Print this page

ኣገዳስነቱ እናተረደኣናስ ዘየዕወትናዮ

2022-10-16 14:14:48 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1141 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ሓድነት ሓይሊ እዩ፡ ዝሓበራ ኣጻብዕቲ ኣርቃይ የጸንበዓ” ምባል፡ ኣብ ዕለታዊ ህይወትና ልሙድ  እዩ። መልእኽቱ ድማ ናይ ሓባርካ ኣብ ዝኾነ  ዋኒን፡ ሓቢርካ ምዕማም ዝያዳ ከም ተድምዕ ንምዕዛዝ እዩ። እዚ ኣብ ኩሉ መዳያት ህይወት ዝንጸባረቕ እዩ። ብፍላይ ኣብ ከምዚ ሎሚ ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ፖለቲካዊ መዋጥርን ቅልውላውን ዘለናሉ እዋን ብሓባር ምቅላስ ፍቱን መዋጸኦ ካብ ዝዀኑ መንገድታት እቲ ቀንዲ እዩ። ኩነታት ሃገርና ኣዛራብን ናይ ሓባር ኣበርክቶና ዝሓትትን ካብ ዝኸውን ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ሎሚ ግና ጉዳይና ዝያዳ ኩሉ ግዜ ወጣርን ኣሰካፍን ኣብ ዝኾነሉ ኢና ንርከብ ዘለና።

ኣብዚ እዋንዚ ፖለቲካዊ ሕቶ ኤርትራ  ናይ ስርዓት ለውጢ ናይ ምምጻእን ዘይምምጻእን ጥራይ ዘይኮነ፡ ከም ሃገርን ህዝብን ምህላውን ዘይምህላውን እውን ዓይኑ ኣፍጢጥሉ ዘሎ እዩ። ስለዚ ሃገር ንምድሓን ኣድላይነት ሓቢርካ ምቅላስ ብኽንድኡ ደረጃ ዕዙዝ ከምዝኸውን ርዱእ እዩ። እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ ብኸምዚ ንዕዘቦ ዘለና ደረጃ ኣተሓሳሳቢ ካብ ኮነ፡ “እስኪ ንተኣከብ መፍትሒ ክርከብ” ክንበሃሃልን ደስኪሉ ዘሎ መስርሕ ምምስራት ብሓባር ዘቃልስ መድረኽ ምርጫ ዘይኮነስ፣ መድረኻዊ ግድነት ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ሓቢርካ ምቅላስ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ምፍጣር ብተደጋጋሚ ተፈቲኑ ክሳብ ሎሚ ስለ ዘይተዓወተ፡ ክለዓል እንከሎ ፍጊዕ ዝብሎም ወገናት ይረኣዩ  እዮም። እንተኾነ ካልእ መተካእታ መንገዲ ዓወት ስለ ዘይብልና ክሳብ እነዕውቶ ዋላ ዕረ እናጠዓመና ደጋጊምና ከነልዕሎ ግድን እዩ። ኤርትራውያን ምሁራት፡ ነባራት ፖለቲከኛታት፡ መራሕቲ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ካለኦት ግዱሳት ኣካላትን እውን ከም መዋጸኦ ዘቕርብዎ ዘለዉ መፍትሒ ሓሳብ ሓቢርካ ምቅላስ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ግዜ ቃልሲ ምእንቲ ናጽነት ዝሓለፎ ጭንቂ ፈትዩ ዝኣተዎን  ክኽፈል ዝነበሮ ክቡር ዋጋ ዝኸፈለሉን ስለ ዝነበረ፡ ዝጠዓሰሉን ዘማርረሉን ኣይኮነን። ድሕሪ ናጽነት ከም ትጽቢቱ ብዘይምቕሳኑ ግና’ ሓሓሊፉ ናይ ቀደም በሰልኡ ክሓክኽ ይረአ እዩ። እንተኾነ እቲ መፍትሒ ነቲ በሰላ ሓኺኽካ እንደጋና ምድማይ ዘይኮነ፡ ነቲ ኣብ ቅድሜኻ ዘሎ ህግደፍ ዝፈጠሮ ዕንክሊል ተቓሊስካ ምስጋሩ ጥራይ  ምዃኑ  ህዝቢ ኤርትራ’ውን ኣይሰሓቶን። እነሆ ከኣ ኣብ ቃልሱ ይቕጽል ኣሎ። እቲ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐን ዘሎን መከራ፡ ከከም መድረኹ ደረጃኡ ክብ ለጠቕ እእናበለ ክመጽእ ዝጸንሐ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝወርድ በደል ብዘስደምም ኩነታት ኣብቲ ዝኸፈአ ጫፍ ደይቡ ኣሎ። ኤርትራ ብኣራግጽ ሰራዊት ኢትዮጵያ ትሕመስ ኣላ። ኤርትራውያን፡ ብዘይ ናይ ጾታን ካልእን ፍልልይ ካብ ህጻናት ክሳብ ዕድመኦም ደፊኦም ዓዲ ዝወዓሉ ሽማግለታትን ኣገልገልቲ ኣብያተ-ጸሎትን ናብ ውግእ ትግራይ ተገዲዶም ይኣትዉ ኣለዉ። ምስዚ ብዝተሓሓዘ ደቅኹም፡ ኣንስትኹም፡ ሰብኡትክን………ወዘተ ናብ ውግእ ኣይከተቱን ብዝብል ብገንዘብ ምቕጻዕ ዘይኮነ፡ መንበሪ ኣባይቶም ብምዕጻው ንህልውነኦም ብዘስግእ ዘይሰብኣዊ መቕጻዕቲ ይሳቐዩ ኣለዉ። እዚ ኩሉ በደል ኣብ ልዕሊኡ ዝወርዶ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዛዕባ ዕላማን ተልእኮን ናይቲ ደቁ ዝሃልቅሉ ዘለዉ ውግእ ንረብሓኡ ከም ዘይኮነ ካብ ምርዳእ ሓሊፉ፡ ዝፈልጦ ዝርዝር ምስጢር የብሉን።

ህግደፍ ናይ ህዝቢ ኤርትራ በዓል ደሓን ኮይኑ ኣይፈልጥን እዩ። ምምሕዳሩ ብጉልበት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝተጻዕነ ኣርዑት ሓጺን እምበር ህዝባዊ ኣፍልጦ የብሉን። እዚ ምምሕዳር ንሱ ዝመርሖ እሞ፡ ሕቶታቱ ክምልሰሉ ዝነበሮ ህዝቢ ኣብ ትሕቲኡ ከም ዘሎ  ኣብ ግምት ዘእቱ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ ጸገማት ከም ዘሎ ባዕሉ ይእመን’ሞ ተገልቢጡ ናይቲ ጸገም ጠንቂ ንሱ ባዕሉ ምዃኑ እንዳፈለጠ፡ ናብ ህዝቢ ሕቶ ብምቕራብ ዝሕጭጨሉን ዘደናግረሉን ኩነታት ይፈጥር። ህግደፍ ነቲ ረብሓን ህልውናን ኤርትራን ህዝባን ኣብ ግምት ዘየእተወ፡ ህርፋኑ ንምርግጋጽ  ዘኽእሎ ኤርትራዊ   ደገፍ ከምዘየብሉ ተረዲኡ ዶብ ሰጊሩ፡ ናይ ኣተሓሳስባ መሓዙቱ ክእክብ ይጽዕት ኣሎ። ኣብዚ እዋንዚ ህላወ ገዚፍ ቁጽሪ ሰራዊት ኢትዮጵያዊ ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ኤርትራ፡ ናይዚ ኣብነት እዩ። ድሮ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ከምቲ “ኣብ ርእሲ ዘላታስ ተወሰኸታ” ዝበሃል፡ ብሰንኪ ዕልቕልቕ ውጉኣት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይተን ጠርበሽ ዝብላ ዝነበራ ትካልት ጥዕና ኣገልግሎት ኣብ ዘይረኽበሉ በጺሑ ኣሎ።

ኤርትራን ህዝባን ካብዚ ወዲቐምዎ ዘለዉ ሓደጋ ናይ ምውጻእ ሓላፍነት፡ ናትና ናይ ኤትራውያን እዩ። ኣብዚ ዕዉታት ክንከውን ድማ ዝተበተነ ዓቕምናን ኣተሓሳስባናን ኣቀራሪብና ውሁድ ዓቕሚ ክንፈጥር ካብ ምኽኣል ካልእ  መተካእታ የብልናን። እዚ ዝተበተነ ዓቕምኻ ጠርኒፍካ ዘድምዕ ጉልበት ምፍጣር፡ ሎሚ እነምጸኦ ዘለና ሓድሽ ቅዲ ዘይኮነ፡  ነቲ ነዊሕ ዝተጐዓዝናሉ ክነስና ግና ዘየዕወትናዮ ምሕዳሱ እዩ።  ካብዚ ዘለናዮ መዋጥር ንምውጻእ እቲ ወሳኒ ውሽጣዊ ዓቕምና ኣተሓባቢርና እንኸዶ መስርሕ ኢዩ።   ካብ ደገ እንጽበዮ ሓገዝ ከኣ ካልኣዊ ኢዩ። ሎሚ ከምቲ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ፍልልያትና ኣጸባቢቕና ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ጫፋት ረጊጽና፡ “ናተይ ይበልጽ፡ ናታይባ ይሓሽ” እናበልና ንተሃላለኸሉ ኣይኮነን። ብኣንጻሩ ንዘሰማምዑና ሓይልን ጉልበትን ሂብና፡ “ናይ ኩልና ተደሚሩ እዩ ዘድምዕ” ዝብል ናይ ተስፋ ድምጽና ከነበርኸሉ ዝግበኣና ግዜ እዩ።

ኤርትራውያን ተቓወምቲ ህግደፍ ኣብ ሕድሕድና ክንውግኖ ዝግበና ኣካይዳ ኣሎ። ኣብ ክንዲ፡ ተኸኣኢልካ  ሓቢርካ ምቅላስ፡ በቲ ሓደ ወገን ህግደፍ በቲ ካልእ ወገን ድማ ዘይኤርትራዊ ሓይሊ መዚዝካ እናበረኽካ፡ “ኣነስ ምስ እገለ እየ፡ ንስኻኸ ምስ መን ኢኻ?” ምብህሃል ዓቕምና ዘዳኽም ግጉይ ኣሰላልፋ እምበር፡ መፍትሒ ዘምጽእ ኣይኮነን። እዚ ማለት ግና፡ ንህልውና፡ ልኡላውነት፡ ሓድነትን ሰላምን ኤርትራ  ብዘየማትእ ዝምድና ኣይንግበር ማለት ኣይኮነን። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምስ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ፡ ኤርትራዊ ማእከልነቱ ዘይሰሓተ፡ ኣብ ምውጋድ ናይ ሓባር ጸላእን ምውሓስ ሰላምን  ዝዓለመ ዝምድና ምግባር ርትዓውን እዋናውን እዩ።

ከም ኤርትራዊ ናይ ለውጢ ሓይልታት እቲ ቅድሚት ክንሰርዖ ዝግበኣና ነብስና ምውጋን እዩ። እዚ ድማ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንፈጥር ምብቃዕ እዩ። ናትና ብሓባር ናይ ምስራሕ ዕዮ ገዛ ከየሳለጥና ምስ ዝኾነ ኣካል እንገብሮ ዝምድና መሰረታዊ መፍትሒ ኣየምጽኣልናን እዩ። ሎሚ ዕላማና ለውጢ ምምጻእ ጥራይ ዘይኮነ፡ ሃገርን ህዝብን ካብ ሓደጋ ምድሓን እውን ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ሓላፍነት እዩ።  ስለዚ  ነቲ ካብ ቅድም  “ኣገዳስነቱ እናተረደኣና ዘየዕወትናዮ” ንምዕዋት ንጽዓት መልእኽትና እዩ።

Last modified on Sunday, 16 October 2022 16:27