Print this page

ስደትን መሪር ሳዕቤናቱን

2023-01-19 08:43:45 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1658 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ስደት ኤርትራውያን ካብ 60ታት ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ ዘይዛረየ ዋሕዚ እዩ። ስደት ዝተፈላለዩ ጠንቅታት ዘለዉዎ ኮይኑ፡ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ከኣ ቅድም ተኸታታሊ ወጽዓ ባዕዳውያን ገዛእቲ ክኸውን እንከሎ፡ ድሒሩ ድማ ዘቤታዊ ጭቖናን ግፍዕን ህግደፍ እዩ። ስደት ኤርትራውያን ብሓፈሻ ናብ ጐረባብቲ ሃገራት፡ ብፍላይ ድማ ናብ ሱዳን እዩ ነይሩ። ሎሚ ግና “ኤርትራዊ ስደተኛ ዘይረገጻ ሃገር የለን” ክሳብ ዝበሃል፡ ኣብ መላእ ዓለማ ተበቲኑ  ኣሎ። ዝተፈላለዩ ግዱሳት ወገናት፡ ብዝሒ ኣብ ዓድን ስደትን ዘሎ ኤርትራዊ ማዕረ እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ ነቲ ኣብ ስደት ዘሎ ዘብዝሕዎ’ውን ኣለዉ።

ጠንቂ ስደት ኣብ ገዛእ ሃገርካ ዘየንብር፡ ፖለቲካዊ፡ ጸጥታውን ማሕበረ-ቁጠባውን ጸገም ከጋጥም እንከሎ እዩ። ስደት ግዝያዊ መዕገስን መድሓኒ ህይወትን እምበር፡ መሰረታዊ መፍትሒ ናይቲ ጸገም ከምዘይኮነ ዝተረጋገጸ እዩ። ጠንቅታት ስደት ንምውጋድን መሰረታዊ መፍትሒ ንምርካብን ኣብ ዝግበር ቃልሲ፡ ናይቶም ግዳያት ስደት ብጽሒት ዓብይ ግምት ዝወሃቦ እዩ። ኤርትራውያን ስደተኛታት ከካብ ዝነበርዎ ኩርነዓት ዓለም፡ ኣብ ግዜ ቃልሲ ንናጽነት ዘበርከትዎ ሰብኣውን ንዋታውን ኣበርክቶን ተሳትፎን ኣብ ዓወት ንምብጻሕ ዝነበሮ ግደ ህያው እዩ። እዞም ስደተኛታት ድሕሪ ናጽነት ናብ ዓዶም ክምለሱ እሞ፡ ጻማ ቃልሶም ሃገሮም ክሃንጹን ቀሲኖም ክነብሩን ናይ ኩሉ ደላይ ሰላም ትጽቢትን ሃረርታን ነይሩ። እንተኾነ ድሕሪ ናጽነት እውን ብኣንጻሩ ኮይኑ፡ ዋሕዚ ኤርትራውያን ናብ ስደት ብተዓጻጻፊ ወሲኹ። እዚ ግምጥሊሽ ተረኽቦ ኣብ ተመኩሮ ካለኦት ኣይተራእየን። ምናልባት ሳሕቲ እንተኣጋጠመ እውን ከምዚ ኣብ ኤርትራ ዝተራእየ ናይ ፍልሰት መልክዕ ዝሓዘ ኣይኮነን።

ስደት መሬትካን ተወሊድካ ዝዓበኻሉ መረበትካን ጥራይ ኣይኮነን ዘስእነካ። ነቲ ኣብ ሃገርካ እተስተማቕሮ ክቡር ባህልኻ፡ ቋንቋኻ፡ ልምድኻ፡ እምነትካን ቤተሰብካን እውን ዘስእን እዩ። ስደት ደረጃታት ኣለዎ። እቲ ዝኸፈአ እቲ ኣብ ድኻታትን ድሕነተንን ድሕነት ስደተኛታት ዘይሕልዋን ሃገራት፡ ኣብ መደበራት ዝሓለፍ ናብራ እዩ። ኣብ ከም’ዚ ዝኣመሰለ መደበራት ስደተኛታት፡ መግቢ፡ ሕክምና፡ ትምህርትን ካልእ መሰረታዊ ቀረብን ጥራይ ኣይኮኑን ዝስእኑ። ሰብኣውነቶም እውን ኣብ ሓደጋ እዩ ዝኣቱ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ መደበር ስደተኛታት፡ ሱዳን፡ ኢትዮጵያን ጅቡትን ዘለዉ ኤርትራውያን ዝሕልፍዎ ዘለዉ ናይ ሞትን ሕየትን ህይወት ናይዚ ኣብነት እዩ። ዋላኳ ኣብ ዝሓሸ ሃዋህው ስደት ኣብ ዓውዲ ቁጠባ ይኹን መኣዲ ትምህርቲ ዝዕወቱ ስደተኛታት እንተለዉ፡ ኩሉቲ ዝረኸብዎ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ነቲ ናይ ሃገሮም ክብሪ ዝገዝእ ግን ኣይኮነን። እዚ ማለት በቲ ዝረኽብዎ ዕድል ናይ ሃገሮም ምቓረትን ክብርን ክገዝኡ ኣይክእሉን እዮም። እዚ እዩ ከኣ ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ይኹን ኩነታት፡ ስደት ግዝያዊ መዕገሲ እምበር መሰረታዊ መፍትሒ ኣይኮነን ዘብል።

ናይ ስደት ሕማቕ መነባብሮ ንምብዳህ፡ ናይቲ ስደተኛ ኮይንካ እትነብረሉ ሃገርን ህዝብን ባህርያትን መነባብሮን ምግንዛብን ምኽባርን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ሃገር መንግስቲ ዝምረሓሎም ሕግታትን ዘውጸኦም መምርሕታትን ምርዳእን ካልእ ግደታ እዩ። እቲ ኣብ ሃገርካ ከይፈተኻ ገዲፍካዮ ዝተሰደድካ መንፈሳውን ነገራውን ጸጋታት ናብ ዓዲ ስደት ኣይስዕበካን እዩ። ኣብ ክንድኡ ኣብኡ ክሳብ ዘለኻ፡ ናይቲ ከም ስደተኛ እትነብረሉ ሃገር ኩለ-መዳያዊ ኩነታት ምርዳእን ምልማድን የድሊ። ሓሓሊፉ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝነብሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘርእይዎ ጉድለታት ድማ ነዚ ካብ ዘይምርዳእ እዩ ዝነቅል። ናብራ ስደት ዝያዳ ምትሕግጋዝ፡ ምትሕልላይን ምድግጋፍን ስለ ዘድሊ፡ ተረኽቦታት ከምቲ ዝኾንዎ እምበር፡ ከምቲ እትደልዮ ክኾኑ ከምዘይክእሉ ምግንዛብ የድሊ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት፡ ኣብ ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓሓሊፉ ዝረአ  ሕድሕድ ምጭኽኻን ቀልጢፉ እንተዘይተኣሪሙ ናብ ሕማቕ ከየምርሕን ናብ ኤርትራ ከይልሕምን ዘየስግእ ኣይኮነን። እዚ ናብቶም ዝጋጨዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ጥራይ ዝግደፍ ዘይኮነ፡ ኩሉ ደላይ ኤርትራዊ ሕውነትን፣ ሓድነትን ስኒትን ዘገድሶ ክቃለሰሉ ዝግበኦ እዩ።

ስደት ዝያዳ እትቃለሰሉ እምበር ካብ ፖለቲካዊ ተሳትፎ ሃገርካ እትሕበኣሉ ኣተሃላልዋ ኣይኮነን። ታሪኽ ነባራት መደበር ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሱዳንን ካልእ ከባቢታትን ከኣ ሓያል ተሳታፍነትን ጽንዓትን ዘርኣየ እዩ። ኣብዚ ንርከበሉ ዘለና ፖለቲካዊ ሃለዋት ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዘርእይዎ ዘለዉ ተሳትፎውን ዝነኣድ እዩ። መንእሰያት ብስደት ኣመኽንዮም ክሃድምሉ ዘይክእሉ ትውልዲ ናይ ምርኽኻብን ምስግጋርን ሓላፍነት ከም ዘለዎም ፍሉጥ እዩ። እዚ ንርከበሉ ዘለና መዋእል ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት በሪኽ ቦታ ዝሓዘለ ስለ ዝኾነ፡ ኣብ ስደተኛታት መንእስያት እውን ናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ናይ ኣተሓሳስባ ብዙሕነት  መማረጺ ናይ ምርካብ  ጸጋ ዝኸውን ብሕግን ስርዓትን፡ ብምክኣልን ምጽውዋርን ክግራሕ እንከሎ እዩ። ናይቲ ነዚ ብዙሕነት እተንጸባርቐሉ ባይታ ባህሪ ኣብ ግምት ምእታው እውን የድሊ። ንናይ ኣተሓሳስባ ፍልልያት ናብ ግጭትን ጐነጽን ምዕራጉን ናብ ምዝራግ ሓድነት ህዝቢ ምውሳዱን ግና ኣይኮነንዶ ኣብ ዓዲ ጓና ኮይንካ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ እንተኾነ እውን ዝምረጽ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ስደት ዘካይድዎ ዘለዉ ቃልሲ ምሉእን ኣድማዕን ዝኸውን፡ ንዝሓለፈ ተመኩሮ ኣፍሪሱ ከም ሓድሽ ክጅምር እንከሎ ኣይኮነን። ኣብ ክንዲ ከምኡ ንዝሓለፈ ተመኩሮን ዝተኸፍለ ዋጋን ግቡእ ቦታ ዝህብ፡ ካብኡ እቲ ከቐጽል ዝኽእል እወንታታት ወሪሱ፡ ኣብ ርእሲኡ እናመለአ ዝሃንጽ ክኸውን ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይኮኑ፡ እቲ ድሕሪኡ ዝመጽእ ወለዶ’ውን፣ ነቲ ዝተረከቦ ኣፍሪሱ ከም ብሓድሽ ክጅምር እየ እንተይሉ፡ ኣብ መፈጸምታ ዘየብሉ ምጅማር ምንባር እዩ ዝኸውን። ኣብ ምዕዋትን ዘይምዕዋትን ህልዊ ፖለቲካ ኤርትራ፡ ብዙሕነታዊ ሓድነት ምዕቃብ ዓንዲ ማእከል ዓወት እዩ። ነዚ ብሃይማኖት፡ ኣውራጃን ካልእ ጸቢብነትን ኣዳኺምካ ዝረጋገጽ ዓወት የለን። ስለዚ ጉዳይ ሓድነት ኣብ ነፍሲ ወከፍ ስጉምቲ ግቡእ ኣቓልቦ ክረክብ ይግበኦ።

ኣብዚ እዋንዚ ካብ ዝተፈላለዩ ኩርነዓት ብዛዕባ ኤርትራውያን መንእሰያት ስደተኛታት ዝስምዑ፡ “ነብሱ ቀቲሉ፡ በዓልቲ ቤቱን ደቁን ኣጥፊኡ፡ ንዓርኩ ጐዲኡ” ዝብሉን ዝኣመሰሉን ናይ ጭካነ ተግባራት፡ ቀንዲ ማህሰይቶም ኣብቶም ቀጥታ ግዳያት እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዘይወዓልዎ ኤርትራውያን ዘሕድሮ ተጽዕኖ ቀሊል ኣይኮነን። ስለዚ ነዚ ሓደ ካብ መግለጽታት ምረት ስደት ዝኾነ ጨካን ተርእዮታት ኣብ ምውጋድ፡ ኩሉ ኤርትራዊ ኣብ ክንዲ ፍልልያት ምግፋሕ፡ በብዓቕሙን ክእለቱን ንዕርቂ: ሰላምን ስኒትን ክጽዕት ይግበኦ።

Last modified on Thursday, 19 January 2023 10:03