ስለምንታይ ቀጻሊ ሃቐነ፡ ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ?
2024-10-08 20:58:06 Written by ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 311 timesኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ብፍላይ ድማ እቶም ስልጣን ዝሕዙ፡ ብዛዕባ ጉዳዮም ክዛረቡ እንከለዉ ኤርትራን ፖለቲከኣን ክጠቕሱ ዝተለመደ እዩ። ኤርትራውያን እውን ምረት መግዛእትን ኣንጻሩ ዝተኻየደ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ዝተኸፍሎ ክቡር ዋጋን ክትርኹ እንከለዉ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ይጠቕሱ እዮም። ብኣንጻሩ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት መንግስታቶም ከይተረፈ፡ ጉዳይ ኤርትራ ዘልዕሉ ጌና ዘይተዓጽወ ፋይል ከም ዘለዎም ብምምሳል ልኡላውነታ ንድሕሪት ንምምላስ ዘለዎም ህርፋን ንምንጽብራቕ ዓሊሞም እዮም።
ኣብ ታሪኽ ኤርትራን ኢትዮጵያን ስርዓታት ሃጸይ ሃይለስላሴን ደርግን፡ ኣንጻር ነጻነት ኤርትራ ኩሉ ኣብ ግዜኦም ዝነበረ ዓቕምታት ኣሰሊፎም ብሓያላት ደገፍቶም እናተገሓዙ ተዋጊኦም። እንተኾነ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ ታሪኻዊ መሰረቱ ዝደልደለን ፍትሓውን ስለ ዝነበረ፡ ኣብ ኩሉ መዳያት ተሳዒሮም። መንግስቲ ኢህወደግ ዝመስረቱ ፖለቲካዊ ሓይልታት ብሓፈሻ፡ ብፍላይ ድማ ህወሓት፡ ቅድሚ ውድቀት ደርጊ ፍትሓዊ ሕቶ ናጽነት ኤርትራ ተቐቢሎም እዮም። ደሓር እውን ናጽነት ኤርትራ ተረጋጊጹ ልኡላውነታ ብመስርሕ ሪፈረንዶም ክጸንዕን ክድልድልን ከም ዝግበኦ ኣሚኖም ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ትግባረኡ ድማ ከም ዝተሓባበሩ ዝርሳዕ ኣይኮነን። እዚ ኣፍልጠኦምን ኣበርክተኦምን ከምቲ ገለ ወገናት ዝሓስብዎ፡ ንኤርትራ ዝተለገሰ ፍሉይ ግነዖት ዘይኮነ፡ ንክልቲኡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ሓድሽ ናይ ሰላም፡ ሰናይ ጉርበትናን ናይ ሓባር ዕቤትን ምዕራፍ ዝወስድ ንሱ ጥራይ ስለ ዝነበረ እዩ።
በቲ ካልእ ወገን ተሳዒሮም እንተዘይኮይኖም፡ ልኡላውነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ኣብ ናይ ታሪኽ “ነበረያ ነበረ ዝነብሩ” ኢትዮጵያዊ ሓይልታት ከም ዝነበሩን ከምዘለዉን ዝዝከር እዩ። ብመንጽርቲ ዝተሓልፈ መሪርን ነዊሕን ቃልስን ምትህልላኽን ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ስዕረቶም ዘይቅበሉ ኣካላት ከጋጥሙ እምብዛ ዘገርም ኣይኮነን። ኩሉ ሕጋዊ፡ ዲፕሎማስያውን ፖለቲካውን መስርሕ ሓሊፉ ንድሕሪት ከምዘይምለስ ዝተረጋገጸ ልኡላውነት ኤርትራ“ንድሕሪት ተመሊስካ ዝተዓጽወ ማዕጾ ምኩሕኳሕ” ናይ ጥዕና ኣይነበረን ሎሚ’ውን ኣይኮነን።
ሓደ ጉዳይ ስለ ዝግበኣካ እምበር፡ ስለ ዘድለየካ ክትውንኖ ኣይከኣልን’ዩ። እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ከይተረፈ ተደጋጊሙ ዝስማዕ፡ “ኢትዮጵያ ወደብ ስለ ዘድልያ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ክትውንን ይግበኣ” ዝብል ብሂል ብመንጽርዚ እዩ ዝረአ። “ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ኣፍደገ ባሕሪ ወኒና ወደብ ክህልዋ እንከሎ፡ ከመይ ኢላ እያ ልዕሊ ሚእቲ ሚልዮን ህዝቢ ዘለዋ ኢትዮጵያ ወደብ ኣልቦ ትኸውን?” ዝብል ምስ ጀኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ሃገራት ዝጻባእን ኣብ ስነ መጎት ዘይተመርኮሰን ስምዒት እውን ይንጸባረቕ እዩ። እቲ ዘገርም ከኣ ሰጥ-ለበጥ ኢሎም፡ ዝተሓትዎ ታሪፍ እናማልኡ ትሕቲ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ናይ ዘለዋ ጅቡቲ ወደብ እናተጠቐሙ ዘቕርብዎ ዘለዉ ነብረያ ነበረ ምዃኑ እዩ።
ብሕጋውን ዲፕሎማስያውን ኮነ ፖለቲካዊ መለክዒ ዘይምልከተካ ክትረክብ ምፍታን ናብ ትርጉም ሓይልን ምትፍናንን ካብ ምውሳድ ሓሊፉ ካልእ ክኸውን ኣይክእልን። ብግብሪ ሓሓሊፉ ብኢትዮጵያውያን ላዕለዎት ሓለፍቲ ንሰምዖን ንርእዮን ዘለና ምጉብዕባዕ’ውን ካብዚ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ናይዚ ኣተሓሳስባ ኣንፈት ብመሰረቱ ግጉይን ዓመጸኛን ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ ጉዕዞ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተፈቲኑስ ብዓወት ህዝቢ ኤርትራ ዝተደምደመ እዩ። በቲ ዘየዐወተካ መንገዲ ክትቅጽል ምድላይ ከኣ ካልእ ስዕረት ዝዕድም እዩ።
ጉዳይ ኣፍደገ ባሕሪ ክለዓል እንከሎ፡ ጐሊሖም ከብ ዝጥቀሱ ናይ ወደብ ተጠቃምነት ሕቶ እዩ። እዚ ብዝያዳ ንኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን (landlocked) ሃገራት ዘገድስ እዩ። ኣብዚ እዋን’ዚ ብደረጃ ዓለም 44 ሃገራት ኣፍደገ ባሕሪ የብለንን። ካብዚኣተን እተን 16 ካብ ኣፍሪቃ እየን። ካብተን 44 ሃገራት ብስፍሓት መሬት ዝዓበየት ካዛኪስታን ክትከውን እንከላ፡ ዝነኣሰት ድማ እታ ብከተማ ሮም ዝተኸበት ቫቲካን እያ። ኢትዮጵያ ድማ ብብዝሒ ህዝቢ ቅድሚት ትስራዕ።
ጸገም ኢትዮጵያ ከምቲ ናይ ካለኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት ኣቀማምጣኣ ተቐቢላ ብስምምዕ እምበር፡ ብሃተምተም ዝፍታሕ ኣይኮነን። እዚ ዛዕባዚ ብዓለም ደረጃ መፍትሒ ዝተቐመጠሉ እዩ። እቲ መፍትሒ ዝተፈላለየ መልክዕ ዝሕዝን ወደብ እትውንን ኣገልግሎት ወደብ እትደልን ሃገራት ሓቢረን ዝጥቀማሉ መንገዲ ምፍጣር እዩ። ናይታ ዋና ወደብ ዝኾነት ሃገር ፈቓደኛ ምዃን ከኣ ዘይስገር ቀይሕ መስመር እዩ። ከምዚ ዝኣምሰለ ስምምዕ እቶም መንግስታት እንተዘይዓንቂፈምዎ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን’ውን ዘይስረሓሉ ምኽንያት የለን። ነዚ ተሓሲምካ “ግድን ካብ ዝርዝር ኣፍደገ-ባሕሪ ዘየብለን ሃገራት እንተዘይወጻእኩ” ምባል ግና፡ ኪኖ ልኡላውነት ሃገር ምግሃስ ካልእ ትርጉም ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ ተመኩሮ ኢትዮጵያ መንግስታት ብውሽጣዊ ጸገም ሓድነቶም ሰንከልክል ኢሉ ክጭነቑ እንከለዉ ብጉልባብ “ሓድነት” ጉዳይ ቀይሕ ባሕሪ ኤርትራ ከም መተኣኻከቢ ክጥቀምሉ ዝፍትኑ ምዃኖም ዘተሓሳስብ እዩ።
ልኡላውነት ኤርትራ ንድሕሪት ከም ዘይምለስ ኣብ ድልዱል ቦታ ተሰሪቱ እዩ። እንተኾነ ተደጋጊሙ ኣጀንዳ ክኸውን እንከሎ፡ ኣጽቂጥካ ምዕዛብ፡ ነቲ ወስታታት ከም ምቕባል ንከይውሰድ ኣድላይነቱ እናረኣኻ ምልዓሉን ምትራሩን ኣገዳሲ እዩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ካብ ዝተመስረተሎም ኣዕኑድ ሓደ “ምዕቃብ ሓድነት ህዝብን ልዑላውነት መሬትን ባሕርን ሰማይን ኤርትራ” ዝብል ክኸውን ዝወሰነሉ ምኽንያት ነቲ ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው እዩ። እቶም “ስለምንታይ እዋናዊ ኣብ ዘይኮነ፡ ኣጀንዳ ልኡላውነት ንሃልኽ ኣለና?” ዝብሉ ወገናት ከኣ ነቲ ኩነታት ብመጽርዚ ክርድእዎ ይግበኦም በሃልቲ ኢና።
ኣብዚ ኣከይተጠቕሰ ዘይሕለፍ፡ እቲ ሓጥያት ንዘይቀበጹ ፖለቲከኛታትን መንግስትን ኢትዮጵያ ጥራይ ዝድርበይውን ኣይኮነን። ብወገን ኤርትራውያንከ ክሳብ ክንደይ ኢና ንከምዚ ዝኣመሰሉ ህሩፋት ዘተባብዕ ርኢቶታት ካብ ማሃብ ንጥቀቕ ዝብል ምርኣዩ ኣገዳሲ’ዩ። እቲ ንልኡላውነትና ዝጻባእ ሕቱኽቱኽ ገለ ኤርትራውያን ገዲፍካ፡ ውልቀ-መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡ ኣብ ኣዳራሻት ኢትዮጵያ ከይሓፈረ፡ ኤርትራውያን ንናጽነቶም ዝኸፈልዎ ታሪኽ ዘይርሰዖ መስዋእቲ ብምንዓቕ፡ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝሰኣኖ ተቐባልነትን ናእዳን ካብ ኢትዮጵያውያን ንምርካ ተጠሊዑ፡ ንመራሒ ኢትዮጵያ “ድሕሪ ሕጂ ንስኻ ኢኻ ትመርሓና ወኪለካ ኣለኹ፡ ኣነ ድማ ምሳኻ ኣለኹ” ዝበሎ ዋጋ ዘኽፍል ምዃኑ ኣይንረስዕ። ታሪኽ ብምቕይናን “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢብታት እዮም ዝብል ነቲ ሓቂ ዘይፈልጥ እዩ”፡ ዝበሎኸ ክሳብ ክንደይ ንጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ከም ዘተባብዕ ንስሕቶ ኣይመስለናን።
ስለዚ በቲ ሓደ ወገን ነቲ ተደጋጊሙ ብኢትዮጵያውያን ዝረአ ዘሎ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላውነትና ብትሪ እናተቓወምና፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ብፍላጥ ይኹን ብግርህነት ንዓኣቶም ዘዕንግል ግጉይ ኣካይዳ ኤርትራውያን ‘ውን ክንቃለሶ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕማም እዩ።