Print this page

መግለጺ መሪር ሓዘን

2017-02-01 21:01:39 Written by  EPDP Chairman Published in EPDP News Read 2398 times
Rate this item
(2 votes)

ስውእ ኢንጂኔር ተስፋሁነይ ተኽለ ተስፋማርያብ16 ጥሪ 2017 ልክዕ ሰዓት 6፡30 ናይ ምሸት ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ’ዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ መንግስተ ሰማይ የዋርሶ፡ ንስድራኡ፡ ቤተ-ሰቡን መቓልስቱን ድማ ጽንዓት ይሃቦም፡ ጠሉ ድማ የውርደሎም እናበለ ናይ ወሪድኩም ዘሎ መሪር ሓዘን ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

ሓጺር ታሪኽ ስውእ ኢንጂነር ተስፋሁነት ተኽለ ተስፋማርያም

ስውእ ተስፋሁነይ፡ ካብ ኣቦኡ ተኽለ ተስፋማርያም ሃብተጋብር፡ ካብ ኣዲኡ ሰማእቱ ጓንጕል ሓጐስ ብ20 መጋቢት 1943፡ ኣብ ዓዲ ዓጓ፡ ኣውራጃ ሰራየ ተወሊዱ። ኣብ ቤት ትምህርቲ ሳንጆርጆ (መንደፈራ)፡ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለስላሰ ካልኣይ ደረጃ ቤት ትምህርቲ (ኣስመራ)፡ ኣብ ትካል ተለኮሚኒከሽን (ኣዲስ ኣበባ) ድማ ተማሂሩ።

ስውእ ተስፋሁነይ ተኽለ ፡ ካብ ካልኣይ መፋርቕ ናይ ስሳታት ኣትሒዙ፡ ኣብ ውሽጢ ከተማታት  ኤርትራን ኢትዮጵያን ብፍላይ ድማ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዝነበረ ምስጢራዊ ስርርዓትን ስርሒታትን ተሓኤ ብተወፋይነት እተቓለሰን  ብ1967 ኣብ ማእሰርቲ ኢትዮጵያ ኣትዩ ብዙሕ ስቅያት ዘሕለፈን ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ። ካብ 1975 ክሳብ 1981 ኣብ ተሓኤ ተሰሊፉ፡ ኣብ ክፍሊ ፍርድን ወኪል ቀይሕ መስቀልን ወርሕን ኤርትራ ኰይኑ ድማ ኣብ ፖርትሱዳን ተመዲቡ ተቓሊሱ።

ተሓኤ ካብ ሜዳ ምስ ወጸት፡ ንኣመሪካ ተሰዲዱ።  ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ትምህርቱ ኣብ ዝተፈላለዩ ኮለጃት ከተማ ቺካጎ ቀጺሉ። ካብ ትካል ተክኖሎጂ ናይ ኢሊኖይ (Illinois Institute of Technology (IIT) ኣብ ናይ ኤለክትሪክን ኮምፕዩተር ኢንጅነሪንግ ብናይ ባችሎር ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ 1990 ካብ ቺካጎ ናብ ክሊቭላንድ ብምቕያር፡ ብማስተርስ ዲግሪ ተመሪቑ። ኣብ ናይ ኣመሪካ ናይ ጠፈር ምርምር ትካል (National Aeronautics and Space Administration/ NASA) ን24 ዓመታት ሰሪሑ። 

Last modified on Thursday, 02 February 2017 14:06