Print this page

ቀጻሊ ሰላም ብዘተ’ምበር፡ ብወግእ ኣይረጋገጽን

2022-11-07 12:04:19 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1001 times
Rate this item
(0 votes)

ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ብሕፈሻ ፖለቲካዊ ምስሕሓብ ካብ ዘጋጥም፡ ብፍላይ ድማ እቲ ምስሕሓብ ናብ ደማዊ ውግእ ምስ ተሰጋገረ፡ ኤርትራውያን ብዛዕባኡ ክንመያየጥን መርገጻትና ኣብቲ ጉዳይ ክንገልጽ ጸኒሕና ኢና። ክሳብ ክንድዚ ከም ኣጀንዳና ክንሕዞ ዘገደደና ከም ጐረቤት ስለ ዝጸልወና ጥራይ ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ህግደፍ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ዝረገፍሉ ስለ ዝኾነን ህግደፍ ኣብ ዝኣተዎ ኣቲና ተግባራቱ ከነቃልዕ ናይ ግድን ስለ ዝኾነን ኢና።

ናይ ህግደፍ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ-ትግራይ ምእታዉ፡ ኤርትራውያን ብፍላይ ኣብ ዲያስፖራ ኣብ ኣመዛዝናኡ ክፈላልየና ከም ዝጸነሐ  ንኹልና ብሩህ እዩ። ኣብ መንጎ እቶም፡ በቲ ሓደ ወገን “ትግራይ ትስዕር” በቲ ካልእ ወገን ድማ “ምስ ሰራዊትና” ክጭርሑ ዝጸንሑን ጌና ዘለዉን  ዝተራእየ ምውጣጥ ቀሊል ግምት ዝወሃቦ ኣይኮነን። ኣብ’ቲ “ብዘይካ ናተይ ካልእ ቅኑዕ ምርጫ የለን” ክብል ዝጸነሓ ናይ ብዙሓት ፖለቲካዊ ኣሰላልፋ ዝቐየረ ናይ ኣተሓሳስባ ምውጣጥ  እንፈልጦ እዩ። እዚ ናይ ፕሪቶርያ ናይ ሰላም ስምምዕከ ኣብ ኤርትራውያን ሓድሽ ኣሰላልፋዶ የምጽእ ኣየምጽእን ድማ ኣብ መጻኢ እንርእዮ እዩ፡  ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ካብ ሳልሳይ ጠቕላላ ጉባአኡ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለየ መድረኻቱ ዘንጸባረቖም ሓሳባትን ብዝተፈላለዩ ትካላቱ ብዘመሓላለፎ ውሳነታትን እቲ መፍትሒ ኣብቲ ጫፋት ከምዘየለ ተገንዚቡ ብኣጋኡ ሰላማዊ መፍትሒ ኣሚቱ እዩ።

እቲ ውግእ ምስ ጀመረ ከይደንጐየ፡ ብደረጃ ማእከላይ ባይቶኡ ናይ ዶር. ኣቢዪን ኢሳያስን ሽርክነት ውግእ ኣብ ልዕሊ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ንዅንን። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ውግእ መበገሲኡ ቅዋማውን ፖለቲካውን ስለዝዀነ፡ ፖለቲካዊ ፍታሕ ክግበረሉ ንጽውዕ: ብዝተፈላለዩ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት፡ መንግስታት፡ ሃይማኖታዊ ትካላትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰል ዝዀና ማሕበራትን፡ ነዚ ውግእ ጠጠው ንምባል ዘቕርብዎ ዘለዉ ጻውዒት ሰላም እናደገፍና፣ ብፍላይ ድማ፡ እዚ ሕጂ ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ወሲዱዎ ዘሎ ናይ ዕርቂ ተበግሶ ኩሎም ወገናት ክቕበሉዎ ነማሕጽን። ኣብ ክሊ ምዕባሌታት ውግእ ተፈጢሩ ንዘሎ ኩነታት ስደትን ምዝንባልን፡ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዕቱብ ኣቓልቦ ክህበሉ፡ ንኹሎም ስደተኛታት ዝምልከት ሓልዮትን ሰብኣዊ ረድኤትን ድማ ከበርክት ማእከላይ ባይቶ  ምሕጽንታኡ የቕርብ።  ዝበሎ ምስዚ ሎሚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከተማ ፕሪቶርያ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን በጺሖሞ ዘለዉ ስምምዕ ሰላም ኣገናዚብካ ክረአ እንከሎ፡ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቑ ዝጠመተ  ርትዓዊ ርኢቶ ከም ዝነበረ ምርዳኡ ኣየጸግምን። ሽዑኳ  ከምቲ ዝድለ ሰማዒ እንተዘይነበሮ፡ ሎሚ ናብኡ ምምላሶም ምሉእ ዳኣ ይግበሮ እምበር፡ ዘሓጉስን ዝድገፍን እዩ።

ብዛዕባቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ሰላም ኣፍካ መሊእካ ንምዝራብ ናይቶም ብቐጥታ ዝምልከቶም ሰብ ጉዳይ ዝርዝር መብርሂታት ምጽባይ ዘድልዮ እዩ። ብውሕዱ ግና “ንወያነ ካብ ገጽ ምድሪ ምጥፋእ” ዝብል ጭረሖ ኣምሪሑ፡ ምስ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ተዓራሪኹ፡ ናብ ፖለቲካዊ ማዕበል ኢትዮጵያ ኢዱ ሰዲዱ ኣብ ውግእ መንእሰያት ኤርትራ ዘወደአ ህግደፍ ቀዳማይ ተሰዓሪ ምዃኑ ርኡይ እዩ። ምኽንያቱ ወያነ ቅድም ብውግእ ደሓር ብስምምዕ ሰላም ህልውናኡ ስለ ዘውሓሰ። ኣብቲ ኢሳያስ እንተተኻኢሉ ከይካየድ፡ እንተተኻይዱ ድማ  በዓል ጉዳይ ኮይኑ ኣትዩ ከምክኖ ከንባህቖሉ ዝጸንሐ ዘተን ስምምዕን፡ ስም ኤርትራ ዘይምጥቃሱ፡ ናይ ህግደፍ ክብደትን ተፈራሕነትን ዘርኢ ኣይኮነን። ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ዝጸንሐ  ዘራጊቶ ምዃኑ ከም ዝተመዝነ ዘርኢ እዩ። ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ወያነ ክሳብ እትጠፍእ ንዋጋእ” ዝብል ሃላሊ ምኽሪ ኢሳያስ ዘየዋጸኦ ምዃኑ ፈሊጡ፡ ዘዋጸኦ መንገዲ ዘተን ሰላምን ምምራጹ እውን ካልእ ህግደፍ ከም ዝተሳዕረ ዘርኢ መረዳእታ እዩ። በቲ ስምምዕ መሰረት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዶብ ኤርትራን ኢትዮጵያን  ሓላው ዶብ ሰራዊቱ ምስ ኣስፈረኸ፡ ህግደፍ ክሳብ ክንደይ ኣብ ዘይጉዳዩ ኣትዩ ከም ዝጸንሐ ይርደኦዶ ይኸውን?፡  ከምዛ ሓጻር ጣፍዶ ምሉቕ ኢሉ ይወጽእ ወይ ኣንጻርቶም ከእንግዶም ዝጸንሐ ሰራዊት ፈደራል ይዋጋእ ክረአ እዩ። መሓዙቱ ፋኖ ግና በቲ ስምምዕ ከምኡ ቆዘምቲ ምዃኖም ምልክታት የርእዩ ኣለዉ። እቲ ሓቁ እምበኣር “ክረኣያ ክብላስ  ይእረያ” እዩ።

ክልቲኦም ኢትዮጵያውያን ወገናት ናብቲ ዘተ ክኣትዉ እንከለዉ፡ ሒዘሞ ዝቐረቡ ርኢቶታት ዝተረሓሓቐ ምንባሩ ዝተዓዘብናዮ እዩ። እቲ ዝኸተምዎ ስምምዕ ግና ንናይ ሓዲኦም ርኢቶ ጥራይ ዘንጸባርቕ ዘይኮነ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ዝተወስደ መዋጸኦ ምዃኑ ፍሉጥ እዩ። ምኽንያቱ ምዝታይ ማለት እንካን ሃባን ሰለ ዝኾነ። ምስዚ ኩሉ ብክልቲኦም ወገናት ሰለምንታይ ናትና ርኢቶ ምሉእ ብምሉእ ኣብቲ ስምምዕ ተቐባልነት ኣይረኸበን ዝመንቀሊኡ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞም ዝጽበይዎ እዩ። ስለዚ ካብቲ ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ዝኸፈልዎ ዋጋ ዘይንእስ፡ ተቐቢሉ ዘተግብር ባይታ ንምፍጣርን ውሑስን ቀጻልን ሰላም ንምርግጋጽን ካብ ምምካት ሸርሕታት ህግደፍ ጀሚርካ ዝጽበዮም ሓያል ብደሆታት ከም ዝህሉ ምልክታት ይቕልቀል ኣሎ።  

በቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ እገለ ከሰበ እገለ ከሰረ ዝብሉ ክርከቡ ይኽእሉ ኢዮም። እቲ በዚ ውግእዚ እናሞተን እናተቐንዘወን ዝመጸ ህዝቢ ቀንዲ ተረባሒ ናይዚ ስምምዕ ክኸውን እዩ።  በዚ መንጽር ብልኡላውነት ኤርትራ እናተመጻደቐ ልኡላውነት ካለኦት ምድፋር ከም ሓላል ዝወስድ ህግደፍ ምስቶም ኣስኪርዎም ዝጸንሐ ኣካላት ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተጠቕሰ ከሳራይ እዩ። እቶም ተዛትዮም ኣብ ስምምዕ ዝበጽሑ ወገናት ግና ብሚእታዊት ሓሲብካ እገለ ክንድዚ ከሲቡ እገለ ድማ ክንድዚ ከሲሩ ዝበሃሃሉ ዘይኮኑ፡ ብውሕዱ ዋላ ንሓንቲ ማዓልቲ ትኹን ህይወት ወገናቶም ካብ ህልቂት ብምድሓኖም  ከሰብቲ እዮም። ማእከላይ ነጥቢ ስምምዖም ሕገመንግስቶም ምዃኑ ብምግንዛብ፡ ኣብቲ ክኾነሎም ክምነይዎ ዝጸንሑ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ክኸውን ዝግበኦ እዮም ተሰማሚዖም ዘለዉ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ክልተ ዓይኒ ምርኣይ ኣይቅኑዕን እዩ። ምስዚ ኩሉ እቲ ጉዳይ፡ ቀንዲ ዋኒን ኢትዮጵያውያን እዩ። ኤርትራውያን ድማ ቀዳምነትና ኣጽኒዕና ዋኒንና ንግበር።

ህዝቢ ትግራይ ንኹሉ ዘጋጠሞ ሞት፡ ምምዝባል፡ ጥሜትን ብኩራት መሰረታዊ ነገራትን ተጻዊሩ ስኑ ነኺሱ ፈልከት ከይበለ ኣብ ጐኒ ደቁ ኮይኑ ዘርኣዮ ጽንዓትን መኸተን ኣብዚ ስምምዕ ንምብጻሕ  ኣስተዋጸኦኡ ልዑል ሰለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ጥልመትን ብደዐን ህግደፍ ንምስባር ክመሃረሉ ዝግበኦ ተመኩሮ  እዩ። ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ እውን ካብዚ ጌና ኣብ መስርሕ ምትግባር ብደሆታት ዝጽበዮ ስምምዕ ሰላም ኢትዮጵያውያን፡ ንመሃሮ ሕድገትን ምጽውዋርን ከም ዝህሉ ፍሉጥ እዩ። ስለዚ ኣብ ደውታ ኣትዩ ዝጸንሐ መስርሕ ምፍጣር ናይ ሓባር መድረኽ፡ ኣበራቢርና ናብ ግብራዊ ስራሕ ንእቶ። እንተ’ቲ “ቀጻሊ ሰላም  ብዘተ’ምበር፡ ብወግእ ኣይረጋገጽን” ዝብል ሓሳብ ህያው እዩ።

Last modified on Monday, 07 November 2022 13:07