Print this page

ንሓድሽ ዓመት፤ ብሓድሽ መንፈስ ናይ ቃልሲ

2017-01-23 20:10:42 Written by  ሽማግለ ጨንፈር Published in EPDP News Read 2432 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ ፍራንክፎርትን ከባቢኣን ዝርከብ ጨንፈር ሰዲህኤ ንሓድሽ ዓመት ብሓዱሽ ናይ ቃልሲ መንፈስን ናህርን ንምግጣም ብዕለት 22.01.2017 ስሩዕ ወርሓዊ ኣኼባኡ ጀሚሩ። ኣኼባ ሰዓት 13፡00 ዝጀመረ ምምሕዳራዊ ጉዳያት ድሕሪ ምፍጻሙ፣ ኣቦ-መንበር ጨንፈር ብጻይ ታደሰ ኣስመላሽ  ንዝኽሪ ናይቶም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ዕለት 14.01.2017  ኣብ ባሕሪ ዝጠሓሉ ስደተኛታት ንገለ ደቓይቕ ደውታ ክፍጸም ምሕባሩ እዩ ተኸፊቱ።

ቀጺሉ፡  ሽማግለ ጨንፈር፡ እዚ ኣኼባ‘ዚ ዓመተ 2016 ተወዲኡ ናይ ዓመተ 2017 ናይ መጀመርያ ኣኼባ ብምዃኑ፡ ተኣትዩ ዘሎ ዓመት፡ ዓመተ ራህዋን ዓወትን ክንቅይሮ ኣበርቲዕና ክንቃለስ ከም ዘሎና ድሕሪ ምግላጽ፥ ኣብ ዓመተ 2016 ብህግደፍ እናከፍአ ክኸይድ ዝጸንሐ ፍጻሜታትን፡ ብኣንጻሩ ድማ ብደንበ ተቓውሞ  ይኹን ብህዝብና ብጠቕላላ ዝተፈጸሙ  ጸረ ስርዓት ህግደፍ  ዝኾኑ ናይ ተቓውሞ ንጥፈታትን ስፍሕ ዝበለ መግለጺ ተዋሂቡ።

ስዒቡ፣  ኣብቲ ቀንዲ ንኣተሃላልዋ መንእሰያት ዝምልከት መዛረቢ ዛዕባን  ኣብዚ ኣቲናዮ ዘለና ሓድሽ ዓመት 2017 ክቃለሱሉ ዘለዎም ጉዳያትን ብምእታው፤ ሰፊሕ ምይይጥ ተኻይዱ። እዚ ኣርእስቲ‘ዚ ከም ናይ ልዝብ ነጥቢ ኣብዝተላዕለሉ እዋን፡ ብዙሓት ካብ ተሳተፍቲ ኣኼባ ነዚ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተረኽበ ናይ ማእከላይ ባሕሪ ጥፍኣት ስደተኛታት፡ ቀንዲ ተሓታቲ ስርዓት ህግደፍ ምዃኑን፤ ንሕና ኣባላት ደምበ ተቃውሞ ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ መንእሰያት ኣብ‘ዚ ግዜ‘ዚ ካብ‘ዚ ኩሉ ዘጋጥም ዘሎ ሓደጋታት ወጺእና ኣብ ውሑስ ቦታ በጺሕና፡ ንዝተኣስሩን ዝጠፍኡን መንእሰያት ኣሓትናን ኣሕዋትናን መታዓብይትናን ከይረሳዕና፡ ኣፍ ክንኮኖም ይግበኣና ዝብል ርእይቶታት  እዮም  ሂቦም። ወለድና  ዘጽንሕዎ ቃልሲ ብምቕጻልን ብምትካእን  ከኣ፡  ኣብ ኤርትራ ሕግን ሰላምን ተረጋጊጹ መሰል ኩሉ ዜጋ ዝሕለወሉ ስርዓተ መንግስቲ ክሳብ ዝረጋገጽ ብትሪ ክንቃለስ ኢና ዝብል መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ነዚ ንምዕዋት ድማ፡ ንሕና ንህግደፍ ብኣተሓሳስባ ክንስዕሮ ምእንቲ፡ ዝማዕበለን ዝነቕሐን መንእሰይ ክህልዉና ስለዝግባእ፤ ክንምሃርን ክንፈልጥን እዩ ዘለና። ካድራትና‘ውን ንመንእሰያትና ብፖለቲካ ከዕጥቕዎም ብርቱዕ ተወፋይነትን ጻዕርን ይሓቶም ኣሎ።  ብቀንዱ ግን፡ ንሕና መንእሰያት ኣብ ዓዲ ትምህርትን ዓዲ ምዕብልናን ስለ ዘሎና፣ ነፍስና ኣብ ምምዕባል  እምበር፡ ግዜና ኣብ ከንቱ ከይነሕልፍ ክንጥንቀቕ የድልየና። ነቶም ኣብ ደምበ ህግደፍ ከይዶም ኩሉ‘ቲ ህግደፍ ዝጠልቦ እናኣማልኡ ተወሳኺ ሓይሊ ዝኮኑዎ ዘለዉ መንእሰያት እውን ከይተነጻጸግና ከነረድኦምን ብትሪ ክንምክቶም እዩ ዘለና። ኣብ ዓመተ 2017 ሓድሽ ሜላ ናይ ቃልስን  ምጥርናፍን  ውደባን ከነርኢ ኣሎና ብዝብል መንፈስ  ናይ ቃልሲ ድልውነቶምን ጽንዓቶም  ገሊጾም። በዚ ከኣ፡  ኣኼባ ብዝኽሪ ሰማእታት ተዓጽዩ።

Last modified on Monday, 23 January 2017 21:24