ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ጊሰን

2015-07-01 07:30:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP News Read 2805 times

ኣብ ጊሰን ካብ ዕለት 3-5.07.2015 ህግደፍ ምስ ሰዓብቱ ኮይኑ ፈስቲቫል ክገብር ይሸባሸብ ኣሎ። ብጠቕላልኡ ኣብ ጀርመን ፈስቲቫል ምግባሩ ዘገርም እኳ እንተዀነ ብፍላይ ኣብ ጊሰን ምኻኑ ከኣ ብጣዕሚ ዘስደምም እዩ። መኽንያቱ ከኣ ጊሰን እዚ ኹሉ ኤርትራዊ ካብዚ መወዳእታ ዘይብሉ ወተሃደራዊ ኣገልጎሎትን ካልእ መከራን ሃዲሙ ምድረበዳታትን ባሕርን ብኽንደይ ሽግር ሰጊሩ ኣብ ጀርመን ኢዱ ዝህበላ መጽለሊት ከተማ ስለዝኾነት።

ኤርትራ ሃገርና ኣብ ክትገልጾ ዘጸግም ሽግር ተሸሚማ ምህላዋ ሎሚ ዓለም ዝምስክሮ ዘሎ ሓቂ ኢዩ። ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን መሰል ናይ ወድሰብ የልቦን። መንእሰይ ኤርትራ መጻኢ ዕድሉ ተዓጽዩ፡ ኣብ ፈቐዶ ድፋዓት ከርተት ኣብ ምባል ይርከብ ኣሎ። ኤርትራ ሓንቲ ሕገ መንግስቲ ይኹን ዝኾነ ናይ ምርጫ መሰል ዘይብላ ሃገር እያ። ኣብ ሃገርና ነጻ ጋዘጣ  ክህሉስ ይትረፍ፡ ጋዘጠኛታት ዝኾነ በደል ዘይብሎም ተእሲሮም ኣበይ ከምዘለዉ ኣይፍለጥን። ክንደይ ንሃገሮም ዝተቃለሱ ሓለፍትን ተራ ህዝብን ኣብ ዘይፍለጥ ጎዳጉዲ ተኣሲርም ይርከቡ።

ሃገርና ኣብ ዝኸፍኤ ናይ ቁጠባን ማሕበራውን ቅልውላው ጥሒላ፡ መነባብሮ ህዝብና ክትኣምኖ ኣብ ዘጸግም ኩነታት ኣትዩ  ይርከብ። ኣብ ኣስመራ ይኹን ካልኦት ከተማታት እቲ መባእታዊ ንተቐማጢ ከተማ ዘድሊ መብራህትን ማይን መጸ ከደ ክብል ይውዕል ኣሎ። ናይ ጥዕና  ኣገልግሎት ኣሎ ክትብሎ ፈጺሙ ዘይትኽለሉ ደርጃ በጺሑ፡ ትሕዝቶ ዘለዎ ንሱዳን ከይዱ ይሕከም ኣሎ።

ኮሚሽን ናይ መጽናዕቲ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ “ገበን ኣብ ልዕሊ ደቂሰባት“ ብማለት ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቦም፡ እንሆ ዓለም ብምልኡ ንተግባራት ስርዓት ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ምኹናን ይርከብ ኣሎ።  ናይ ጀርመን ፓርላመንት ብሙሉኦም ነቲ ኣብ ኤርትራ ዝግበር ዘሎ ሰብኣዊ ግህሰት ኮኒኖሞ።
እቶም ንሃገርናን ህዝብናን ኣብዚ ዓዘቕቲ'ዚ ሸሚሞማ፡ ኤርትራዊ መንእሰይ ዝፈትዋ ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ዝገብሩን  ምስ ሰዓብቶም ኮይኖም  ፈስቲቫል ክገብሩ ትም ኢልና ክንርኢ ኣይግባእን። ነቶም ብዘይ ፍላጥ ናብዚ ፈስቲቫል ክኸዱ ዝሓስቡ ጌጋ ምኻኑ ክንሕብሮም፡ ብፍላይ ንሓድሽ ስደትኛ ናብኡ ምኻድ ሳዕቤን ከምዘለዎ ከነፍልጦን፣ ነቶም ኮነ ኢሎም ዝኸዱ ከኣ ክትትል ጌርና ሳዕቤናቱ ተሰከምቲ ክንገብሮምን ሓላፍነትና ኢዩ። ፓርላማ ናይ ጊሰን ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ መንግስታዊ ኣደራሻት ጊሰን ፈስቲቫል ንኸይገብር ውሳኔ ምሕላፎም ንደለይቲ ለውጢ ዓቢ ደገፍ ኢዩ።

ስለዚ ንቀዳም ዕለት 4.7.2015 ሰላማዊ ሰላፊ ኣብ ጊሰን ክንገብር መዲብና ኣለና። ንራኸበሉ ቦታ፡ ኣብ ራትሃውስ (Rathaus) ሰዓት ሓደ ናይ ቀትሪ እዩ ። ካብኡ ተበጊስና ናብቲ መቀበሊ ስደተኛታት ብእግርና ክንጋዓዝ ኢና።

Demonstration am 4.7.2015 in Gießen, 13.00 Uhr Rathaus Gießen (Berliner Platz 1
35390 Gießen). Anschließend Marsch zur Erstaufnahmeeinrichtung an der Rödgener Str./Eingang US-Depot.
ኩሉኹም ብዘይ ዝኾነ ፍርሒ ክትሳተፉ ንዕድም። ብሓደ ኰይና እንተተቓዊምና እዩ ኣብ ዓድና ቀልጢፉ ለውጢን ሰላምን ክመጽእ ዝኽእል።

ኣዳላዊት ሽማግለ ሰለማዊ ሰልፊ
ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንደሞክራስያዊ ለውጢ
ስምረት መንእሰያት ኤርትራውያን ንድሕነት ሃገር
ዩናይትድ ፎር ኤርትረያ
ቡንደነስ 90 ዲ ግሩነን

Last modified on Wednesday, 01 July 2015 09:33