Print this page

ክበኹረና ዘይንደልዮ፡ ንኻለኦት’ው ከይበኹሮም!

2022-04-02 08:28:09 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 961 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኤርትራውያን ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ቃልሲ እነወግዶን ኣብ ክንድኡ እነቕርቦ መተካእታን ኣለና። እቲ እንቃወሞን ክውገድልና እንቃለሰሉ ዘለናን፡ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምምሕዳር፡ ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ  ውክልና ዘየብሉ መንግስቲ፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ኣብ ምልክት ሕቶ ዘውድቕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝመሰረቱ ግጉይ ፖሊሲ ዝምድናታት፡ ምግሃስ መሰላት ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምውዳብ፡ ዝኣመንካሉ ሃይማኖት ምኽታል፡ እንዳበልካ ዝጥቀስ ነዊሕ ዝርዝር ዝሓዘ እዩ። እዚ መግለጺ ወጽዓታት ኣብ ልዕሊ ህዝብናን ሃገርናን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ልዕሊ ካልእ ህዝብን ሃገርን ክወርድ እውን ዘይንድግፎ  እዩ።

እቲ እንድግፎን ንምርግጋጹ እንቃለሰሉን ብኣንጻርቲ ንምውጋዱ ንቃለሶ ዝግለጽ ኮይኑ፡ ብርትዓዊ ዲሞክራስያዊ ተሳትፎ ህዝቢ ኤርትራ ዝጸደቐ ሕገመንግስቲ ዝቕለስ ኣገባብ ምምሕዳር፡ ብዲሞክራስያዊ ኣገባብ ዝተመርጸ ብድምጺ ህዝቢ ዝድይብን ዝወርድን መንግስቲ፡ ኩሉ መሰረታዊ መሰላት ዘውሕስ፡ ኣብ ገዛእ ሃገርካ ቁጠባዊ ተጠቃምነትካ ዘረጋግጽ ፖሊሲ፡ ቀንዲ ማእከሉ ህልውና ሃገርን ረብሓ ህዝባን ብዝኾነ ፖሊሲ ዝምራሕ ጣልቃ ኣእታውነት ዝነጽግ ዝምድናን ዝኣመሰሉን መሰረታዊ ጉዳያት ኣፍልጦ ዝህብን ብኣኡ ዝምራሕን ሃገረ-መንግስቲ ክህልወና ኢና ንደሊ።

እዞም ኣብ ኤርትራ ክረጋገጹልና እንቃለሰሎም ዘለና መሰረታዊ ዕላማታት፡ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ክድረቱ ኣይኮነን ራኢና። ብኣንጻርዚ ምእንቲ ናይ ኤርትራ ልኡላውነትን ክብሪ ህዝባን “እቃለስ ኣለኹ” ኣንዳበልካ፡ ናይ ካለኦት ልኡላውነትን ክብሪ ህዝብን ምግሃስ ወይ ንዝግህሱ ምድጋፍን ምትብባዕን ቅኑዕ ኣይኮነን። ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዘስዕቦ ዘሎ ጉድኣትን ኣብ ጉዳይ ዩኩረይን-ሩሲያ ኣንጻር ልኡላውነት ዩክረይንን ሰብኣውነት ህዝባን ምስላፉ፡ ብጽሞና መዚንካ ኣንጻር ህግደፍን ዘይሓላፍነታዊ ተግባራቱን ምስላፍ እቲ ቅኑዕ መንገዲ እዩ። ምስ ልኡላውነትን መሰል ህዝብን ካለኦት ሃገራት ዝግህስ ጉጅለ ኢሳያስ ምስላፍ ግና፡ “እምበርከ እቲ ልኡላውነት ኤርትራን መሰል ህዝባን እድግፍ እየ” ዝብል መርገጽካኸ ናይ ልቢ ድዩ? ዝብል ሕቶ ዘኸትል እዩ። ኣብ ርእሲዚ ኣብዚ እዋንዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ጣልቃ ምእታዉ ከይኣኽሎ፡ ምስቶም ክሳብ ሕጂ ናጽነት ኤርትራ ዘይተዋሕጠሎም ንቀይሕ ባሕሪ ብጐቦ ዓይኖም ካብ ምጥማት ዓዲ ዘይወዓሉን ልኡላውነት ኤርትራ ንዝተቐበሉ ምእንታኡ ንዘበርከቱን ኣካላት ብኽድዓት ዝኸሱን ኣካላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣምሓራ ነብሱ ንምድሓን ጥራይ፡ እስትራተጅያዊ ምሕዝነት ንኽፈጥር ዕንይንይ ይብል ንዘሎ ህግደፍ ምድጋፍ ኣብ ካልእ ዝርዝር ከይኣተኻ ዘሕፍር እዩ። ነዚ ሓደገኛ ተግባር እንዳመረቕካ ብሉኡላውነት ኤርትራ ምምሓልን ምጥሓልንከ እንታይ እዩ ትርጉሙ።

ኣብ ጉዳይ ልኡላዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ማንም ኢድ ከየእቱ እንዳበልካን ንኣሜርካን ሃገራት ምዕራብን ይዘርያኒ ኣለዋ ኢልካ  ወገሐ-ጸበሐ እንዳኸሰስካን ንምቅዋሙ እንዳተሰለፍካን ንናይ ህግደፍ ኣብ ትግራይ፡ ኣምሓራ፡ ዓፋርን ካልእ ከባብታት ኢትዮጵያን ኬድካ ብዕድል ኤርትራውያን መንእሰያት ምጥላዕን ቅኑዕ ኢልካ ምድጋፍ፡ ኣብ ሕድሕዱ ዝዋቓዕን ብተንኮላት ህግደፍ ናይ ዝዓወኑ ኣካላት ግጉይ ምርጫን ጥራይ እዩ። ንናይ ካለኦት ልኡላውነት ምጥሓስ ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ ዝውሰድ ስጉምቲ እዩ ምባል ከኣ ኣዝዩ ኣገራሚ እዩ።

“ህግደፍ ዝብሎን ዝገብሮን ኩሉ ግዜ ቅኑዕ እዩ”  ዝብል ዘይመራመር፡ ዕዉርን ሓደገኛን መርገጽ ናይ ጥዕና ከምዘይኮነ ዋናታቱ እውን ብምስምሳት ደኣ ይሸፋፍንዎ ይኾኑ እምበር ይስሕትዎ እዮም ዝበሃል ኣይኮነን። ከምዚ ዓይነት ዘይዕቱብ ኣካይዳ ቅድሚ ንካለኦት ንኤርትራን ህዝባን ዝሃሲ፡ ዘጽርፍን ካብ ቃልሶም ዘሰናኽልን እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ናይዚ ኣበሃህላ ሓደገኛ ሳዕቤን በብግዜኡ ይርደኦ ስለ ዘሎ፡ መታለሊ ምህዞ ህግደፍ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ ተሰዓሪ እዩ።  ህግደፍ ግና ናይ ህዝቢ ርኢቶን ስምዒትን ኣብ ግምት ካብ ምእታው ዝረሓቖ ስለ ዝኾነ፡ ክሳብ ግዜ ዕርበቱ ካብ ፖሊሲ “ዋላ ትንፈር እምበር፡ ጤል እያ”  ኣይክወጽእን እዩ።

ህግደፍ ናይ ህዝቢ ስምዒት መዝሚዙ፡ ንምጥላዕ ንይምሰል  ካብ ዝጥቀመሎም ኣምራት ሓደ ምዕቃብ ልኡላውነት ሃገር  እዩ። ንዘይሓላፍነታዊ ስጉምታቱ ንዘየጣቕዕሉ ወገናት ድማ፡ ከም ጸረ ልኡላውነት ኤርትራ ኣምሲሉ ብምስኣል ንኹሎም ጸረ ህዝቢ ስራሓቱ“ምእንቲ ልኡላውነት” ዝብል መልክዕ የትሕዞም። ንልኡላውነት መዚዙ ኣውጺኡ ዝብለጸላ ምኽንያት ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ልኡላውነቱ ዘለዎ ፍቕርን ርሱን ሃገራዊ ስምዒትን ስለ ዝፈልጥ፡ በዚ ተነካኢ ጐኑ ኣትዩ ናብቲ ዝደልዮ ንምውሳዱ የኽእለኒ እዩ ካብ ዝብል እዩ። ካብዚ ነቒሉ እዩ ከኣ፡ ናብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣትዩ ዕንወት ዘውረደሉ፡ ኣንጻር ህዝብን ልኡላውነትን ዩክረይን ዝተሰለፈሉ፡ ምስ ትምክሕተኛ ጉጅለ ኣምሓራ ዝተዓራረኸሉ፡ ዘቤታዊ ኣጀንዳ ኤርትራ ራሕሪሑ ናብ ደገደገ ጥራይ ዘማዕድወሉ፡ ምኽንያት ክሕተት እንከሎ፡ “ምእንቲ ልኡላውነት ኤርትራ” ዝብል ሸፋጢ መልሲ’ዩ ዝህብ። ሓቀኛ ባህሪ ናይቲ ጉጅለ ዝፈልጡ ኣካላት ካብኡ ካልእ ሰለ ዘይጽበዩ ኣይሕደሶምን። ደገፍቲ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮኑ ሕሉፋት ተሓለቕቲ ልኡላውነት ኢና በሃልቲ ወገናት፡ ንናይዚ ጉጅለ ምስምስን ተንኮላትን ከም ሓቂ ወሲዶም ምቕባል ጥራይ ዘይኮነ ኣጋኒኖም መቃላሕቲ ኮይኖም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ክግዕሩ እንከለዉ፡ ካብ ምግራም ንላዕሊ መግለጺ ስለ ዘየብሎም እንተዘይኮኑ፡ ኪኖኡ ክበሃሉ ዝግበኦም እዮም።

ካብ ከምዚ ዓይነት ህግደፍ ዘጻወዶ ናይ ኣተሓሳስባ ስንክልና ንምውጻእ፡ ህዝብን  መንግስትን፡ ፖለቲካዊ ዛዕባን ሰብኣውነትን፡ ውልቃውን ሓባራውን፡ ዜቤታውን ግዳማውን፡ ዝሓለፈ ህልውን መጻእን፡ ዛዕባታትን ምዕብልናታትን ፈላሊኻ ምርዳእ ካብ ርትዓዊ ሚዛን ከይትወጽእ ዝሕግዝ እዩ። ካብዚ ሓሊፉ ካብቲ ዝሓለፈ ተመኩሮ ሐሕማቑ እንዳ ጻሕተርካ  ንምፍዳይ ሕነ ከም ፖለቲካዊ መፍትሒ ኣብ ክንዲ ምውሳድ፡ ንትማሊ፡ ሎሚን ጽባሕን ነናቶም ብጽሒት ምሃብን ንቕድሚት ምምዕዳውን ግዳይ ዝንቡዕ ኣተሓሳስባ ካብ ምዃን ዘድሕን ውሕልነት እዩ። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ባህጉ ሰላም፡ ዕቤትን ዲሞክራስን ምዃኑ ብሩህ ክነሱ፡ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ብዝለመዶ፡ ኣንጻር ካለኦት ህዝብታት በደል ክፍጽም እንከሎ’ውን፡ ብዝተረኸቦ ኣጋጣሚ ከውግዞ እምበር ክድግፎ ኣይግባእን። ከምኡ እንተገይሩ ጥራይ እዩ ከኣ “ነዓና ክበኹረና ዘይንደልዮ፡ ንኻለኦት’ው ከይበኹሮም” ዝብል ድምጺ ሰማዒ ዝረክብን  ትርጉም ዝህልዎን።

Last modified on Saturday, 02 April 2022 10:33