Print this page

ድሕሪ ፍሽለት ፈስቲቫላትን ባዓላትን ህግደፍ ከ?

2022-09-03 10:10:24 Written by  EPDF Information Office Published in EPDP Editorial Read 1018 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙናት ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ኣዛረብቲ ኮይኖም ካብ ዝቐነዩ ኣገደስቲ ዛዕባታት ሓደ ፍሽለት ፈስቲቫላትን ባዓላትን ህግደፍ ኣብ ዝተፈላለያ  ሃገራት ኤውሮጳ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። በዚ መሰረት ተረኽቦታት ሽወደን፡ ሆላንድ፡ ጀርመን፡ ስዊዘርላንድ፡ ነርወይን ዓዲ እንግሊዝን ምጥቃስ ይከኣል። ዕላማ ምድላዋት ህግደፍ ዝተፈላለዩ ኣስማትን መልከዓትን ክወሃቦም’ኳ እንተተፈተነ፡ ብዝተፈላለዩ  ኣገዳዲ ኣገባባት  ገንዘብ ካብ ምእካብ፡ ንሓይልታት ተቓውሞ ኤርትራ ዘይስሞም ሂብካ ካብ ህዝቢ ክተርሕቕ ካብ ምፍታን፡ ምስ ጐረባብቲ ህዝብታት ናይ ጽልእን ቅርሕንትን እሾኽ ዝዘርኡ መደረታት ካብ ምቅላሕ ሓሊፉ ካልእ ንህዝብን ሃገርን ዘርብሕ ቁምነገር ኣይነበሮን። ነዚ  ዝተጠቕሰ ሓቀኛ መልእኽቲ ናይቲ ዝፈሸለ ፈስቲቫላትን በዓላትን ንምሽፋን ግና ሙዚቃዊዶ ባህላዊ ምርኢታት  ዝብሉ ምስምሳት ተዋሂብዎ ነይሩ።

ነዚ ንኤርትራዊ ካብቲ ቀንዲ ጉዳይ ሃገሩ ኣልጊሱ፡ ናብ ግዳም ጥራይ ከም ዘመዓዱ ናይ ምግባሩ መደብ፡ እቲ ፍትሒ፡ ቅኑዕ ምምሕዳር፡ ሰላምን ልምዓት ብሂጉ ዘይተዓደለ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይድግፎ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ብፍላይ ከኣ በቲ ዝያዳ ኩሉ ሕብረተ-ሰብ ኤርትራ፡ ግዳይ ወጽዓ ህግደፍ ዝኾነ መንእሰይ ዝለዓለ ተቓውሞ ከም ዘጋጥሞ እቲ ጉጅለ’ውን ዘይጽበዮ ኣይመስለናን። ብግብሪ ከኣ ኣብ ወጻኢ ዝርከብ ኤርትራዊ መንእሰይ ነቲ ኣብ ሃገሩ ደም ዘንበዖን ብዕድሉ ዝተጻወተን ህግደፍ ብዘይተጸበዮ ስልቲ ኣብ መድረኽ ሕጊ ኣብ ምስዓሩን ምስንባዱን ዓብይ እጃም ኣበርኪቱ። እዚ ዘይግበኦ ስም ንዝተዋህቦ መታለሊ ፈስቲቫላት ህግደፍ፡ ኣብ መድረኽ ሕጊ ዘእገደ ኤርትራዊ ተቓውሞ፡ ተቓውሞኡ ካብዚ ፈስቲቫላት  ዝጀመረን ኣብኡ ተደሪቱ ጠጠው ዝብልን ኣይኮነን።  እቲ ዝተራእየ ሕራነ መንእሰያት ካብ ምጽራር  ፈስቲቫል ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ፡ እኩብ ድምር ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ናብ ዲያስፖራ ዝፈስስ ዘሎ ወጽዓ ህግደፍ እዩ። እቲ ንናይዚ ቀረባ ግዜ ተሪር ተቓውሞ ፍሉይ ዝገብሮ ግና እተን ህግደፍ ብጉልባብ ፈስቲቫል ንዓመታት ከደናግረለንን ክዕንድረለንን ዝጸንሐ ሃገራት’ውን ጸረ ህዝብነቱን ዓመጹን  ተረዲአን ብወግዒ ክእግደኦ ምብቀዐን እዩ። እዘን ሃገራት ነቲ ዝቐረበለን ናይ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ምሕጽንታ ተገንዚበን ስጉምቲ ምውሳደን ኣብዚ ዝውሰን ዘይኮነ፡ ድሕሪ ሕጂ ህግደፍ ሕግታተንን ስርዓተንን  እንተዘየኽቢሩ ክቐጽዕኦ ምዃነን መልእኽቲ ዘመሓላልፍ እዩ።

ጉጅለ ህግደፍ  ቅድሚ ሕጂ እውን ተግባራቱ ኣብ ቅድሚ ሕጊ ቀሪቡ ተቐባልነት ከምዘይረክብ ይፈልጥ እዩ። በዚ መሰረት እዩ ከኣ ኣብ ዝኸዶ ሃገር ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ዝኽተል። ነቶም ናይተን ሃገራት ሕግን ኣሰራርሓን ተመርኲሶም ዝበድህዎ  መንእሰያት፡  ናይ ንእስነት ናህሮምን ውዑይ ደሞምን  መዝሚዙ ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ከም  ገበነኛታት ከሲሱ ከቕጸዖምን ከንበርክኾምን ከም ዝፍትን ፍሉጥ እዩ።  በዚ ኣቢሉ ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ ዝበደሎም፡  መጻኢ ህይወቶም ከጽልምትን  ከበላሹን ድሕር ከምዘይብል ርዱእ እዩ። ሰማዒ እንተረኺቡ፡ ኣብ ሃገር ጀርመን ከተማ ጊሰን መደባቱ ምስ ፈሸለ ዘወጣውጦ ዘሎ ወስታታት ድማ ነዚ ዘመልክት እዩ። ስለዚ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ንህግደፍ ረቲዖም መደባቱ ዘፍሸልሉ ንናይተን ሃገራት ሕጋዊ ኣሰራርሓ ክሕልዉዎን ከኽብርዎን ከድልዮም እዩ። ንዓመጸኛ ኣሰራርሓን ጥሕሰትን ጉጅለ ህግደፍ ምድጋም ግና ተመሊሱ ግዳይ ክትከውን ኣፍደገ ስለ ዝኸፍት፡ ብልቦና ምስትውዓሉ ኣገዳሲ እዩ። ምስዚ ብዝተተሓሓዘ፡ ከምቲ ፈጻሚ ሽማግለ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ፡   መበል 11 ስሩዕ ኣኼባኡ ብ27 ነሃሰ 2022 ኣቃኒዑ  ኣብ ዘውጸኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ “ንኹሎም እቶም ነዚ ዓወት ዘመዝገቡ ኤርትራውያን ኣመጒሱ፡ ቃልሶም  ክቕጽልዎ ዘለዎ እምነት ኣረጋጊጹ። ናይተን ቃልሲ ኤርትራውያን ሓይልታት ለውጢ ፍትሓውነት ተገንዚበን ነቲ ፈስቲቫላት ናይ ምስራዝ ስጉምቲ ዝወሰዳ  ሃገራት ኣካላት ጸጥታን ፍትሕን  ኣመስጊኑ ምትሕብባሮም ቀጻሊ ክኸውን ድማ ጸዊዑ።” ዝበሎ ኤርትራውያን ተቓለስቲ መንእሰያት ኮኑ እተን ንዳንኬራ  ህግደፍ ዕድል ዝኸልአ ሃገራት ጻዕሮም ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ።

ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን ወገናት፡ ነቲ ፈስቲቫላት ዘይመልክዑ ሂቦም ከም ናይ ልኡላውነት ምሕላው ድምጺ ዝቃለሓሉ መድረኽ ምውሳዶም ጌጋ ምዃኑ ክርድኡ ይግበኦም። ታራ ባህልኻን ልምድኻን ናይ ምዕቃብ ተልእኮ ዘለዎ ከምዘይኮነ’ውን ክዝንግዑ ኣይግበኦምን። እቲ ከም ናይ ልኡላውነት ተሓላቒ  ዝወስድዎ ዘለዉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ገዛእ ሃገሮም ሰብኣዊ ልኡላውነቶም ግሂሱ ኣብ ዓዲ ጓና ንኽነብሩ ዘገደዶም  ምዃኑ ክእመኑ ግድን እዩ። ባዕሉ ልኡላውነቶም ዝነፈጎም ክነሱ፡  ተጠውዩ “እገለ ናይ እትበሃል ሃገር መንግስቲ ወይ መራሒ  ልኡላውነትካ ክግህስ እዩ”  ክብሎም እንከሎ፡ “ንስኻኸ እንታይ ኢኻ ፈዲኻና?”  ኢሎም ከዋጥርዎ ይግበኦም።

እቶም ኣብ ኣደባባያት ተቓዊሞም ኣብ መድረኽ ሕጊ ረቲዖም መደባት ህግደፍ ዘፍሸሉ ደለይቲ ለውጢ ብሓፈሻ፡ መንእሰያት ድማ ብፍላይ፣ ሃገሮም ጸሊኦም ዘይኮነስ፡ ብሰንኪ ግፍዕን ጭካነን ህግደፍ  ሃጽ ኢሎም ዝተሰዱን ብሰንኪ ስደት ዝሓደሮም ቁስሊ ዘየሕወዩን እዮም። ደገፍቲ ህግደፍ ኢና በሃልቲ ኤርትራውያን ከኣ፡ ደቅኹምን ኣሕዋትኩምን ምዃኖም እናፈለጥኩም፡ ብኣተሓሳስባ ካባኹም ስለ ዝተፈልዩ ህግደፍ “ተጋሩ እዮም፡ ልኡኻት ወያነን ፈጠርቲ ራዕድን እዮም፡ ስርዓት ዝጐደሎም በጋሚዶ እዮም …….ወዘተ” እንተበለኩም፡ እሞ  እንተኣሚንኩሞ “ጡፍ እንተበልካዮስ ናብ ጭሕምኻ” ከም ዝባሃል፡ ደሓር ከጣዕሰኩም እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ናይ ርሑቕ ኮነ ጐረባብቱ ህዝብታት ኣብ ምስናይ እምበር፡ ኣብ ምጽላእ ረብሓ ስለ ዘየብሉ፡ ነቲ ህግደፍ ተጽዕኖ ንምፍጣር ወተሃደራዊ ክዳን ብዘልበሶም ናይ ጸይቂ ልሳናቱ ዝነዝሖ ናይ ጽልኢ መርዚ፡ ንገዛእ ርእስኹም ክትብሉ ንጸግዎ። ነቶም ኣብ ኤርትራ ብቅዋም ዝምራሕ፡ ፍትሒ፡ ዲሞክራሲ፡ ሰላምን ልምዓትን ንክትከል ከም ዝቃለሱ ትፈልጥዎም ተቓወምቲ መንእሰያት ናይ ለውጢ ሓይሊ ብናይ ኣተሓሳስባ ፍልልይ ዘይኮነ፡ ብዓይኒ ጽልእን ክድዓት ሃገርን ንክትርእይዎም ህግደፍ ክጉስጉሰኩም እንከሎ “ስለምንታይ?” ኢልኩም ሕተቱ። እዞም ሎሚ ዘይስሞም ዝወሃቦም ዘሎ መንእሰያት፡ ንህግደፍ ምግልጋል ኣፍልጦን ክብርን ዘየውህብ ኮይኑ እምበር፡ ኣብ ወተሃደራዊ ድዩ ሲቪላዊ መዳያት ዘገልገልዎ ምዃኖም  ኣይትስሓቱ።

ምፍሻል ፈስቲቫላት ኣፍደገ ተወሳኺ ቃልሲ ናብ ዓወት ዘተባብዕ እምበር፡ ናይ መወዳእታ ዓወት ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ኣይኮነን። በዚ ተኸፊቱ ዘሎ ዕድል ኣንጻር ኩሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ሃገርን ዲያስፖራን ዝካየድ ቃልሲ ብቐጻሊ ክሓንን ይግበኦ። ስለዚ ጉዕዞ ሓይልታት ለውጢ ድሕሪ ፍሽለት ፍርስቲቫላትን መደባትን ህግደፍ ናብ ቀጻሊ ቃልስን ዓወትን ክኸውን ይግበኦ። ከምቲ ብመዓር ዝተላዕጠጠ ዕረ እሞ ዝተሳዕረ መደባት ፈስቲቫል ከም ኣገዲድካ ካብ ኣታዊ ኤርትራውያን 2% ምምንዛዕ ዝኣመሰሉ ናይ ዓመጽ መደባት በብሓደ ክብድሁ ይግበኦም። እቶም “ካብ ዓድና ወጺእና ኣብ ስደት ዑቕባ ክንሓትት ዘገደደና ወጽዓ ህግደፍ እዩ”  ክትብሉ ዝጸናሕኩም፡ ሕጂ ኣመጐስቲ ህግደፍ ትኾኑ ዘለኹ፡ ኣካይዳኹም ሳዕቤን ከም ዝህልዎ ብዙሓት ብዛዕባዚ ዓውዲ ዓሚቕ ኣፍልጦ ዘለዎም የጠንቅቕኹም ኣለዉ’ሞ ንድሕነትኩም ክትብሉ እዝኒ ሃብዎም።

Last modified on Saturday, 03 September 2022 12:22