Print this page

“ዘይሓስብ ኣይንገድ” እኳ ዝበሃል!

2022-09-11 07:19:48 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1105 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ቃልሲ ታሪኹ ዝኸፈሎ መስዋእትነት ዘርዚርካ ስለ  ዘይውዳእል፡  “ሰፍ ዘይብል” ኢልካ ዝምዝገብ እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ነዚ መስዋእትነት’ዚ ዝኸፈለ  ናይ ግድን ክበጽሖ ዝግበኦ፡ ኣማዕድዩ ዝርእዮ ሸቶ ስለ ዝነበሮ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ብዘይሕሳብ ዝኸፈሎ ዋጋ ኣይነበረን። ህዝቢ ኤርትራ ኣብቲ ናይ 30 ዓመታት ብረታዊ ቃልሱ ዝኸፈሎ ናይ ህይወትን ንዋትን ዋጋ ከምቲ ህግደፍ ቆንጢሩ ዘቕርቦ ዘይኮነ፡ ብዓቐን ኣዝዩ ገዚፍ ብዓይነት ከኣ ኣዝዩ ክቡር እዩ። ነዚ ክቡር ዋጋ ክኸፍል ዘገደዶ ምኽንያት  ምስጢር ዘይኮነ፡ ንገዛእቲ ስዒርካ ናጽነትን ልኡላውነትን ምርግጋጽ መተካእታ ስለ ዘይነበሮ እዩ። እቲ ብግቡእ ሓሲቡ  ዘንቀሎ ዕላማኡ ቅኑዕ ስለ ዝነበረ ከኣ፡ እቲ ዝተኸፍለ  ዋጋ ኣውጺኡ  ኤርትራ ናጻን ልኡላዊትን ኮይና።

ህዝቢ ኤርትራ ብዝኸፈሎ ክቡር ዋጋ ዝተረኽበ ናጽነትን ልኡላውነትን ናብ ሓድሽ ምዕራፍ ዘሰጋግር እምበር ብመንጽር’ቲ ህዝቢ ኤርትራ ተሊሙ ዝነቐለሉ ናይ ቃልሲ ሕሳብ መዛዘሚ ኣይነበረን። እቲ ምኽንያት  ንጹር እዩ፡ ብህዝባዊ ሓርነት  ዝተሰነየ ብዘይምዃኑ እዩ። እቲ ኣርሒቑ ዝጥምት ህዝባዊ ዕላማ ምሉእ ምእንቲ ክኸውን፡ እቲ ናይ ሓርነት ቃልሲ ክቕጽል ግድን ነይሩ። እነሆ ከኣ ኣንጻር’ቲ ካብ ናይ ግዜ መግዛእቲ ዝኸፈአ ወጽዓ ህግደፍ ዝካየድ ህዝባዊ ቃልሲ ንሓርነት እናበረኸ ይኸይድ ኣሎ። ቃልሲ ንሓርነት፡ ከምቲ ቃልሲ ንናጽነት ዝሓተቶ ዋጋ ስለ ዝተኸፍሎን ቅኑዕ ሕቶ ስለ ዝነበረን ዝተዓወተ፡   ዝያዳ ቃልስን ምሕሳብን  ይሓትት  እምበር ክዕወት ግድን  እዩ።

ቃልስና ንናጽነት ፡ ነቲ ዝያዳ ዕጥቂ፡ ሓይሊ ሰብን ናይ ግዳም መንግስታዊ ሓገዛትን ዝነበሮ ሓይሊ መግዛእቲ ስዒሩ እዩ ተዓዊቱ። እቲ ዝሰዓረ ቃልሲ ኤርትራ ውሱን ዓቕሚ ግና፡  ፍትሓዊ ሕቶ ዝነበሮ እዩ። እዚ ተመኩሮ’ዚ ነቲ “በትሪ ሓቅስ ትቐጥን እምበር ኣይትስበርን” ዝብል ብግብሪ ዘግሃደ  ተመኩሮ ጽንዓት ኮይኑ ዝተመዝገበን እዩ። ኣብዚ ሎሚ ምእንቲ ሓርነት ህዝብና ነካይዶ ዘለና ዝተሓላለኸ ቃልሲ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ስለ ዝጠለመ  ንምክቶ ዘለና ጉጅለ ህግደፍ፡ ካብዝን ካብትን እናላኸዐ ዝኣከቦ ናይ  ዕጥቂ፡ ገንዘብን ሻራነትን ብልጫ ኣለዎ። ንኹሉ ጸጋታት ኤርትራ ገቢቱ ንህዝቢ ደፊኑን ኣድክዩን መሕለዊ ስልጣኑ የውዕሎ ምህላዉ’ውን ተወሳኺ ግዝያዊ ብልጫ ዝኾኖ እዩ። ምስዚ ኩሉ ሸፈጡ ግና ሒዝዎ ዘሎ መንገዲ፡ ዓመጸኛ፡ ሻረኛ፡ ሸፋጢ፡ ኣግላሊ፡ ዝያዳ ኩሉ ድማ ውሑዳት ጸረ ህዝቢ ዝዝውርዎን ዝብለጽሉን ስለ ዝኾነ፡ ኣንጻር ሓርነታዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ንሓዋሩ ጠጠው ዝብለሉ ዓቕሚ የብሉን። እነሆኳ ኣብ ኤውሮጳ ከጋጥሞ ዝቐነየ ብደሆ ናይ ስዕረቱ ምልክት እዩ። ናብ ኤርትራ ናይ ምልሓሙ ዕድል ከኣ ውሁብ እዩ።  ክሳብቲ ዘይተርፍ ውድቀቱ  ህዝብን ሃገርን ከም ዘድሚ ግና ኤርትራዊ ሃለዋት መስካሪ እዩ።

ገዛእቲ ኤርትራ ተሳዒሮም እምበር ፈትዮም ናጽነት ከም ዘይሃቡና እንርደኦ እዩ። ንሳቶም’ውን  ብዝተወደበን ብዘይተወደበን ኣገባብ ዘይዕግበቶም ክነግሩና ጸኒሖም እዮም። ዕድል እንተዝረኽቡ ከምዘይድቅሱልና’ውን ርዱእ’ዩ። ብርግጽ ናጽነትን ልኡላውነትን ኤርትራ ዋላ እንተሃረፍዎ ከውርድዎ ኣብ ዘይክእልሉ ሰንደቕ ተሰቒሉ እዩ። ኣብ ቅድሜና ምስ ዘሎ ሓርነት ህዝቢ ናይ ምውሓስ ዕማምና፡ ጉዳይ’ዞም ኣንጻር ናጽነትና ርእሶም ካብ ምንቕናቕ ዓዲ ዘይወዓሉ ኢትዮጵያዊ ወገናት ከነስተብህለሉ ዝግበኣና እዩ። ካብዚ ሓሊፍና ስኽፍታና ኣውዲቕና ሰሚዕና ከምዘይሰማዕና ኮይና፡ ብፍላይ ኣብ ተሃዋሲ ሕርያ ፖለቲካዊ  ኣሰላልፋ ሓይልታት፡ ከምዚ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ሃንደፍ ኢልና ምስኣቶም ክንዛመድ፡ ንሓዋሩ ኣይሕሰብንዩ’ኳ እንተዘይተባህለ፡ ጥቡቕ ጥንቃቐን ምግንዛብን ዘድልዮ እዩ። ሓደ ነዚ ካብ እንቆጻጸረሉ መንገዲ ድማ ምስቶም ንናጽነትና ቅድም ዋጋ ዝኸፈሉ ክሳብ ሎሚ ድማ  መንገዶም ዘይቀየሩ ኢትዮጵያዊ ወገናት ጥቡቕ ዝምድና ምግባር እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስቶም ናጽነትና ኣይተዋሕጠሎምን ዝበልናዮም ወገናት “ኣፍን ማንካን” ኮይኑ’ሎ። መሬትናን ባሕርናን ብዘይንጹርን ዘይግሉጽን ውዕላት ኣደዳ ወተሃደራዊ ኣራግጾም ገይርዎ ኣሎ። ቅድሚ ሕጂ ህግደፍ ብዝኸፈተሎም ኣፍደገ ኣብ ክንዲ ኤርትራ ክምድሩን ክኽትሙን ተኸታቲልና ኢና። እዚ ኩሉ ክግበር እንከሎ ብወገን ህግደፍ መእረምታ ንክግበር ስምዕታኳ ዘይምቕራቡ ድማ ክሳብ ክንደይ ናጽነትናን ልኡላውነትና  ከም ዝተደንደነ ዘርኢ እዩ።

ሎሚ’ውን እነሆ ህግደፍ ምስቶም “ድሕሪ ሑመራ ናብ ኣስመራ” ዘዝይሙ፡ ናጽነትና ዘይተዋሕጠሎም ጥራይ ዘይኮኑ፡ ካብቲ “ሰሜናዊ ዶብ ኢትዮጵያ ቀይሕ ባሕሪ እዩ” ዝብል ነበረያ ነበረ  ጭረሖ ዘይወጹ ኢትዮጵያውያን ተሻሪኹ ደም መንእሰይ ኤርትራ ኣብ ትግራይ የፍስስ ኣሎ። እቲ ንሕሳቡ  ኩኑን ዝገብሮ  እምበኣር ምስቶም ካብ ርእስና ዘይወረዱ ምትዕርራኹ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻርቶም፡ ኣብ መትከል ምትሕግጋዝ ኣሚኖም፡ ካብ ግዜ ቃልስና ንናጽነት ጀሚሮም ኣብ ሜዳ ኤርትራ ደሞም ዘፍሰሱ፡ ኤርትራ ብረፈረንደም ልኡላዊት ክትከውን እጃሞም ዘበርከቱን ንውጽኢት ረፈንዶም ቅድሚ ሰቦም ተቐቢሎም ንልኡላውነትና ኣፍልጦ ዝሃቡን ሓይልታት ትግራይ ተሰሊፉ ይዋጋእ ኣሎ። ኣብ ትግራይ ዝፈስስ ዘሎ ደም ኤርትራዊ መንእሰይ፡ ዝባኽን ዘሎ ንብረትን ዝዝራእ ዘሎ ጽልእን ክሳብ ክንደይ ሕሳብ ህግደፍ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክል ዘርኢ እዩ።  መንግስቲ ክልል ትግራይ ግና ሕጂ እውን ምስ ህግደፍ ክታሃላለኽ  ክብል  መስመሩ ከይለቐቐን ኣብ ልኡላዊት ኤርትራ ዘለዎ መርገጽ ከይቀየረን ናብ ህዝቢ ኤርትራ ተደጋጋሚ ስምዕታኡ የቕርብ ኣሎ። 

ድሕር’ዚ  ብ25 ነሃሰ 2022 ዳግማይ ዝተባረዐ’ሞ፡ ህግደፍ ኣብ ጐኒ ናይ ኣምሓራ ፋኖ ተሰሊፉ ብወግዒ ዝሕንብሰሉ ዘሎ  ውግእ፡ ብህወሓት ዝምራሕ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ “ዕድመ ስልጣን ኢሳያስ ንምንዋሕ ክብሃል ብኹሉ መዐቀኒ ኣሕዋት ዝኾኑ ህዝብታት ናብ ዘይዛሪ ቂምን በቀልን ንክኣትዉ ህዝቢ ኤርትራ ክፈቅድ ኣይግባእን። እዚ ድማ ንህዝቢ ትግራይ ካብ ምሕላይን ፅቡቕ ካብ ምምናይን ጥራሕ ዘይኮነስ ካብ ዘላቒ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ኣንፃር እውን ክምዘን ዘለዎ ውራይ እዩ።“ ዝበሎ ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። እዚ ማለት ግን  ምስ ገለ ኤርትራውያን ኮይኖም ኣንጻር ልኡላውነት ኤርትራ ዘዳኽሩን ክምከቱ ዝግበኦምን ተጋሩ ባእታታት የለዉን ማለት ኣይኮነን።

ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ኣምሓራ ፋኖ ተመሓዝዩ፡ ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ውግእ ትግራይ ከህልቖም እንከሎ፡ ኣንጻር ህዝቢ ኤርትራ ዝወጠኖ ሕሳብ ኣለዎ። ህዝቢ ኤርትራኸ ናቱ ናይ ድሕነት ሕሳብ ድዩ ክውጥን ወይስ በቲ ናይ  ህግደፍ ሕሳብ’ዩ ክጸድፍ? ብኣፍልጦን ሓላፍነትን ክሓስበሉ ኣብ ዝግበኦ ወሳኒ መድረኽ እዩ ዘሎ እሞ፡ “ዘይሓስብ ኣይንገድኳ ዝበሃል”  ክብል ንጽወዖ።

Last modified on Sunday, 11 September 2022 09:33