቢ ዘድሊ መሰረታዊ ነገራት ናብ ኤርትራ ከእትዉ እንከለዉ ኣብ ከም በዓል ተሰነይ ዝኣመሰሉ ናይ ዶብ ከተማታት ቀረጽ ይኸፍሉ እሞ ቅብሊት ይወሃቦም እዩ። ኣብ ማእከል ኤርትራ ምስ ኣተዉ ድማ ዋላ ዝኸፈልሉ ቅብሊት እንተርኣዩ ዳግማይ ቀረጽ ክኸፍሉ ይግደዱ ምህላዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ዝሓዝዎ ንብረት ከም ዝራሰን እዞም ምንጭታት ይጠቕሱ።

ብዘይካዚ ኣብ ምኽፋል ዘይፍትሓዊ ግብርን ቀረጽን ዝተዋፈሩ ናይቲ መንግስቲ ኣካላት ኣብ ፈቐዶ ድንኳናት እንዳዞሩ „እዚ ንብረት ካበይ ኣምጺእኩምዎ?“ እንዳበሉ ንዋናታት ከም ዘዋጥርዎምን ቀረጽ ክኸፍሉ ከም ዘገድድዎምን እንተዘይከፊሎም ድማ ንብረቶም ከም ዝውሰድን እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።

ብኻልእ ወገን ድማ ብሰንኪ ወጻዒ ሕግታትን ምምሕዳርን ስርዓት ህግደፍ ዘማረሩን ኩሉ መዳያት ዘጸገሞምን እሞ ናብ ውሕስነት ዘየብሉ ስደት ክኸዱ ዘይመረጹን ኤርትራውያን መንእሰያት፡ ኣብ ፈቐዶ ገዳማትን ስቱር ቦታትን ክሕብኡ ይግደዱ ምህላዎም  ካብ ኤርትራ ዝተላእከ ሓበሬታ የረድእ።

Last modified on Saturday, 04 February 2017 11:30