Print this page

ኣእትወኒ’ምበር፡ ውጸለይሲ የዳዲ!

2022-12-21 09:23:27 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 701 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ህግደፍ ኣብ ጉዳዩ ኢዱ ከእቱ ክፈቕደሉ እንከሎ፡ ካብ ግዚያዊ ረብሓን ስምዒትን ሓሊፉ፡ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይተገንዘቦ ሳዕቤናት ከም ዝነበረ ርዱእ እዩ። ህግደፍ ብወገኑ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣደናጊሩ ኢዱ ክኣቱ እንከሎ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዘይትግበር መብጸዓታት እናኣተወ፡ ብዙሕ ዝሓብኦ ተንኮላት ከም ዝነበሮ ሎሚ ዝረአ ዘሎ እዩ። ምስዚ ኩሉ ግና ህግደፍ እቲ ናብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢዱ ክእቱ እንከሎ ዝወጠኖ መደብን ዝፈሓሶ ተንኮላትን በቲ ዝደለዮ መንገዲ  ከምዘየዕወተ ካብ ህልዊ ኩነታት እንግንዘቦ እዩ።

መስርሕ ምትግባር ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ተጀሚሩ ኩነታት ምስ ሃድአ፡ ኣብ ውግእ ትግራይ ሓይልታቶም ኣኽቲቶም ክዋስኡ ካብ ዝጸንሐ ሓይልታት “መነኦም  ከሲቡ፡ መንከ ከሲሩ?” ዝብል ሕቶ ንብዙሓት ወገናት ዘዛርብ ዘሎ እዩ። ናይዚ ሕቶዚ መልሲ ከከም ፖለቲካዊ ዝንባለ ናይ መላሲኡ ዝተፈላለ ኮይኑ፡ በቲ ሓደ ወገን ኣብ ዘይምልከቶ ተሸኺሉ ዝጸንሐ ብምዃኑ፡ በቲ ካልእ ወገን ድማ ኣብ ቀጻሊ ውግእ ናይ ምንባር ህርፋኑ ስለ ዝተኾልፈ ህግደፍ ቀዳማይ ከሳሪ ምዃኑ ብሩህ እዩ። እቲ ዘሕዝን ከኣ ናይ ህግደፍ ክሳራ ኣብ እንግደዓ ህዝቢ ኤርትራ እውን ዝጸዓን ምዃኑ እዩ። ብሰንክዚ ውግእ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣደዳ ሞት፡ ስክንልልናን ምምራኽን ምዃኖምን ሓደ መርእያ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይወሰኖ ክሳራ ምእታዉ እዩ።  ከም ሳዕቤን እቲ ውግእ ዘይከተትኩም ብዝብል፡ ስድራቤታት ኣባይቲ ተዓጽይዎም  ግዳም ሓደር ምዃኖምን ንብረቶም ይራሰ ምህላዉን ድማ ካልእ ገጽ ክሳራ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ህግደፍ ዘርኢ እዩ።

ናይ ህግደፍ ክሳራ ከምዚ ንዕዘቦ ዘለና ከም ዝኸውን፡ ካብ መጀመርታኡ ናይ ብዙሓት ግምት እዩ ነይሩ። ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ)፡ ካብዚ ቅኑዕ ቅድመ-ግምት ብምንቃል ብዓንተብኡ፡ “ህዝቢ ኤርትራ ህይወት ደቁ ንምድሓን ተጽዕኖኡ ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ ከሕይል፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብዘይምልከቶ ውግእ  ዘይተደላይ ክሳራ ካብ ምኽፋል ንክድሕን ኣንጻር ኢድ ኣእታውነት ህግደፍ እምቢ ክብል” ኣትሪሩ ጸዊዑ እዩ። ሕብረተሰብ ዓለም እውን ምእንቲ ከባብያውን ዞባውን ሰላምን ምርግጋእን ሰብኣውነትን ንህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ካብ ምእታው ዝዓግት ስጉምቲ ንክወስድ ተመሕጺኑ እዩ። ሎሚ ከኣ እነሆ እቲ ዝተሰግአ ኩለ-መዳያዊ ክሳራን ዕንወትን  ዝግመት ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዝድህሰስ ኮይኑ ቀሪቡ።

ኢትዮጵያውያን ድሕሪ ክንደይ ንዓለም ዘገረመ ክሳራኳ እንተኾነ፡ ኣብ ክንዲ መንገዲ ውግእ መንገዲ ሰላም ምምራጾም ዝነኣድ እዩ። ካብዚ ብምንቃ እዩ ከኣ ብደረጃ ዓለም ከይተረፈ ናይ ሰላም ምርጫኦም ዝለዓለ ደገፍን ምትብባዕን ዝረክብ ዘሎ። እቲ ሒዘምዎ ዘለዉ ናይ ሰላም ኣቕጣጫ ብውሽጣዊ ዕግብታቶም ድዩ ብናይ ግዳም ተጽዕኖ ተደሪኹ መጺኡ ብዘይገድስ፡ ምስ ኩሉ ሕጽረታቱ፡ ብልቦናን ህዝባዊ ሓላፍነትን እንተ ተተግቢሩ ብውሕዱ ህልቂት ሰባትን ዕንወትን ንብረትን ዘድሕን ከም ዝኸውን ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቶም ውዕል ሰላም ዝኸተሙ፡ በዚ ተነቢሩ ዘሎ ተስፋ ዝህብ ምልክታት ተተባቢዖም ነቲ ናይ ኣተገባብራ ብደሆታት ክሰግርዎ ከኣ ናይ ብዙሓት ሰናይ ትጽቢት እዩ።

እቲ ካልእ ገጽ ዓወት ናይቲ ኢትዮጵያውያን በጺሐምዎ ዘለዉ ውዕል ሰላም፡ ናይ ህግደፍን ንሱ ዘዋፍሮም ኣካላትን ኣብ ውግእን ህውከትን ናይ ምንባር ህርፋን ዝኾልፍ ምዃኑ እዩ። እዚ ውዕል ሰላም ኢትዮጵያውያን ናብ ህግደፍ “እቲ ጉዳይ ጉዳይና እምበር ዘእትወካ ኣይኮነን” ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ’ውን እዩ። ህግደፍ ከምቲ ኣብ ውግእ ቀንዲ ተዋሳኢ ዝነበሮ፡ ብገለ ወገናት ኣቢሉ “ኣብቲ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተኻየደ ዘተ ሰላም ህግደፍ’ውን ክስገር ኣይግበኦን” ዝብል ዓመጸኛ ድምጺ ክፈጥር ፈቲኑ ነይሩ እዩ። እንተኾነ “ተለጣፊ’ምበር በዓል ጉዳይ ኣይኮንን” ስለ ዝተባህለ፡ ተቐባልነት ኣይረኽበን። ህግደፍ ድሕሪ ሕጂ ካብ ትርጉም ሓይልን ውግእን ወጺኡ ናብ ትርጉም ሰላም ዘምልስ ሕልና ከምዘየብሉ፡ ካብቲ ኢትዮጵያ’ው ንምሕማስ ዝፈጥሮ ዘሎ ህውከተኛ ዝምድናታት ተነጺሩ ኣሎ። ሕሉፍ ሓሊፉ፡ ነቲ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕዎ ስምምዕ ንድሕሪት ንምምላስ “ካብ ዓበቕካስ ተቛናደፍ” ከም ዝበሃል፡ ካብ ናይ ግዜ ውግእ ተግባራቱ ከምይዘይወጸን ንኤርትራ ረሚሱ ንኢትዮጵያ’ውን ንምድጋማ ዳምዳም ይብል ብምህላዉ ብብዙሓት ብሕማቕ ዓይኒ ይረአ  ኣሎ።

ኣብዚ እዋንዚ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንዝምድናኡ ምስ ህግደፍ ብዝምልከት ኣብ ቅድሚኡ ክልተ ምርጫታት ኣለወኦ። ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዝምድና ከም ዘየዋጸኦ ተረዲኡ፡ መስርሕ ሰላሙ ንምትግባር   ብመንፈስ እቲ ስምምዕ ንህግደፍ ካብ ትግራይ ንምውጻእ ዝድርኽ ስጉምቲ ምውሳድ ሓደን ቀዳማይን ምርጫኡ እዩ፡ ወይ ድማ ንህግደፍ ክንገሮ ዝግበኦ ካብ ምንጋር ኣዕጠጥዩ ንመስርሕ ሰላም ንድሕሪት መሊሱ ኣብ ውግእ ብምእታው ኣደዳ ኩለ-መዳያዊ ክሳራታት ምዃን’ዩ። ይኹን እምብር፡ ኣብዚ መዳይዚ ብህዝቡ ይኹን ብሕብረተሰብ ዓለም ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝንገሮ ዘሎ ንህግደፍ “ካብ ርእሰይ ውረደለይ” ክብሎ እዩ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና ካብ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኮነ ሕብረተ ሰብ ዓለም፡ ህግደፍ ከናግፎ ዘይክእል መቕጻዕትን ክሳራን ከም ዝወርዶ ርዱእ እዩ። ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ብምኽንያት ርክብ ኣፍሪቃ-ኣሜሪካ ኣብ ዝገሽሉ ብዝተፈላለዩ ላዕለዎት መራሕቲ ኣሜሪካን ዓለም ለኻዊ ናይ ገንዘብ ትካላትን ዝተነግሮም ኩሉ ዝተኸታተሎ እዩ። ህዝቢ ኢትዮጵያ እሞ ከኣ፡ ህርፋን ህግደፍ ንምርዋይ ምስ ትግራይ ዝተበጽሐ ሰላም ንድሕሪት ክምለስ ዘይኮነ፡ እቲ ሰላም ኣብቲ ካልእ ውግእ ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት ኢትዮጵያን ክድገም እዩ ዝጽውዕ ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ረብሓኡ ብዓብይኡ ንኢትዮጵያውያን እዩ። ንኤርትራውያን እውን ከም ጐረቤት ኣውንታውን ናይቶም ኣብ ዘይምልከቶም ውግእ ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን መንእሰያት ህይወት ዘድሕን ስለዝኾነን ኣገዳስነቱ  ኣብ ቦታኡ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ፡ ናይ ህግደፍ ኣብ ህውከትን ውግእን ናይ ምሕባእ ዕድል ዘጽብብ ስለ ዝኾነ፡ ኤርትራውያን ምሉእ ኣቓልቦና ናብ ውሽጣዊ ጉዳይና ክንገብር’ውን ሓጋዚ እዩ። ንዓመታት ንህዝቢ ኤርትራ ክብድህ ዝጸንሐን ዘሎን፡ ዘይዲሞክራስያውን ዘይሰብኣውን ኣካይዳ ህግደፍ ንዓኣቶም እውን ዶብ ሰጊሩ የረኻኽበሎም ከምዘሎ ኢትዮጵያውያን ተረዲእምዎ እዮም። ካብዚ ተረድኦዚ ነቒሎም ብዙሓት ውድባትን ፖለቲከኛታትን፡ ሰልፊ ብልጽግና ምስ ህግደፍ ዝጸንሖ ዘይቅዱስ ቃልኪዳን ከፍርስ ይጽውዕዎ ኣለዉ። እንተኾነ ብሰንክቲ ተንኮላት ህግደፍ ከይተረደአ ንግዝያዊ ረብሓ ክብል ዘሊሉ ዝኣተዎ ዘይብሱል ስምምዕ፡ ከምቲ “ኣእትወኒ’ምበር፡ ውጸለይ’ሲ የዳዲ” ዝበሃል፡ ብልጽግና ጋና ብሰንኪ ህግደፍ ዋጋ ዝኸፍል እዩ ዝመስል።

Last modified on Wednesday, 21 December 2022 10:37