መልሱ ዝደንጎየ፡ ሕቶ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ
2024-11-04 22:00:21 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 607 timesኣብ ዝተወሰነ መድረኽ ብፍላይ ኣብ ጽባሕ ናጽነት፡ “ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ናጻ ሃገሩ እንታይ ይጽበ ነይሩ?” ዝብል ሕቶ ኣዛራቢ ነይሩን ኣሎን። ነዚ ሕቶዚ ካብ ዘንቀሉ መሰረታዊ ምኽንያታት ሓደ፡ ባህርን ተንኮለኛ ኣካይዳን መሪሕነት ህግሓኤ ዘይምርዳእ ሓደ መንቀሊ ነይሩ። ኣብ ባህሪ ናይቲ ህግደፍ ዝተጠምቐ ጉጅለ ጥርጠራ ዝሓደሮም ኤርትራዊ ኣካላት እውን ከሎ ጋና “ኣካይዳና ቅኑዕ የለን፡ ስለዚ ከይሳዕረረ ብዓንተቦ ዝግበር ንግበር” ዝበልሉ እዋን ነይሩ እዩ። ኣብ ልዕሊ’ዚ ከምቲ “ናበይ ከም እትኸይድ ከይጠፍኣካ ዝሓለፍካዮ ኣይትረስዕ” ዝበሃል፡ ብዘሓለፈ ዓመጸኛ ተግባራት መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣሰኪፍዎም፡ ተወዲቦም ንዘጠንቀቑ ወገናት ዘይምልከት ክስን ጸለመን ይቐርቦም ነይሩ። ቅድም “5ይ መስርዕ” ደሓር ከኣ “ወያነ” ዝብሉ ቃላት በቲ ጉጀል ንጸለመ ዝተመርጹ ኣብዘይመዓላኦም ዝውዓሉ ናይ ቅንጸላ ቅጽላት ነይሮም።
ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ቀደሙ፡ ምትካል ሕገመንግስታዊ ስርዓት፡ ምኽባር ኩሉምዳያዊ መሰላት፡ ብህዝቢ ብዝተመርጸ መሪሕነትን ረብሓ ህዝቢ ብዘማእክሉ ሕግታት ዝግዛእ ምምሕዳር ምርካብን ዝኣመሰሉን ነይሮም። ሓቀኛ ትርጉም ሰላምን ልምዓትን ምውሓስ’ውን ብሃንቀውታ ዝተጸበዮ ነይሩ ሎሚ’ውን ኣሎ። ነዚ ኩሉ ብዝሓቁፍ ንምግላጹ እቲ ሕቶ “ናይ ዝተማለአ ዲሞክራሲ ባህጊ” እዩ ነይሩ። ህግደፍ ነዚ ከም ቁርን ኣስሓይታን ዘፍርሖን ዕድመ ምልኩ ዘሕጽርን ጠለብ ንዘይምምላስ ክሳብ ሎሚ ዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ይጥቀም ከም ዘሎ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ ክሳብ ሎሚ እውን መልክዓቱ ደኣ ይቀያየር እምበር፡ ሕቶ ህዝቢ ንዘይምምላስ ካብቲ መደናገሪ መንገዱ ኣይወጸን። “ሕቶ ዲሞክራሲ ኣብ ኤርትራ ግዜኡ ዝሓለወ ጥለብ ኣይኮነን” ዝብል ከኣ፡ ካብቲ መህደሚ ብሂላት ሓደ ነይሩ ክሳብ ሎሚ ድማ ይቕጽል ኣሎ። ህዝቢ ነዚ ሕቶዚ ከቕርብ ዝምጥን ደረጃ ንቕሓትን ግንዛበን የብሉን ክበሃል’ውን ይስማዕ እዩ።
ናይቲ ጉጅለ ሸፈጥ ንምድማቕ፡ ኤርትራዊ ቅድሚ ናብ ዲሞክራሲ ምምጥጣሩ ክምለስሉ ዝግበኦም ካለኦት ጠለባት ኣለዉዎ ዝብሉ ናይቲ ጉጅለ ኣሳሰይቲ ኣይተሳእኑን። ህግደፍ ቅድሚ ምትእትታው ስርዓት ዲሞክራሲ፡ ካለኦት ሕቶታት ንክመስል ቃል ክኣቱን ደሓር ናብቲ ሓቀኛ ባህሪኡ ተመሊሱ ከደናግር ኢና ክንዕዘቦ ጸኒሕና። ናይ 1997 ሕገመንስቲ ምጽዳቑን ተገልቢጡ “ከይተተግበረ ዝሞተ ሰነድ እዩ” ኢሉ ምሕጫጩ ብመጽርዚ ዝረአ ኣሽካዕላል እዩ። እቲ ካልእ መዳህለሊኡ ከኣ ብዘይቅቡል ምኽንያት ውግእ ይኸፍት እሞ፡ ብኣኡ ኣሳቢቡ ናይ ልኡላውነት ስግኣት ከም ዝተፈጥረ ኣምሲሉ፡ “ኣብ ምሕላው ሃገር እምበር ኣብ ምምላስ ሕቶ ዲሞክራሲ ኣይኮናን ዘለና” እናበለ ብምጉብዕባዕ ካብ ምምላስ ሕቶ ህዝቢ መህደሚ መንገዲ ይፈጥር። “ሃገር ኣብ እገዳ እያ ዘላ” ንዝብል ጉልባብ ክንደይ ዓመታት ከም ዝሓሸሸሉ ከኣ ኩሉ ዝዝክሮ እዩ። እዚ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ወደኽደኽ ምስ ካይሮን መቃድሾን እውን ናይቲ ዘይምኽኑይ ህድማኡ መቐጸልታ እዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ሕቶ ዲሞክራስን ኩለ-መዳያዊ መሰላትን ከልዕል ኣብ ዝኽእለሉ ደረጃ ኣይኮነን ዘሎ ዝብል ምንእኣስ ከኣ፡ ካልእ ገጽ ናይቲ ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ወሳኒ ግደ ህዝቢ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሓደ እዋን ሒዝዎ ዝነበረ ስልጡን ኣንፈት ተመንዚዑ ንድሕሪት ዝተመልሰ ህዝቢ እዩ። ኣብ 40ታት ምእንቲ ዲሞክራስያዊ መሰል ሓሳብካ ምግላጽ፡ ብመልክዕ ፖለቲካዊ ማሕበራትን ሰልፍታትን ምውዳብ፡ ትርጉም ሕገመንግስትን ምርጫን፡ ብሰላማዊ ኣገባብ ምቅዋምን ተኸኣኢልካ ፍልልያትካ ምሕብሓብን ኮታ ብዛዕባ ኣምር ዲሞክራሲ መባእታዊ ግንዘባ ዝነበሮ ምዃኑ ከም በዓል ዘውደ ረታ ዝኣመሰሉ ዘይኤርትራውያን ደርስቲ ከይተረፉ ዝምስክርዎ’ዩ። ካብ 1946 ጀሚረን መጻኢ ዕድል ህዝብን ሃገርን ክውስና በብግዜኡ ዝተመስረታ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ኤርትራ ምንባረን ድማ ናይዚ መረጋገጺ እየን።
ንከምዚ ዝኣመሰለ ሃብታም ድሕረ-ባይታ ዘለዎ ህዝቢ “ብዛዕባ ዘይርደኦ ኣምር ዲሞክራሲ እዩ ዝሓትት ዘሎ” ኢልካ ከተነኣእሶ ምፍታን፡ ካብ ብደዐ ሓሊፉ ካልእ መልእኽቲ የብሉን። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ ዋላ’ኳ ውጽኢት መግዛእቲ እንተኾነ፡ ኤርትራዊ ኣብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም ምስ ዘመናዊ ኣንፈት ዲሞክራሲያዊ ምምሕዳርን ንዕኡ ዝምጥን ቁጠባዊ ምዕባለን ካብ ዝተላለዩ ህዝብታት ሓደ ምንባሩ ዝተመስከረሉ እዩ። ነቲ ዲሞክራስያዊ ተረድኦን ቁጠባዊ ዕቤትን ናይቲ ህዝቢ ዝጸልዋ ዝነበራ ፋብሪካታት ሎሚ ኣሰረን ከምዘየሎ ኣቶ ኢሳያስ ባዕሉ ደጋጊሙ ሓታታይ ኮይኑ ክቐርብ ወትሩ ምስማዕ ዝስማዕ እዩ። እተኾነ መተካእተአን ዘምጸኦ የለን። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ናይ ዲሞክራስን ዘመናዊ ቁጠባዊ ኣምርን ሓድሽ ተመሃራይ ዘይኮነ፡ ቅድም ብሰንኪ መግዛእቲ ሎሚ ድማ ብህግደፍ “ዝነበሮ ስኢኑ ንድሕሪት ዝተመልሰ” እዩ።
ኣብዚ እዋን’ዚ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ መዳያት ፖለቲካ፡ ቁጠባን ምምሕዳርን፡ ሱር ዝሰደዱ ጸገማት ኣለዉዎ። እዞም ጸገማት ንክፍትሕሉ ከኣ ናይ ወትሩ ምሕጽንታኡ እዩ። እቲ ነዚ ዘለናሉ እዋን ዘይምጥን በቲ ጉጅለ ንሸፈጥ ዝቐርብ ዕባራ ምኽያት ከኣ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ምስምስ ኣጐልቢብካዮ ምህዳም እዩ። በቲ ካልእ ወገን፡ ምትእትታው ዲሞክራሲ ነዞም ዘይተመለሱ ሕቶታት ዝምልስ መሰረታዊ መሳርሒ ምዃኑ ምኽሓድ እዩ። እዚ ሸፈጥ ህዝቢ ኤርትራ ሕቶኡ ብቃልሱ ዝምልሶ እምበር፡ ብህግደፍ ዝትኮበሉ ከምዘይኮነ መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ። ህግደፍን ጨቋኒ ምምሕዳሩን ተወጊዶም፡ ህዝቢ ኤርትራን ባህግታቱን ማእከሉ ዝገበረ ዲሞክራሲያዊ ስርዓት እንተዘይተመስሪቱ፡ ኣብ ህላወ እቲ ጉጅለ ዝፍትሑ ኣይኮኑን። ስለዚ “እዋኑ ኣይኮነን” ብዝብል ብዛዕባ ዲሞክራሲ ኣይለዓል ምባል፡ ትርጉሙ ህግደፍ ምስ ኩሉ’ቲ ኣበሳኡ “ይንበረልና ጥራይ” ካብ ምዃን ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን።
ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ዝቃለሰሉ ዘሎ ሕቶ ዲሞክራሲ፡ ኣብ ዘይግዜኡ ዝመጸ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጀለ መልሲ ዝደንጎዮ እዩ ክበሃል ዝግበኦ። እንተኾነ መሰረታዊ ስለ ዝኾነ፡ ግዜኡ ሓሊፉ እዩ’ሞ ነዋድቆ ኢልካ ዝጓሰ ዘይኮነ፡ ክሳብ ዘተኣማምን መልሲ ዝረክብ ብቃልሲ ክድፈኣሉ ዝግበኦ እዩ። ቃልሲ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ናይ ግድን ክሳብ ዓወት ቀጻሊ ክኸውን ዘገድዶ ከኣ ንሱ እዩ።