Print this page

ዘዝጀመርካዮ፡ ናይ ዘይምፍጻም ሕጽረት

2022-06-05 06:47:46 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1322 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ሐደ መስርሕ ካብ ምጅማሩ ምፍጻሙ ከም ዝኸብድ ፍሉጥ እዩ። ከምኡ ካብ ዝኾነሉ ምኽንያት ሓደ ክትጅምር እንከላኻ ካብ ዝረአን ዝስማዕን ነቒልካ፡ ኣብ ኢድካ ዘሎ ዓቕሚ መዚንካ፡ መጀመሪ ግዜ ባዕልኻ  ወሲንካ ዝውሰድ ስጉምቲ ምዃኑ እዩ።  ኣብቲ መስርሕ ግና ክትጅምር እንከለኻ ዘይረኣኻዮም ወይ ኣብ ግምት ዘየእተኻዮም ምዕባለታት ስለ ዘጋጥሙን መፍትሒ ክትረኽበሎም ናይ ግድን ስለ ዝኸውንን ኣብቲ ዝኣመትካዮ መወዳእታ ምብጻሕ ቀሊል ኣይከውንን። እንተኾነ ምናልባት ዘይተጸበኻዮ ዋጋ ዘኽፍልን ዘይሓሰብካዮ ግዜ ዝወስድን ደኣ ይኸውን እምበር ኩሉ ዕንቅፋታት መኪትካ ኣብ መወዳእታ ምብጻሕ ዘይከኣል ኣይኮነን። እቲ 30 ዓመታት ዝወሰደን ብብዙሓት በዳህቲ መድረኻት ሓሊፉ ዝተዓወተን ቃልሲ ኤርትራውያን ንናጽነት  ናይዚ ኣብነት ጌርካ ዝውሰድ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ነካይዶ ዘለና ንናጻን ልኡላዊትን ሃገር ኤርትራ ሓርነት ናይ ምልባሳ ጉዕዞ ቃልሲ፡  ዘጋጥሙና ጸገማትን ሕጽረታትን ብዙሓት ኢዮም። ሸርሕታት ጉጅለ ህግደፍ ብዓብዩ ኮይኑ፡  ዘሰማምዑና ዓበይቲ መሰረታዊ ዛዕባታት እናሃለዉና፡ ንዓኣቶም እነዕውተሉ ዘተኣማምን ሓባራዊ መቃለሲ መድረኽ ክንፈጥር ዘይምብቃዕና ድማ ካልእ  እዩ። እቲ ዘይምብቃዕ ንኣገዳስነቱ ተገንዚብና ዘይምጅማሩ ኣይኮነን። የግዳስ ነቲ ዝተጀመረ ተበግሶ ተኸታቲልና ኣብ መፈጸምትኡ ከነብጽሖ ዘይምኽኣል ኢዩ። ርሑቕ ከይከድና ካብ 1998 ንደሓር ዝሓለፍናዮ ተመኩሮ፡ ምትእኽኻብ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ምሕዝነት ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ፡ ኤርትራዊ ዲሞክራሲያዊ ኪዳን፡ ኤርትራዊ ሃገራዊ ባይቶ ንዲሞክራስያዊ ለውጥን ካለኦት ኣብ መስርሕ ዝተኾልፉ ንኡሳን ምቅርራባት ውዳበታትናን  ናይዚ ኣብነት እዮም። እንተኾነ ብዙሓት ዘይተዓወቱ ፈተነታት ነሕልፍ’ምበር፡ ኣብ ዘሰማምዓካ መሰረታዊ ጉዳያት ብውሕዱ ኣብ ንኡስ መደብ ኣትኪልካ፡ ብሓባር ምቅላስ ካልእ መተካእታ ስለ ዘየብሉ በቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይምዕዋት ተስፋ  ከይቆረጽና፡ ናይ ሓባር ጽላል ንምርካብ ሃሰስ ካብ ምባል ዓዲ ኣይወዓልናን። እሞ ኣብቲ ናይ ሎሚ ጻዕርናኸ ካብቲ ዝሓለፈ፡ እናተጀመረ ኣብ መወዳእታኡ ከይበጽሐ ክኹለፍ ዝጸንሐ ተመኩሮ ተማሂርናዶ ኣይተመሃርናን? ብጽሞና መዚና ክንምልሶ ዝግበኣና ሕቶ እዩ።

ኣብዚ ሎሚ ሒዝናዮ ዘለና መስርሕ ምፍጣር ጽላል፡ ብመንጽርቲ ሃብታም ተመኩሮና ክንድቲ ካብቲ ዝሓለፈ ክንመሃሮ ዝነበረና ከምዘይተመሃርና ዘርኢ ምልክታት ኣሎ። ግን ድማ ምሉእ ብምሉእ ተስፋ ዘቑርጽ ኣይኮነን። ናይ ሓባር ጽላል ክንምስርተሉ ዝግበኣና ዝነበረ ግዜ ምድጓዩ  ግና ብሩህ እዩ። ካብ ሕጂ ንድሕሪት ምስቲ ዝረአ ዘሎ ናይ ቀረባን ርሑቕን ቅልጡፍ ምግልባጥ ፖለቲካዊ ማዕበል እንተዘይተቐላጢፍና፡ እቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ዕድል ንሓዋሩ ከይጠፍኣና ዘየስግእ ኣይኮነን። ካብቶም ኣብ መስርሕ ሓድነት ክረኣዩ ዝጸንሑ ድኽመታት፡ ሰፊሕ ሓቛፊ ጽላል ወጢንካ ከተብቅዕ፡ ኣብቲ መንጎ ናእሽቱ ምርጫታት ምውሳድ ሓደ እዩ። እቶም ጐናዊ ናእሽቱ ምርጫታት ነቲ ናብ ሓባራዊ ሰፊሕ መድረኽ ናይ ምምጻእ ውጥን ዘይዕንቅፉ ክኾኑ እንከለዉ  ከም ተወሳኺ ዓቕሚ ክተባብዑ ዝግበኦም እዮም። ብኣንጻሩ መተካእታ ናይቲ ኣብ መስርሕ ዘሎ ዝሰፍሓ ዓቕሚ ክጥርንፍ ዝግበኦ ውጥን ኮይኖም ክቐርቡ እንከለዉ ግና፡ ዓንቀፍቲ ምዃኖም ስለ ዘይተርፍ ዝተባብዑ ኣይኮኑን። ስለዚ ኣብዚ ዝሰፍሐ መድረኽ ክንፈጥር ኣብ መስርሕ ዘለናሉ እዋን ኩሎም ብደረጃ ኤርትራዊ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ማሕበራትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝውሰዱ ናይ ምቅርራብ ስጉምትታት ነቲ ዝዓበየን ዝሰፍሐን ውጥን ብዘይዕንቅፍሉ ቅዲ  ክተሓዙ ኣገዳሲ እዩ።

ኣብዚ ከም ሓደ መሰረታዊ መንገዲ ዓወት ናይ ሓባር ጽላል ክንፈጥር ተጸሚድና ዘለናሉ ህሞት፡ መበገሲና እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብለንደንን ሚኒሶታን ዝነቐለ ሰፊሕ ጽላል ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) ምምስራት እዩ። ኣብዚ መስርሕዚ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕጂ ዘይዕዉት  ተመኩሮታትና ውሱን ትምህርቲ ወሲድና ዝሰጐምናዮ ርሕቀት ከም ዘሎ ብሩህ እዩ። ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ዘይምጽልላም፡ ትጽቢት ነዊሑ ኢልካ ኣብ ክንዲ ካብቲ ጉዕዞ ምብኳር እኹል ግዜ ንክትህቦ ምዕጋስ፡ ሓሓሊፉ ናይ ሓባር መልእኽቲ ከተስምዕ ምፍታን ክምጐሱን ናብ ዝበረኸ ደረጃ ክዓብዩን ዝግበኦም ውጽኢት እዮም።

“ስለምናትይ እዩ ናይ ሓባር መቃለሲ መድረኽ ምውናን ክሳብ ክንድዚ ኣድላይ ዝኸውን?” ዝብል ሕቶ መልሱ ርዱእ ኣብ ርእሲ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ብብዙሓት ወገናት ዝተባህለን ዝተጻሕፈን እዩ። “በበይንኻ ብጸላኢ ከይትጥቃዕ፡ ፋሕ ዝበለ ሰብኣውን ነገራውን ዓቕምኻ ጠርኒፍካ ኣንጻር ህግደፍ ተዛሪቡ ዘስምዕን ወቒዑ ዘድምዕን ዓቕሚ ንምፍጣር፡ ድሕሪ ውድቀት ህግደፍ ናይ ዝምስረት ብዙሕነታዊ ምምሕዳር ባይታ ምንጻፍ …… ወዘተ” ኣብ ዝርዝር ናይቲ ሰፊሕ መልሲ ካብ እንረኽቦም እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ብሓባር ክንቃለስ  ምኽኣልና ናይቲ በበይንና ብምዃና ዝሻቐልን ወትሩ ብሓባር ክንቃለስ ዝምሕጸነናን ህዝብና ድምጺ ናይ ምስማዕ ኣካል’ውን እዩ።  ብዘይካኡ ኣብ ቅድሚ መዛምድትና ኣብ ክንዲ “ኣየናይ ውድብ ወይ ሰልፊ ምዃና ምፍላይ ክሳብ ዝስእኑና” ፋሕ ኢልና ንቐርብ፡ ንኹልና ብዝውክለና ኣካል ክንቀርብ እንከለና ዝያዳ ሰማዒ ከም እንረክብ ነናይ ገዛእ ርእስና ዲፕሎማሲያዊ ተመኩሮ ዘርኣየና ሓቂ እዩ።

ናብዚ ንዛረበሉን ንቃለሰሉን ዘለና ናይ ሓባር  መድርኽ ክንበጽሕ እቲ መንገዲ ልሙጽ  ከም ዘይኮነ ንሓልፎ ዘለና ህይወት መስካሪ እዩ። ምኽንያቱ ንብዙሕ መግለጺ ብዙሕነታትና ኣሰማሚዕካ ድምጾምን ስጉምቶምን ሓደ ከም ዝኸውን ንምኽኣል ዝኽፈል ዋጋ ስለ ዝሓትት። እቲ ዝኽፈል ዋጋ ግና ቅርቡነት እንተልዩ ባዕልና እንኽእሎ’ምበር ናይ ካልእ ኣካል ሓገዝ ዝሓትት ኣይኮነን። ካብ ጸቢብ ውደባ ወጺእካ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ቅድሚት ምስራዕ፡ ጸዋርን ሓዳግን ምዃን፡ ቀዳምነታትካ ብንጹር ምስራዕ፡  ኣጀንዳታት ትማሊ፡ ሎምን ጽባሕን ዘይምዝብራቕ፡ ኣብ ክንዲ በቲ ጽባሕ ኣብ ህዝባዊ መድረኽ  ዝፍታሕ ፍልልይ ምጥምማት በቲ ሎሚ ዘሰማምዓካ ምቅርራብ፡ ካብቶም ክኽፈሉ ዝግበኦም ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፍና ዘለዉ ዋጋታት እዮም።

ኣብዚ ብሓፈሻ ዓለምና ብፍላይ ከኣ ከባቢና ኣዝዩ ይሕቆን ኣብ ዝሃለወሉ እዋን፡ ኣሰላልፋና ኣበይ ምዃኑ ምፍላጥን ዘዋጸኣና መንገዲ ምልላይን ክሳብ ክንደይ ወሳኒ ምህላዉ ርዱእ እዩ። ከቢቡና ዘሎ ምዕባለታት ሱዳን፡ ሶማሊያ፡ ስግር ኢልካ ናይ የመን፡ ብዝያዳ ድማ ናይ ኢትዮጵያ/ትግራይ ብጥንቃቐን ኤርትራዊ ረብሓ ብዘማእክልን ንምርዳእ ብሓባር ምስጓም ዘይስገር ምዃኑ እዩ ዘርእየና። ኣብዚ ዕዉታት ክንከውን ከኣ፡ ኣብ ክንዲ ተሰናቢድና ናብ ሓድሽ ኣጀንዳታት ምእታው፡ ኣብቲ ጀሚርናዮ ዘለና መስርሕ ምምስራት ሰፊሕ ጽላል ዕዉታት ምዃንን ካብኡ ብዝፍጠር ናይ ሓባር  ዓቕሚ ንኹሉ ምግጣሙን ወሳኒ እዩ።

Last modified on Sunday, 05 June 2022 08:54