Print this page

መግለጺ መሪር ሓዘን

2016-11-23 20:28:37 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2572 times
Rate this item
(0 votes)

ገዲምን ዘይሕለልን ተጋዳላይ ኣሕመድ እስማዒል ኣሕመዲን (ኣሕመድ ሶይራ) ብቐዳም 19 ሕዳር 2016 ኣብ ካርቱም ብዝነበሮ ሕዱር ሕማም ምስዋኡ ምስማዕና ከቢድ ስንባደን ሓዘንን ኢዩ ፈጢሩልና።

ስውእ ሓርበኛ ኣሕመድ ሶይራ ካብ ሓምሳታት ናይ ዝሓለፈ ክፍለዘመን ኣትሒዙ፡ ምእንቲ ሃገራዊ ናጽነት እተቓለሰ ገዲም ተጋዳላይ ኢዩ። ኣብ’ቲ ብ1958 እተመስረተ ምንቅስቓስ ሓርነት ኤርትራ (ማሕበር ሸውዓተ) ተባሂሉ ዝፍለጥ ውድብ ብምስላፍ ኢዩ ንቓልሱ ፈሊምዎ። ብድሕሪኡ ድማ፡ ኣባል ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ኰይኑ፡ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ጠቕላላ ማሕበር ሰራሕተኛታት ኤርትራ ኣገልጊሉ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ፡ ኣባል ኤርትራዊ ተበግሶ (ኣልሙባደራ) ኰይኑ ተቓሊሱ።

ተጋዳላይ ኣሕመድ ሶይራ፡ ናይ ውድብ ወሰናስን ዘይሓጽሮ፡ ምስ ዝሰማምዕዎን ዝፈላለይዎን ሰባት፡ ክመያየጥ ዘይደክም፡ ዓቃል፡ ተጻዋራይ፡ ብሱል ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ። ዝምድናኡ ምስ ኤርትራውያን ጥራሕ ዘይኰነስ፡ ምስ ሱዳናውያን እውን ኣዝዩ ሰፊሕን ዓሚቝን ኢዩ ነይሩ። ብፍላይ ድማ፡ ኣባላት ኮሚኒስት ፓርቲ ሱዳን ብዙሕ ዘኽብርዎ ተጋዳላይ ኢዩ ነይሩ።

እቲ ቀንዲ መለለዪኡ ዝዀነ ጠባይ ግን ንዝኣምነሉ ዕላማን መትከላትን ኣሕሊፉ ዘይህብ፡ መሬት ዝጸበበት ትጽበብ ካብ መርገጻቱ ሰንደልደል ዘይብል ቅኑዕ ተቓላሳይ ኢዩ ነይሩ። ስለ’ዚ ኢዩ እውን ነዚ ኵሉ ጽንኩር መድረኻት መዓንጣኡ ሸጥ ኣቢሉ ክሳብ እዛ ካብ ዓለም እተፈልየላ ዕለት ብጽንዓት ተቓሊሱ። ፍቕሪ ሃገርን ህዝብን እምበር ካልእ ዘሸንፎ ነገር ኣይተረኽበን።

በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡ ንስውእ ኣሕመድ ሶይራ፡ መንግስተ-ሰማይ የዋርሶ፤ ንቤተሰቡን ንህዝቢ ኤርትራን ድማ ጽንዓት ይሃብኩም እናበለ ናይ  መሪር ሓዘኖም ተኻፋላይ ምዃኑ ይገልጽ።

መንግስተኣብ ኣስመሮም
ኣቦ መንበር ሰዲህኤ
23 ሕዳር 2016

Last modified on Saturday, 26 November 2016 17:21