ዕዉት ናይ ኣባላት ሰሚናር ብጨንፈር ኖርወይ

2015-07-01 17:46:57 Written by  ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ Published in EPDP News Read 2495 times

ጽባሕ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፣ 21 ሰኔ 2015 ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ጨንፈር ኖርወይ ኣብ ከተማ ኦስሎ ዕዉት ናይ ኣባላቱ ሰሚናር ኣካይዱ። ናይቲ ሰሚናር ናይ ምሉእ መዓልቲ መዛረቢ ኣጀንዳታት ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይትን አትርከበሉ ኩነታትን ዝብልን፣ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ውጺኢቱን ዝብልን ነበረ። ኣባል ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነ መንእሰይ ኢሰያስ ሓጎስ አውን ጎድኒ ንጎድኒ ናይቲ ሰሚናር ንተሳተፊቲ ኣኼባ ንህሉውን ሕሉፍን ኩነታት ገድሊ ኤርትራን ውጺኢቱን ዝገልጽ ስአላዊ ምርኢት ኣርኢዩ።

NorwaySeminar 1

ኣብቲ ናይ ሓደ ምሉእ መዓልቲ ሰሚናር ኣቦ መንበር ጨንፈር ብጻይ ዳዊት ኣርኣያ ነቲ ሰሚናር ብዝኽረ ሰማዕታት ድሕሪ ምኽፋት ንካብ ርሑቅን ቀረባን ተንቀሳቂሶም ተሳተፍቲ ናይቲ ሰሚናር ንዝኾኑ ኣባላት ሰልፊ ናይ አንቋዕ ብደሓን መጻኩም ምዉቅ ሰላምታ ኣቅሪቡ። ንሱ ሰልፊ ብዘይሕለል ተወፋይነት ነፍሲ ወከፍ ኣባሉ ንቅድሚት ይግስግስ ከምዘሎ ድሕሪ ምግላጽ፣ ነቶም ንምዕዋት 2ይ ጉባኤ ሰልፊ ዓቅሞም ዘይበቀቁ ብፍላይ ድማ ሓተቲ ዕቁባ ኮይኖም ኣብ ተጸባይነት አንዳነበሩ ካብ ዘይብሎም ዝርካቦም ዝለገሱ ኣባላት ብልቡ ሞጒሱ።

ስዒቡ ብኣቦ መንበር ሻማገለ ዞባ ኤውሮጳ ብጻይ ብርሃነ ገብረክርስቶ ዝተጻሕፈ ናይ ዮሃናን ስናይ ድለትን መልእክቲ ብዋና ጸሓፊ ጨንፈር ምስ ተነበ፣ መድረኽ ካብ ስዊድን ተንቀሳቂሰን ተኻፋልቲ ናይቲ ሰሚናር ንዝኾና ምዑታት ካድራት ብጾት ኣልጋነሽ ኢሳቅን፣ ወኪል ደቂ ኣንስትዮዯ ኣብ ዞባ ኤውሮጳ ንዝኾነት ብጸይቲ ገርጊሽ ነጋሽን ተዋሂቡ።

NorwaySeminar 4

ፈላሚት መደረ ዝኾነት ብጸይቲ ኣልጋአሽ ኢሳቅ መድረኽ ተረኪባ ወጽዓ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መላእ ዓለም ብሓፈሻ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይሪ ድማ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ስፊሕ መብሪሂ ሂባ። ቀጺላ ብጸይቲ ኣልጋነሽ ንመኸተ ወጽዓ ደቂ ኣንስትዮን፣ ታሪኻዊ ኣመዓባብላኡን፣ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ዘጋጠመ ኩላፋታትን፣ ንዝተመዝገበ ዓወታትን ብደረጃ ዓለም በቢመድረኹ ገሊጻ። ነቲ ሰፊሕ መደረኣ ብጸይቲ ኣልጋነጽ፣ ኣብዚ ዝማዕበለ ክፍል ዓለምና ተበጺሑ ዘሎ ማዕርነትን ምሕላው መሰል ጓል ኣንስተይትን ውጺእት ሓደ ኰንካ ምስራሕን ንመሰልካ ምቅላስን ከምዝኾነ ኣረዲኣ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮውን ንወጽዓና ኣብ ክንዲ ኣሜን ኢልና ምቅባልን፣ ብሸልልትነት ምርኣይን፣ ሓቢርናን ሓደ ኰናን አንተንሰርሕ መፍትሕን ልውጢን መምጻእና አንክትብል ተላብያ። ንሳ ኣብ መደረኣ ኣበርክቶ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ምፍታሕ ሃገራውን ከባብያውን ጸገማት ቀሊልን ሓጺርን ከምዘይኮነ ንምሕባር፣ ባኣስን ዘይምቅዳውን ዝመልኦ ታርኽ ኣርባዕተ ኣስመራን፣ ኣደታት ኣርባዕተ ኣስመራ ዝተጻውታሉ ግደን ብምጥቃስ ሕጅውን ኤርትራውያን ኣደታት ንወጽዓአን ንምምካት ኮነ ኣብ ምፍታሕ ሃገራዊ ሽግራት ኣጃመን ከዐዝዛ ጸዊዓ።

ወኪል ቤት ጽሕፈት ደቂ ኣንስትዮ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ ዝኾነት ብጸይቲ ገርጎሽ ነጋሽ ብወገና መድረኽ ተረኪባ፣ ኣብ ታሪኽ ምዕባለ ወዲ ሰብ ደቂ ኣንስትዮ ከቢድ ወጽዓን መህሰይትን ዝወረደን ኣኳ አንተኾነ፣ ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ግን ፍሉይን መዳርግቲ ኣልቦን ምዃኑ ኣብሪሃ። ፍሉይነት ወጽዓ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ንምብራህ በጸይቲ ገርጊሽ ኣብ መደረኣ ነቲ ኩሉ ኣብ ሊዕሊ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ካብ ገዝአን ኣትሒዙ ክሳብ ኣብ ሰሃራታትን ኣብ ዝተፈላለየ ጉዕዞ ስደተንን ንዝበጽሐን ዘሎ ይትረፍስ ንኽትቅበሎ ንኽትስምዖውን ቃንዛ ዝፈጥረልካ ሽግራት በቢሓደ ዘርዚራ። ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ከም ሰብን ጓል ኣንስተይትን አትወጸዓሉን አትግፈዓሉን ኩነታት ጥራሕ ዘይኩነስ ከም አንስሳ ኣብ ዕዳጋታት ወሪደን እንተስ ክፋል ሂወተን አንተስ ምሉእ ህይወተን ኣብ ዝሽየጣሉ ኩነታት በጺሕና ከምዘሎና ኣረዲኣ። ብጸይቲ ገርጊሽ ኣብ መዛዘሚ መደረኣ ነዚ ኩነታት አዚ ንምምካት ብሓፈሻ ኩሉ ኤርትራዊ ማሕበረሰብ ሓቢሩ ክቃለስ ከምዘለዎ ብፍላይ ግን ኩለን ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ንፖለቲካዊ ፍልልያተን ንጎድኒ ገዲፈን ንመሰሰላተን ሰሚረን ክሰርሓ ጸዊዓ። ብተወሳኺ ብጸይቲ ገርጊሽ ነዚ ኩነታትዚ ግቡእ ኣቃልቦ ዝሃበን ክፋል ቃልሱ ዝገበረን ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፣ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ተጠርኒፈንን ተወዲበንን ንኽሰርሓ ዝኽእል ክሳብ ፈጻሚት ኣካል ቦታ ዘለዎ ባይታ ፈጢሩ ከምዘሎ ሓቢራ። ኣባላት ናይዚ ሰልፊዚ ዝኾና ደቂ ኣንስትዮ ድማ ንምዕዋት መደባት ሰልፍን ቤት ጽሕፈት ምትእስሳር ደቂ ኣንስትዮን ተቢዐን ይሰርሓ ከምዘለዋን ጋና ክሰርሓን ከምዝኾናን ሓቢራ።

NorwaySeminar 3 1

ምሉእ ህይወቱ ተጋደላይን ናይ ሰልፊ ልሉይ ካድርን ዝኾነ ብጻይ ሹማይ በርሀ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ንተረድኦን ኣተሓሳስባን ሰማዕቱ ኣብ ማዕርነትን መሰላትን ደቂ ኣስትዮ ዘበረኸ ሰፊሕ ኣስተምህሮ ለጊሱ። ብጻይ ሹማይ ኣብ መደረኡ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ፖለቲካዊ ስልጣን ክንደይ ምኒስተራት ክንደይ ኣመሓደርትን፣ ክንደይ ሰብ መዝን ወከልትን ከም ዘለዋ ብምቁጻር ዝልካዕ ኣምር ከምዘይኮነ፣ ኣብ ክንድኡ፣ ማዕርነት ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ኣተሓሳስባ ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ብሓፈሻ ኣብ ኣተሓሳስባ ነፍሲ ወከፍ ውልቀሰብ ድማ ብፍላይ ክሳብ ክንደይ ሰሪጹ ከምዘሎ ብምርኣይ ዝልካዕ ምዃኑ ኣብሪሁ። ሹማይ ኣብ ኤርትራዊ ሃዋህው ኣድሂቡ ነዚ ነገርዚ አንከብርህ፣ ኣብ ኤርትራ ንነጻነትን ማዕርነትን ጓል ኣንስተይቲ ንምርግጋጽ ብዙሕን ነዊሕን ቃልሲ ዋላ አንተተኻየደን ንፖለቲካዊ መኽሰባት ተባሂሉ ኣብ ማዕርነታዊ ቃልሲ ዓወታት ተጨቢጡ አውን እንተ ተባህለን፣ ሓሰትን ኣብ ባይታ ዘይተረጋገጸን አዩ ኢሉ። ካልእስ ይትረፍ ይብል ንሱ፣ ካልእስ ይትረፍ ሓንቲ ኤርትራዊት ኣደ ብበዓልቤታ መዓልታዊ ግፍዕን በደልን መህረምትን አንዳተቀበለት፣ አንተ ሃረማ፣ አንተ ጸረፋ አንተ ኣጋፍዓ ፍትያ ዘይኮነስ ከይፈተወት ንኹሉ ተጸዊራ ክትከይድ አትመርጸሉ፣ እቲ ብዝምድና ኮነ ብጉርብትና ኣብ ክላ ዝርከብ ክፋል ሕብረተሰብ አውን ነቲ አንዳተወጸዕትን አንዳተበደለትን ኣብ ሓዳር ናይ ምቅጻል ምርጫኣ ዝድግፍን ናብኡ ዝሽምግልን አምበር ነቲ ገፋዒን ብዳልን ዝኾነ በዓል ቤታ ክእረም ዝገንሕን፣ ኣብ አንዳሕግን ፍትሕን ከይዳ ብዛዕባ በደላን መሰላን ክትዛረብን ክትከራኸርን ዘፍቅድ፣ ወይውን ካብቲ ሓዳር ወጺኣ ነጻነትን ቅሳነትን ሰላምን ዘለዎ ናብራ ክትመርሕ ዘፍቅድን ዘተባብዕን ከምዘይኮነ ኣዘኻኺሩ። በዚ ኣገባብ ዳርጋ ኣብ ኩሉ ገጽ ዓለምናውን አንተኾነ ኣብ ጽሑፍ ዝሰፈረን ብኣጋንኖ ዝተኣወጀን መሰልን ማዕርነት አንተዘይኮይኑ ብግብሪ ኣብ ባይታ ዝተተግበረ ምሉእ ነጻነት ደቂ ኣንስትዮ ከም ዘየለ ብምሕባር፣ አንተ ኣብ ሃገርና ግን ስርዓት ኢሰያስ ንምድንጋር ኢሉ ዘቆሞ ሃገራዊ ማሕበር ደቂ ኣንስትዮን፣ ክሳብ ናይ ሚኒስትሪ ስልጣን ዝሃበን ንምግያጺ ስልጣኑን መንግስቱን ዝጥቀመለን ቁንጣሮ መገልገልትን አንተዘይኮይኑ ማዕርነትን መሰል ጓል ኣንስተይቲ ብምሉእ ኮነ ብኸፊል ተሓልዩ ኢልካ ክዝረብ ዘይከኣል ምዃኑ ኣብሪሁ። ኣብ መወዳአታ ገዲምን በሃርን ካድር ብጻይ ሹማይ በርሀ ነዚ ኩነታትዚ ፍታሕ ንምርካብ እጃም ነፍሲ ወከፍ ዜጋ እኳ አንተኾነ፣ ቀንድን ወሳንን ግን ተበግሶን ስጉምትን ናይ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊት ጓል ኣንስተይቲ ምዃኑ ኣስሚርሉ። ነፍሲ ወከፍ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ነፍሳ ተዛሪባ ማዕረ መሰል ዘለዋ ነጻ ፍጥረት ምዃና ከተእምን እሞ ብኡ መሰረት ምስ ከምኣ ዝኣመሰሉ ተወዲባ ብትብዓት ክትቃለስን ክትምክትን ከምዘለዋ ድማ ጸዊዑን ተላቢዩን።

 

ድሕሪ ኣስተምህሮ ሰልስቲኦም ካድራት፣ መድረኽ ሕቶን መልስን ሪኢቶን ለበዋን ኣብ ዝተዋህበ ኣስተምህሮ ተኸፊቱ። ንዝተወሰነ ግዜ ድማ ሃብታምን ኣሃብታምን ዝኾነ ናይ አንካን ሃባን ሃዋህው ወረሰ። ዝተፈላለዩ ኣባላት ሰልፊ ዝኾኑ ተሳተፍቲ ንውጽዓ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ምስ ወጽዓ ሓንቲ ስድራቤት ብምልእታ ከዛምድዎ ኣንከለዉ፣ ገሊኦም ድማ ወጽዓ ኤርትራውያን ደቂ ኣንስትዮ ማለት ወጽዓ ሊዕሊ 50% ህዝቢ ኤርትራ ማለት አዩ ብምባል ብሻላ ክረአ ዘይብሉ ጉዳይ ሃገር ምዃኑ ገሊጾም።

NorwaySeminar 4 1

ድሕሪ ናይ 30 ደቃይቕ ዕርፍቲ ኣኼበኛታት ናብ ገድሊ ህዝቢ ኤርትራን ውጺኢቱን ኣብ ዝብል ናይቲ ዕለት ካልኣይ ኣጀንዳ ሰጊሮም። ኣብዚ ዛዕባዚ ብጻይ ማሕደር ዕቁባዝጊ፣ ሰለስተ ክፋላት ዝሓዘ ንጹር መልእኽቲ ዘለዎ መደረ ኣቅሪቡ።ኣብ ቀዳማይ ክፋል መደረኡ ብጻይ ማሕደር ስለምንታይ ህዝቢ ኤርትራ ቅድሚን ድሕርን ናጽነት ቃልሲ ከካይድ ተገዲዱ ብዝብል ብናይ ሕቶ መልክዕ ብምጅማር፣ ሎሚ ኮነ ተማሊ አቲ ቀንዲ ምኽንያት ጠለብ ምምቅራሕ ፖለቲካዊ ስልጣን ዘይኮነስ ግህሰት መሰረታዊ መሰል ህዝቢ ኤርትራ አዩ ክብል ሰፊሕ መግለጺ ሂቡ። ኣብ ካልኣይ ክፋል መደረኡ ብጻይ ማሕደር ዝተጋህሰ መሰልካ ንምምላስ ኣብ ዝግበር ሃገራዊ ቃልሲ ነፍሲ ወከፍ ተቃላሳይ ከማልኦ ዘለዎ ረቋሒታት እንታይ አንታይ ምዃኑ ኣብሪሁ። ብመሰረት ትንታኔ ብጻይ ማሕደር ኣብ ቃልሲ ድሌት ውልቀሰባት ካብቲ ቀንዲ ረቋሒታት አዩ። ብዘይ ድሌትን ዕግበትን ዝተስለፈ ተቃላሳይ ከምዘየድምዕን ኣብ ክበጽሖ ዝግበኦ ሽቶ ሽለልትነት ከምዘርእን ገሊጹ። ብዘይካዚ ኣብ መስርሕ ቃልሲ ንቅሓትን ቅንዕናን አውን ኣገደስቲ ረቋሒታት ናይ ተቃለሳይ ከምዝኾነ ዝሓበረ ብጻይ ማሕደር፣ ንቅሓት ዝጎደሎ ተቃላሳይ መሳርሒ ናይ መራሕቱ ካብ ምዃን ከምልጥ ከምዘይክእል፣ ቅንዕና ዝጎደሎ ተቃለሳይ ድማ ንዓገብ ዓገብ አንዳበለ ንቅኑዕ ድማ ቅኑዕ አንዳበለ ንኩነታት ኣብ አዋኑ ክቆጻጸር ኣይበቅዕን ኢሉ። ምስዚ ኣተኣሳሲሩ ማሕደር አዚ ኹሉ ተቃሊስና ለውጢ ክነምጽእ ዘይምኽኣልናን አዚ ሕጂ ሰፊኑ ንኹሉ ህዝቢ ኤርትራ ዘሳቂ ዘሎ ኩነታትን ኣብ ክንዲ ኣብቲ ዝቅልቀለሉ አዋን ብሓድነት አንምክቶም ናባይ ካብዘይ በጽሐን ንዓይ ካብ ዘይተንከፈንን ዝዓይነቱ ሸለልትነት ዝመልኦ ኣካይዳና ቀንዲ ምኽንያት አዩ ክብል ዘርዚሩ። ኣብ መወዳአታ ሕጅውን አንተኾነ ኣብ ኩነታት ሃገር ከምኡ ዓይነት ሸለልትነት ከይድገም ተላብዩ።

ሰሚናር ከምቲ ልሙድ ብዝኽረ ሰማዕታት ተዓጽዩ።

ክብርን ሞገስን ንስዉኣትናን ስንኩላትናን!

ዓወት ንዲሞክራስያዊ ቃልሲ!

ወኪል ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ ኣብ ኖርወይ

Last modified on Wednesday, 01 July 2015 20:15