Print this page

እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና

2022-07-30 14:46:47 Written by  EPDP Information Office Published in EPDP Editorial Read 1182 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ብደረጃ ዓለም ክንወዳደር እንከለና ቁጽርና ውሑድ እዩ። ብ2019 ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዝተኻየደ መጽናዕቲ መሰረት፡ ኤርትራ ብብዝሒ ህዝቢ ካብ 233 ሃገራት ኣብ መበል 133 ተሰሪዓ ኣላ።  ኢትዮጵያ ከኣ ኣብ መበል 12 ሰፊራ ንረኽባ። ብደረጃ ኣፍሪቃ ድማ ኤርትራ ካብ 58 ሃገራት ኣብ መበል 40 ኣለና። ጐረቤትና ኢትዮጵያ ድማ 2ይቲ። ውሑዳት ክንስና፡ ንብዙሓት ዝሰዓርናሉ ናይ ጽንዓት ታሪኽ  ኣለና። ቀንዲ ምስጢር ኣንጻር ብዙሓት ናይ ምስዓርና ከኣ ሓድነትና ኣጽኒዕና ምዕቃብና ምዃኑ፡ ንሕና ጥራይ ዘይኮና ብዛዕባ ቃልስና ምእንቲ ናጽነት መጽናዕቲ ዘካየዱ ወገናት ከይተረፉ ዘረጋገጽዎ ሓቂ እዩ።

ንሓድነትና ዘይሃሰዩ፡ ብኣንጻሩ ዘደልደሉ ናይ መንነት ብዙሕነት ሃብታማት ኢና። ኣስላማይ ክስታናይ፡ ወዲ ከበሳ ጓል መታሕት፡ ጓለኣንስተይቲ ወዲ ተባዕታይ፡ ወዲ ገጠር ከተመኛ፡ ኣብ ሃገር ዝነብር ኣብ ወጻኢ ዝቕመጥ፡ ከምኡ ድማ ባህልታትና፡ ቋንቋታትናን፡ ብሄራትናን፡ ብቕኒት ዘሳነየ መሳርሒ ሙዚቃ ጥዑም ዜማ ከም ዝህብ፡ ኣብ ቃልስና ጉልበትን ዓቕምን ዝኾኑና እዞም መርኣያ ብዙሕነትና እዮም። ጸላእቲ በብግዜኡ ካብዚ ብዙሕነትና ንሓደ መዚዞም ብምብላሕ ሓድነትና ከዳኽሙ ዝገበርዎ ፈተነታት ህዝቢ ኤርትራ  በብግዜኡ ኣምኪንዎ እዩ። ህግደፍ’ውን በዚ ሓይልታት መግዛእቲ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ፈቲነሞ ዝተሳዕርሉ ጸረ ሓድነት ስልቲ ይድንድነና ከም ዘሎ ኣብ ልቦና ኩልና ዘሎ እዩ።

በቲ ካልእ ወገን ነዚ ናይ መንነት ብዙሕነትና ሓብሒቡን ዓቂቡን፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከምዘለና ዘርኢ መግለጺ እውን ኣለና። ኣብዚ መዳይዚ ኤርትራዊ ልኡላዊ ዜግንነትና ቅድሚት ይስራዕ። ቀደም ኮነ ሎሚ እቲ ዝወርድ መግዛእትን ወጽዓን ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ዝጨከነ ምንባሩን ጌና ቀጻሊ ምህላዉን ድማ ካልእ ኤርትራውያን ሓደ ምዃና መስካሪ እዩ። ከምቲ ሳላ ንኹሉ ከፋፋሊ መብጸዓታት ነጺግና ብሓባር ዝሰጐምና መግዛእቲ ስዒርና ናጻ ዝወጻእና፡ ሎሚ እውን ካብዚ ዘለናዮ ዘስካሕክሕን ነዓና ሓሊፉ ንዓለምና ዝደንጸወን  ወጽዓ ክንናገፍ፡ እቲ መፍትሒ ኣብ ኢድ ኩልና ምህላዉ፡ ኣብ ሓደ መስርዕ ከም ዘለና ካብ ዘንጸባርቑ ዝርዝር መምዘንታት ወጻኢ ዝረአ ኣይኮነን። ካብዚ ስለ ዝነቐልና ኢና ከኣ “እቲ ወጽዓ ኣብ ኩልና፡ መፍትሒኡ ከኣ ብኹልና” ኢልና እንጭርሕን ንምትግባሩ  እንቃለስን።

ምስጢር ዓወትና ሓድነትና ምንባሩን ምዃኑን ከምቲ ፖለቲከኛታት ወለድና “ኤርትራውያን እቶት ሓደ ዓውድን ጸባ ሓንቲ ላምን ኢና” ዝበልዎ፡ መስካሪ እዩ። ገዛእቲ ኤርትራን ጸላእቲ ህዝባን “ክበልዕ ዝበለ ገደል ኣፉ” ኮይንዎም እንተዘይኮይኑ፡ ወሳኒ ብጽሒት ሓድነትና ካብ ቀደም ይፈልጥዎ እዮም። ህዝቢ ኤርትራ ክሰዓር እሞ ንሳቶም ከምድላዮም ክኾኑ፡ ሓድነቱ ምፍራስ ወሳኒ ምዃኑ ተረዲኦምስ በብግዜኡ ኣብ ኤርትራ ዝገዝኡ ወረርትን ጸረ ዲሞክራሲ ሓይልታትን ክሰርሕሉ ፈቲኖም ግና ኣይተዓወቱን። ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ፡ ዕድል ህግደፍ እውን ካብ ዕድል ገዛእቲ ዘይፍለ ተሰዓራይ ከም ዝኸውን ርዱእ እዩ። ምስዚ ኩሉ፡ ምድኻም ሓድነት ህዝቢ ኤርትራ ሎሚ እውን ካብ ኣጀንዳ ህግደፍ ኣይወጸን። ጉጅለ ህግደፍ ንሓድነት ህዝብና ኣዳኺሙ ኣብ ስልጣን ክነብር ካብ ዝጥቀመሎም ቀንዲ መሳርሕታት፡ ኣብ ሕድሕድ ኤርትራዊ ምትእምማን ከም ዝጠፍእ ምግባር  እዩ። ነዚ  ምጥልላም ናብ ሓንቲ ስድራቤት ከይተረፈ ኢድ ኣእትዩ ዝሰርሓሉ እዩ። ብዙሓት ብተንኮል ህግደፍ ቀልቦም ተሰሊቡ ካብ ሰብኣውነት ዝወጹ ሰለይቲ “ሰበይቱ ኣእሲሩ፡ ሰብኣያ ኣትሒዛ፡ ንወለዱ ኣሕሊፉ ሂቡ፡ ኣብ ልዕሊ እሙን ዓርኩ ጠሊሙን ናይ ቀርባ ቤተ ሰቡ ኣጭውዩ ወይ ኣቕቲሉ”  ዝብሉ ዛንታታት ካብቲ ጨካን ውዲት ናይቲ ጉጅለ ዝነቕሉ እዮም።

ወጽዓ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ኩልና ኤርትራውያን ወሪዱ ዘሎ እዩ። እቲ ጉጅለ፡ ንሓንሳብ ምስ ከበሳ ኮይኑ ኣንጻር መታሕት፡ ንሓንሳብ ምስ ኣስላም ኮይኑ ኣንጻር ክርስትያን፡ ካብዚ ሓሊፉ ምስ ተጋደልቲ ነበር ኮይኑ ኣንጻር ሲቪል …..ወዘተ፡ እናኾነ፡ በብመድረኹ ብምግልባጥ፡ ዘካይዶ ምልዕዓል ናይ ሓሶት እዩ። ንሱ መንነቶም ብዘየገድስ፡ ምስ ንጸረህዝብነቱ ኣሜን ኢሎም ዝቕበሉ “እሙናት” ምስ ዝብሎም ዝተደናገሩ ወገናት ጥራይ እዩ ዝስለፍ። እቶም ዝድግፍዎ ወይ ካብ ኣፍንጨኦም ኣርሒቖም ዘይርእዩ  ንእኩይ ተግባሩ ዘይተረድኡ ወይ እናረኣዩን እናሰምዑን ኣንጻር ረብሓኦም ዝተሰለፉ ኒሕ ዘየብሎም እዮም። ህግደፍ ግና ኩሉ ግዜ ህግደፍ እዩ። ደጋዊ ሕብርታቱ እንተዘይኮይኑ ሓቀኛ ትሕዝቶኡ ኣይቅይርን እዩ።

ናይ ህግደፍ መደናጋሪ ኣቀራርባ ኣብ ኤርትራውያን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ብግቡእ ዘይተረድእዎ ዘይኤርትራዊ ወገናት እውን ንሓንሳብ ብሃይማኖት ንሓንሳብ ድማ ብኣውራጃ ናይ ውሱን ኩርናዕ ፈታዊ ወይ ጸላኢ መልክዕ ከትሕዝዎ ይፍትኑ እዮም። በዚ ተዓሽዮም ትሕቲ ሃገራውነት ንምስዓር ብትሕቲ ሃገራውነት ንዝውደቡ ከተባብዑ ፈቲኖም ዘይተዓወቱ ምንባሮም ከኣ ኣብ ተመኩሮና ዝተራእየ እዩ።

እቲ ካልእ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቅድሚ እቶም ኣንጻር ወጽዓ ዝተሰለፍና ዘሎ ዘይሕበል ሓቂ፡ እቲ ወጽዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ መፍትሒኡ እውን ብኹልና ዝመጽእ ምዃኑ እዩ። እቲ ንህዝብና ኣደዳ ኩሉ ዓይነት መከራን ስደትን ኣቃሊዕዎ ዘሎ ምምሕዳር ህግደፍ ክውገድ ኣይኮነንዶ ናይቶም ኣንጻር ህግደፍ ንቃለስ ዘለና ናይቶም ደገፍቱ ከይተረፈ ትጽቢትዩ ኢልካ ምድምዳም ዘጸግም ኣይኮነን። ነቲ ክኾነልና እንጽበዮ ኣብ ምትግባር ዘለና ድልውነትን ቅሩብነትን ግና፡ ትሕቲ’ቲ ክኾኖ ዝነበሮ ምዃኑ ዝሕባእ ኣይኮነን። ተፈትወ ተጸልአ ግና “እቲ ሽግር እንዳ ኹልና፡ መፍትሒኡ ድማ ብኹልና” እዩ።

ኣብ ታሪኽና ሓድነት ህዝብና ብውዲት ገዛእቲ ዘይተበተነ፡ ዝቕበሎ ኤርትራዊ ባይታ ስለ ዘይረኸበ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ህግደፍ ሓድነትና ንምክፍፋል ዝገብሮ ዘሎ ፈተነ፡ ንሕና ባይታ እንተዘይፈጢርናሉ መኺኑ ከም ዝተርፍን ውድቀቱ ከም ዝቀላጠፍን ፍሉጥ እዩ። “ህግደፍ ዕድሜኡ ነዊሑ ዘሎ፡ ብሳላ ብቕዓቱን ህዝባዊ ተቐባልነቱን ዘይኮነ፡ ብሰንኪ ድኽመት ናይቶም ኣንጻሩ ንቃለስ ዘለና እዩ” እንብል ድማ ካብዚ ሓቂዚ ብምንቃል እዩ። ነዚ ህዝብና ዘሳቕን ብክብርና ዝዋገን ዘሎ፡ ጉጅለ ትንፋስ ዝሰኹዓሉ ዘሎ ሃጓፍ እነወግዶ፡ ሓድነትና ኣንጻር ወጽዓን ጭቆናን  ከነሕይል እንከለና ጥራይ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Saturday, 30 July 2022 16:49