Print this page

ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ውሽጣዊ’ምበር፡ ግዳማዊ ኣይኮነን

2022-05-09 19:09:21 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1058 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ኩለ-መዳያውን ነዊሕ ዝዕድመኡን ጸገም ህዝቢ ኤርትራ እንታይ እዩ? ጠንቁኸ መን እዩ?” ናይ ዝብል መሰረታዊ ሕቶ መልሲ ሰፊሕን ዝርዝራውን ኮይኑ፡ ብሓፈሻኡ ውሽጣውን ግዳማውን መልክዕ ከም ዝህልዎ ርዱእ እዩ። ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ክንብል እንከለና፡ ማዕረ መሰረታዊ መንቀሊ፡ ተጽዕኖን ክብደትን ኣለዎም ማለትና ኣይኮነን። ኣየናይ እዩ እቲ ቀንድን ወሳንን ክበሃል እንከሎ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብኸምቲ ክኾኖ ዝግበኦ ዘይኮነ፡ ብኸምቲ ክኾነሉ ዝደልዮ ጌሩ ክሰርዖ ከም ዝጸንሐ፡ ብተግባር ዘርኣየናን ዘርእየና ዘሎን እዩ።

ውሽጣዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ዲክታቶርነት ዝወለዶ ኮይኑ፡ ካብ ብኩራት ሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር ጀሚርካ፡ ክሳብ  ግህሰት ኩሉ ዲሞክራስያውን ሰብኣውን መሰላት ሱር ሰዲዱ ዘሎ እዩ። ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኣዝዩ ብዘተሓሳስብ  ደረጃ ሳዕሪሩ ዘሎ፡ ስግኣት፡ ገደብ ምንቅስቓስ፡ ሕድሕድ ዘይምትእምማን፡ ድኽነት፡ ስእነት ማሕበራዊ ኣገልግሎት፡ ፍርሒ፡ ምምዝባል፡ ስደት፡ ኣብ ዝኣመንካሉ ዘይምምላኽ፡ ዘይግሉጽነት፡ ዘይትካላውነት  ወዘተ ኩሎም መርኣያ ክብደት ናይቲ ዘሎ ውሽጣዊ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ እዮም። ብሓጺሩ ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ ኣብ ኤርትራ “እንታይ ውሽጣዊ ጸገም ኣሎ?” ኢልካ ኣብ ክንዲ ምሕታት፡ “እንተይከ  ዘየጸግመ ኣሎ?” ኢልካ ምሕታት ከም ዝቐልል ርኡይ እዩ።

ምምሕዳር ህግደፍ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገም ዘፍትሕ ስእነት ዓቕምን ሕጽረት ግዜን ኣይኮነን ዘለዎ። ብባህሪኡ  ህዝቢ ኤርትራ ጸገማቱ ተፈቲሕሉ ሞሳን ጻማን ናይቲ ብቃልሱ ዘምጸኦ ናጽነት ክረክብ የብሉን ዝብል ኣዝዩ ስሱዕን ጨካንን ውሳነ እዩ ዘለዎ። እቲ ጸገም ናይ ዓቕሚ፡ ግዜን ገንዘብን ነይሩ እንተዝኸውን፡  ህዝቢ ኤርትራ ዕድል እንተዝረክብ ናይ ካልእ ኣካል ሓገዝ ከይተጸበየ፡ መብዛሕትኡ ውሽጣዊ ጸገማቱ ክፈትሓሉ ዝኽእል  ቅሩብነትን ዓቕምን  ኣይመሰኣነን። በመሰረቱ ከኣ ናጽነቱ ብመሪርን ነዊሕን ቃልሲ ኣብ ምርግጋጽ ዓለም ዘደንጸወ ቅያ ዝሰርሐ ህርኩት ህዝቢ፡  ሃገሩ ኣብ ምህናጽ ይሓምቕ ኢልካ ዝግመት ኣይነበረን ንመጻኢ እውን ኣይኮነን።

እቲ ጉጅለ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ማሕበራውን ጸገማት ምፍታሕን ዘይምፍታሕን ምስ ምቕጻል በይናዊ ምልካዊ ስልጣኑ እዩ ዘተሓሕዞ። እቲ ጥልመቱ ኣብ ምብሓት ስልጣን ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ጸጋን ሃብትን ሃገር ኣብቲ ጸቢብ ስልጣን ኣብ ምቕጻልን ምሕላውን ዘገልግል ዓንኬል ከም ዝድረት ናይ ምግባር ውጥን  እውን ኣለዎ። ነዚ ንክጥዕሞ ከኣ ንኹሉ ጉዳያት ሰላም፡ ልምዓትን ዲሞክራስን ክጸውር ብዘይክእል ኣገባብ ይውድቦ።

ከምቲ ግቡእ ኤርትራዊ ውሽጣዊ ጸገማት ብህዝቢ ብመልክዕ ሕቶ ናብ መንግስቲ ክቐርብ እሞ መንግስቲ ሓላፍነት ወሲዱ ግብራዊ መልሲ ክህበሉ ምተገብአ። ብኣንጻሩ ኣብ ኤርትራ ክንዕዘቦ ዝጸናሕናን ሎሚ እውን ዘይተቐየረን፡ ካብ ንቡር ወጻኢ እቲ “መንግስቲ እየ” በሃላይ እዩ ነቲ ባዕሉ ክፈትሖ ዝግበኦ ዝነበረ ጸገማት ኣጸባቢቑ ከም ሕቶ ናብ ህዝቢ ዘቕርቦ። ናይቲ ፍታሕ ከቕርብ ዝግበኦ ዝነበረ ምምሕዳር ዓብይ ግደ ከኣ ነቲ ድሮ ህዝቢ ኣቕሪብዎስ መልሲ ምስ ሰኣነሉ ተስፋ ቆሪጹ ዝገደፎ ሕቶታት ኣመላኺዕካ ምቕራብ ኮይኑ ክንዕዘቦ ጸኒሕና። “ኣብ ኤርትራ ብዛዕባ ቁጠባ እንዛረብ ኣበይ ዘሎ ቁጠባ እዩ?፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፋብሪካታት ሎሚ ምልክቱ ኣበይ ኣሎ?፡ ሉል ወደባዊት ከተማ ምጽዋዕ ትበሃል ዝነበረት ሎሚ ኣበይ ኣላ?” ካብቶም ህግደፍ ብመራሕቱ ኣቢሉ ተገልቢጡ ህዝቢ ንምውጣር ዘቕርቦም ሕቶታት እዮም።  ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ እቲ መላሳይ ክኸውን ዝተጸበዮ ኣካል ተገልቢጡ ሓታታይ ኮይኑ ምስ ረኸቦ፡ በቲ ኩነታት ብምግራምን ተስፋ ብምቑራጽን “ሓሚምካ ተኸድካዮስ ሞይቱ  ዝጸንሓካ” ካብ ምባል ሓሊፉ ካልእ ዝብሎ የብሉን።

ምምሕዳር እቲ ጉጅለ፡ ንውሽጣዊ ጸገማት ህዝቢ ኤርትራ ዘይምፍታሑ ምኽኑይ ንምምሳል ካብ ዝጥቀሞ ሜላታት፡ እቲ ቀንዲ ዕንቅፋት ተጽዕኖ ግዳማዊ ጸላእቲ ዝፈጠሮ ከም ዝኾነ ኣምሲሉ እዩ ዘቕርቦ። ኣብዚ ወያነ፡ ምምሕዳር ኣመሪካ፡ ምዕራባውያን ንሓንሳብ እውን ሃገራት ኣዕራብ ሓጥያተኛታት ኣምሲልካ   ምቕራብ ልማዱ እዩ። ብመሰረቱ ግና ውሽጣውን ግዳማውን ጸገማት ከከም ኣመጻጽእኦምን ክብደቶምን ተታሒዞም ዝፍትሑ እምበር፡ ነቲ ሓደ ጠጠው ኣቢልካ ነቲ ካልእ ብምንቅስቓስ ዝመሓደሩ ኣይኮኑን። መናልባት እውን ውሽጣዊ ጸገማትካ ዝያዳ ቆላሕታ ሂብካ ብግቡእ ብምፍታሕ ህዝብኻ ብዕግበት ኣብ ጐንኻ ኣሰሊፍካ፡ ኣብ መኸተ ግዳማዊ ጉዳያ ዝያዳ ዓቕሚ ዝፈጥር እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ግዳማዊ ጉዳይ እተጥርዮ ዓቕሚ እውን ኣብ ምፍታሕ ውሽጣዊ ጸገማትካ ናቱ ግደ ይህልዎ።  ጉጅለ ህግደፍ ግና ካብ ምፍታሕ ዘቤታዊ ጸገማት መህደሚ ንክኾኖ ስለ ዝደሊ፡ ነቲ ግዳማዊ ዝብሎ ጸገማት  ወይ ባዕሉ ይፈጥሮ ወይ ከኣ ነቲ ዝተፈጥረ ዝያዳ የንበድብዶ። ምስ ጐረባብቲ ከሳውሮ ዝጸንሐ ጌና ክሳብ ሎሚ እውን ዘይገድፎ ምስሕሓባት ንኤርትራን ህዝባን ዘድልዮም ኣይነበረን። ሓልዮት ህዝብን ሃገርን ዘለዎ ምምሕዳር ኣይኮነንዶ ኮነ ኢሉ ህውከት ክጽሕትር፡ ደፊኡ ክመጾ እንከሎ እውን፡ መጻኢ ህዝቡን ሃገሩን ኣብ ግምት ኣእትዩ እዩ ብሓልዮትን ጥንቃቐን ዝሕዞ።

ካብዚ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ምፍታሕ ኤርትራዊ ዘቤታዊ ጸገማት ኣርሒቑ ንምህዳምን ላዕሊላዕሊ ብምርኣይን ንዘሊልካ ጣልቃ ኣታውነትን ምስፍሕፋሕ ግዳማዊ ጸገማትን ከም ፖሊሲ እዩ ዝወስዶ። ሎሚ እውን ኣብዚ ከባብና ከካይዶ ካብ ዝጸንሐ ህውከት ጻሕታርነት ኣብ ክንዲ ምምሃር፡ ክሳብ ሩሲያን ዩክረይንን ኣርሒቑ ዘማዕድዎ ዘሎ ዘይሩዘይሩ ንኤርትራዊ ውሽጣዊ ጸገማት ዝያዳ ዝሓላልኽ እዩ። ምኽንያቱ እዚ ጉዳይዚ እንዳ ገደደ ክኸይድ እንከሎ ንህልዊ ውሽጣዊ ጸገም ህዝቢ ኤርትራ ዘይፈትሕ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካልእ ተወሳኺ ጸገም ዘስዕበሉ ስለ ዝኾነ። ስለዚ ኤርትራውያን ዋላውን እንተዘይተቐበሎ ንታሪኽ ንክምዝገብ ንህግደፍ ብትሪ “ኣብ ግጉይ መንገዲ ኢኻ ዘለኻ”  ምባሉ የድሊ። ደድሕሪኡ እናኸድካን ዘዝደረፎ እናደረፍካን ናይ ሞራል፡ ጉልበትን ንዋትን ደገፍ ምሃቡ ግና ጽባሕ ጣዕሳኡ ዘይወጽእ “በደል” ምዃኑ ከስተውዕል ኣብ ዝግበኣና  ወሳኒ ግዜ ምህላውና ነስተብህል።

ህዝቢ ኤርትራ ጸገሙ ውሽጣዊ’ምበር፡ ግዳማዊ ኣይኮነን

Last modified on Monday, 09 May 2022 21:14