Print this page

ደሞክራስያዊ ዓወት ህዝቢ ጋምብያ።

2017-01-23 08:56:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2134 times
Rate this item
(0 votes)

ሓርነት ኦርግ ድሕርቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ዓወት ደሞክራስያዊ ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ብ1 ታሕሳስ 2016 ኣመልኪቱ ነቲ ብሰላም ተኻይዱ ውጽኢቱ ድማ: ዝነበረ ፕረሲደንት ጋምብያ ተቐቢለዮ ምባሉን: ንህዝቢ ኣፍሪቃ ኣየር ደሞክራሲ ዘተንበሀ ፍጻመ ምንባሩን ኣብ ዓምድታቱ ኣስፊርዎ ነይሩ። ጸኒሑ ግን ዝነበረ ፕረሲደንት ስልጣነይ ኣየረክብን ኢሉ ሓንጊዱ ምጽንሑን ኣበይ ከም ዝውድእን ነቲ ምዕባለ ኣብ ምጽንታው ዝጸንሐ ዓለምን ህዝቢ ጋምብያን: ብሓይልታት ደገፍቲ ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ብፍላይ ሰነጋል ውረድ ወይ ድማ ብሓይሊ ከነልግሰካ ኢና ዝብል ናይ ሕቡራት ሃገራት ቡራኬ ዝተሓወሶ ስምዕታ: ያሕያ ጃሚህ ከዕጠጢ ድሕሪ ምጽናሕ ነታ ሃገር ገዲፉ ክወጽእ ተቐሲቡስ እቲ ዝሰዓረ ፕረሲደንት ኣዳማ ባረው ክትክኦ ኣብ ምድላው ኣሎ። ኣብዚ ዝጸንሐ ደሞክራስያዊ ምውጣጥ ናይ ስላጣን ሰራዊት ጋምብያ ንውጽኢት ብዝሒ ድምጺ ህዝቢ ጋምብያ ደጊፉ ድው ምባሉ ንኻልኦት ሰብ ጹረራ ትምህርትዩ።

ህዝቢ ጋምብያ 1,849,285 ሚልዮን ኮይኑ: ጋምብያ ብመጠን ስፍሓታ; ጻዕቂ ህዝቢ ዘለዋ ሃገርያ። ወግዓዊ ቋንቋ ህዝቢ ጋምብያ እንግሊዝዩ። መብዛሕትኡ ህዝቢ ጋምብያ ግን ቦታዊ ቋንቁኡዩ ዘዘውትር። ካብ ዓሰርተ ጋምብያውያን ትሽዓተ ሃይማኖት ምስልምናዮም ዝኽተሉ ኢዮም። ጋምብያ ረፓብልኪካዊት ሃገር ኮይና ብመሰረት ቁዋም’ታ ሃገር ደሞክራስን ብዝሐ ሰልፍታትንያ ክትመሓደር ዝግባእ። ይኹን እምበር ብግብርስ ኣብዚ ዝሓልፈ 22 ዓመት ብሓያል ምልካዊ ፕረሲደንት ያሕያ ጃሚህ ኢያ ክትደሃኽ ጸኒሓ። ብ1994 ብዕልዋ (ኩደታ) ኣብ ስልጣን ዝደየበ ጃሚህ ኣብቲ ግዜ 29 ዓመት ነይርዎ። ብገለ ክፋል ናይቲ ህዝቢ ደገፍ እኳ ይንበሮ እምበር ቀንዲ ንምልኩ ዝሓገዘ ረቛሕስ ዝተባታተነ ተቛውሞ ካብ ቀንዲዩ ነይሩ። በዚ ዝሰኸረ ጃሚህ ኣምላኽ እንትፈቒዱስ ንሚልያርድ ዓመታት ክመርሕየ ይብል ነይሩዩ።

ዕብዳን ስልጣን ዝዓዘሮ ያሕያ ጃሚህ ኣብ ሓደ ታሕሳስ ዝተኻየደ ውጽኢት ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ኣይቅበልን ብምባል ሓንጊዱ ጸኒሑ: ኣብቲ ምርጫ ኣዳማ ባረው ዝመርሖ ወገን ብ 45.5 ክዕወት ከሎ: ጃሚህ 36.7 ብምምጻእ ተሳዒሩ ኢዩ። እንተኾነ ዕውር ስስዐ ስልጣንን ብልሽው ዘይዓግብ ሸውሃቱን ካብ ምልኪ ብቐሊሉ ከገላግሎ ኣይከኣለን። ኣይወርድን ብምባል ክሕንግድ ፈቲኑ።

ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪቃ ብፍላይ ሰንጋል ግን ምስ ውጽኢት ምርጫ ህዝቢ ጋምብያ ደው ብምባል: እንተዘወሪድካ ሓይሊ ክንጥቀም ኢና ዝብል መልእኽቶም ነታ ሕብእቲ ፍርሒ ምልካውነት ያሕያ ፊሒራ ምስ ኣውጸአት: ሕራይ ክብል ተቐሲቡስ ሃገር ገዲፉ ወጺኡ። ኣብ ውሽጢ ናይ 22 ዓመት ምልካውነቱ ንብረት ህዝቢ ጋምብያ ክዘርፍ ዝጸንሐ ጃሚህ: መላእ ዝዘረፎ ንብረት ዛጊት ኣይተፈልጠን ዘሎ። ካብታ ሃገር ክወጽእ ከሎ ግን ዓሰርተ ናተይ ዝብለን መካይን ክማላእ ሓቲቱ ተቐባልነት ኣይረኸበን። ህዝቢ ጋምብያ ኸኣ ምልካዊ ያሕያ ካብታ ሃገር ለቒቑ ክወጽእን ብዝረኸቦ ደሞክራስያዊ ድምጹ ክዛነን ጀሚሩ ኣሎ።

Last modified on Monday, 23 January 2017 09:59