ብዕለት 07-12-2016 ዓ.ም.ፈ. ብሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብናዝተዳለወ ሌላ ባህሊ ኤርትራን ቅኑዕ ታሪኻን፡ ኤርትራና ቅድሚ ትማሊ ፡ ትማሊ፡ ሎሚ፡ዝሓቆፈ ሰነዳዊ መግለጺ ብተሳታፍነት ኣገደስቲ ማሕበራት ሽወደንን ሓያሎ ኤርትራውያንን ምዉቅ ምሽት ካብ ሰዓት 18.00 ክሳብ 20.00 ተካይዱ።
እዚ ኣገዳሲ ምስዮት እዚ ብዋና ጸሓፍቲ ሽ.ኤ.ም.ባ.ማ. መንእሰይ ፎዚያ ዑመር ብናይ እንቋዕ ድሓን መጻእኩም ከፊታ ንኣቦወንበር ማሕበር ኣቶ ቶማስ ማግንሶን ኣመሓላለፈቶ። ኣቦ ወንበር ሓጺር ሓበሬታ ናይ ኣመሰራርታን ውህደታዊ ዕላማ ማሕበር ገሊጹ።
ቀጺሉ ሓው ጸሃየ ቀለታ ብስእልታት ዝተሰነየ ካብ ትርጉም ሃገረ ኤርትራ ጀሚሩ፡ ጽማቅ ታሪኻዊ ጉዕዞ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራን፡ ህልዊ ኣሰካፊ ሃለዋት ኤርትራን ህዝባን ሓቢሩ። ምስኡ ከኣ እቲ ዘይምኖ ምዕሩግ ኤርትራዊ ባህላዊ ክዳን ዝለበሱ ሰብኡትን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ መድረኽ ብምቕራቦም ዓቢ መሳጢ ኣድናቆት ንተሳተፍቲ ሃበ።
እዚ ሓያል ስሙር ኤርትራዊ ህዝቢ ክርስትያንን ኣስላምን ማለት ደቂ ከበሳ፡ ቆላ ወይ መታሕት ዘሎዎ ዉሁድ ግሩም ባህሊ ኣመስከረ። ቀጺሎም ዕዱምት ኣጋይሽ፡ ናይ ኣበኤፍ፡ ናይ ኣህጉራዊ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ከተማ ዮተቦርግ፡ ማሕበር ሰላም ሽወደን በብተራ ሓጸርቲ ሰላምታ ኣቕረቡ።
ስዒቡ እቲ ተፈታዊ ባህላዊ መግቢ ዝግኒ፡ ኣልጫ፡ ባምያ፡ መሎኽያ፡ ሩዝ ፡ ሰላጣን ሙዑዝ ጣዕሚ ሙሉእ ተሳታፋይ ብደስታ ኣስተማቂሮም ብሕድሕድ ምልላይን ዕላላትን ከኣ እታ ሰላማዊት ምዕርግቲ ምሸት ተዛዘመት።
ሽወደናዊ ኤርትራዊ ምሕዝነት ባህላዊ ማሕበር ኤርትራ ኣብ ልብና