Print this page

ዕርክነት ኢሳያስን ኣብይን፡ ሕጂኸ ናበይ?

2022-01-16 09:36:58 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1063 times
Rate this item
(0 votes)

Logo

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብ 2018 ኢሳያስ ኣፈወርቅን ኣብይ ኣሕመድን ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ናይ ሰላም ምዕራፍ ከፊቶም” ምስተባህለ፡ ናይ ብዙሓት ኣዛራቢ ኮይኑ ከም ዝነበረ ናይ ቀረባ ግዜ ተዘክሮ እዩ። ብፍላይ ኣብቲ ንነዊሕ ዓመታት “ናይ ቀረባ ርሑቕ” ኮይኑ ክነፋፈቕ ዝጸንሐ ኣሕዋት ህዝቢታት ክልቲአን ሃገራት ዝፈጠሮ ሓጎስን ፍሰሃን ክሳብ ክንደይ ዝለዓለ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ኣብ ናይቲ ዕርክነት ኣጀማምራኡን ኣተሓሕዛኡን ምጥርጣር ዝነበሮም ኣካላት ግና ኣብ ቀጻልነትን ህዝባዊ ጠቓምነትን ናይቲ ዝምድና ዝሓደሮም ስኽፍታ ካብ ዓንተብኡ ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።

ማእከላይ ባይቶ ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ብ15ን 16ን ነሃሰ 2020 ኣብ ዘካየዶ 2ይ ስሩዕ ኣኼባኡ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ነቲ ናይቶም መራሕቲ ዘይጥሉል ዝምድና ኣብ ዝምልከት ኣኼባ ማእከላይ ባይቶ፡ እቲ ዝምድና ናይ ክልተ መራሕቲ ዲክታቶር ኢሳያስ ኣፈወርቅን / ኣብይ ኣሕመድን እምበር፡ ነቲ ክልቲኡ ህዝብታት ክጽበዮ ዝጸንሐ ሰላም ኣብ ግምት ዘየእተወ ምዃኑ መዚኑ። ካብዚ ሓሊፉ  ኢሳያስ ነዚ ትካላውን ሕጋውን ዘይኮነን ዘይግሉጽን ዝምድና፡ ተጐዝጒዙ ከቕርቦ ዝጸንሐ ተደጋጋሚ፡ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን መደረታት ንልኡላዊ ህልውና ሃገርናን ሓርበኝነት ህዝብናን ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ፖለቲካዊ ኣካላቱን ህዝባዊ ምልዓላቱን ከም  ጀሚረምዎ ዘለዉ ብትብዓት ክቃለስዎ ከም ዝግባእ  ጸዊዑ።” ብዝብል ዘመሓላለፎ መልእኽቲ  ምዝካሩ ኣገዳሲ እዩ።

እቲ ካብ ዝእመም ጀሚሩ ዘሰከፈ፡  ናይዞም  መራሕቲ ጐረባብቲ ሃገራት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምድና፡ ዘይሕገመንግስታዊ፡ ዘይትካላዊ፡ ቀጻሊ ረብሓን ሰላምን ህዝብታት ዘየነጸረ ምዃኑ እንተዘይኮይኑ ዝምድና ጐረባብቲ ሃገራት ስለ ዝጽላእ ኣይኮነን። እኳ ደኣ ብፍላይ ኣብዚ ምትሕግጋዝ  ኣዝዩ  ኣብ ዝነገሰሉ መዋእል ዝምድናን ምትሕብባርን ዘይስገር እዩ። እቲ ዝምድና ኣብ ናይ ሓባር ረብሓ ዝተሰረተ ክኸውን  ወሳኒ እዩ። እንተኾነ ግን ከምዚ ምልክታቱ ክንዕዘቦ ዝጸናሕና፡ ብኢድ ኣእታውነትን ሻራነትን ዝተቓነየ ዝምድና ኢሳያስን ኣብይን  ካብ ጠቕሙ ጉድኣቱ ከም ዝዓቢ ካብ ግምትና ወጻኢ ኣይነበረን። እቲ ብግብሪ ንርእዮ ዘለና ሓቅታት ድማ ነዚ ዘረጋግጽ እዩ።

ንኣመጻጸኣን ኣተሓሕዛን ዝምድና ኢሳያስን ኣብይን፡ ክንቃወመሉ ዝጸናሕና ምኽንያት ነቶም መሰረታዊ  ቅድመ-ተደላይነታት ዝምድና ክልተ ሃገራት ዘየማልአ ብምንባሩ ኣብ ቀጻሊ ናብ ሕማቕ ከይምዕብል ብዝነበረናን ዘለናን ሚዛን እምበር ካልእ ምስጢር ኣይነበሮን። ገለ ወገናት ንዝምድና ኢሳያስን ኣብይን ከም “ፍቕሪ ክሳብ መቓብር” ንድሕሪት ከምዘይምለስ ኣምሲሎም ዝገልጽዎን ባንዴራ ኢትዮጵያ ተጐልቢቦም ከይተረፈ ክስዕስዑ ዝጸንሑን ከኣ ካብቲ ናትና ዝተፈልየ ዘይወድዓዊ ሚዛን ስለ ዝነበሮም እዮም። ሕጂ እውን ናብ ልቦም ተመሊሶም ኩነታት መዚኖም ቅኑዕ መንገዲ ኣለልዮም ክሕዙ እቲ ዕድል ዕጽዊ እዩ ዝብል መደምደምታ የብልናን። ንሕና  ንዕርክነት ናይዞም ክልተ መራሕቲ ዝደረኾ ኣዝዩ ድሩት ናይ ምጥፍፋእ ስምዒት ዝዓብለሎ፡ ኣርሒቑ ዘይጥምት ብምዃኑ ንህዝብናን ዞባናን ዘኽፍሎ ዋጋ ከምዘለዎ ንሓስብ። እዚ ኣባና ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ብዙሓት ዝነበረ ግምትን ብግብሪ ዝረአ ዘሎን እዩ።

ኣብዚ እዋንዚ  “ዕርክነት ኢሳያስን ኣብይን ሕጂኸ ናበይ? ኢልና ክንሓትት እንከለና፡ ብዘይምኽንያት ዘይኮነ፡ ከምኡ ከብሉ ዝኽእሉ ተርእዮታት ይቀላቐሉ ስለ ዘለዉ ኢና። ኣብነት ምጥቃስ ምስ ዘድሊ፡ በቲ ሓደ ወገን ኢሳያስ ንኣሜሪካዊ ዲፕሎማት ኣብይ ንኢትዮጵያ ከምርሕ ዝኽእል ብስለትን ብቕዓትን የብሉን ኢልዎ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ኣብይ ነቲ ተመሳሳሊ ዲፕሎማት መንገዲ ሰላም ከይሕዝ ኢሳያስዩ ዕንቅፋት ኮይኑኒ ዘሎ ብዝብል ተኻሲሶም ዝብል ጭምጭምታ ኣሎ። ብርግጽ እዚ ጭምጭምታ ክጻረ ዘለዎ እዩ። ኢስያስ ኣብ ናይ 8 ጥሪ 2022 ቃለ-መጠይቑ፡ ኣብይ ኣብ ወርሒ ሰነ 2021 ሰራዊቱ ካብ ትግራይ ክስሕብ እንከሎ ከምዘይነገሮን እቲ ስጉምቲ ግጉይ ምንባሩን ገሊጹ። ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ውን፡ ኣብይ ኣሕመድ ሰራዊቱ ናብቲ ቅድሚ ውግእ ብ4 ሕዳር 2020 ምጅማሩ ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝነበረ ከይኣትዉ፡ እቶም ክሳብ ሕጂ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ዘለዉ ከኣ ከውጽኡ ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኢሳያስ ከኣ ናብ ውግእ ኣብ ትግራይ “ክተት” ይእውጅ ኣሎ። ኣብ ዲፕሎማሲያዊ መዳይ እውን ኣብይ ምስ ኣሚሪካ ሓርፊፉ ዝነበረ ዝምድናኡ ከሕድስ ላዕልን ታሕትን ኣብ ዝብለሉ ዘሎ ግዜ፡ ብኣንጻሩ ብኣሜሪካ ዝተቐብጸ ኢሳያስ ምስታ ዞባዊ መተሃላልኽቲ ኣሜሪካ ዝኾነት ቻይና ዝምድናኡ ይዛይድ ኣሎ። ናይ ቻይና ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳይ  ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙናት ናብ ኤርትራ ምብጻሕን ናይ ኢሳያስ ናብ ሃገር ቻይና ክገይሽ ምዕዳሙን ብቐሊሉ ዝምዘን መርኣያ ኣይኮነን። እዚ ኣብ መጻኢ ቻይና ካብ ኣስመራ ኣሜሪካ ከኣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክኮራረባ እየን ኢልካ ዘየገምት ኣይኮነን።

እዞም ተርእዮታት ነቲ “ዕርክነት ኢሳያስን ኣብይን ሕጂኸ ናበይ?  ዝብል ሕቶ፡ መልስና እንታይ ከኸውን ከም ዝኽእል ዘመላኽቱ እዮም። በዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ምዕባሌታት ብውሕዱ ዝምድናኦም ከምቲ ኣጀማምራኡ ብጽቡቕ ክቕጽል እዩ ናብ ዝብል ከምዘይወስደና ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ከምቲ ልሙድ ኣብ ዘይጉዳይካ ኢድ ናይ ምእታው ተመኩሮኡ “ንኣብይ ጓስዩ ምስ ክልል ኣምሓራ ይተዓራረኽ ኣሎ” ዝብል ወረ ብሰፊሑ ይዝርጋሕ ኣሎ። እዚ ነቲ ብኣብይ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና ክገማምዕ ዝኽእል ሓደገኛ ወስታ ምዃኑ ዘየጠራጥር ኢዩ። ምስቲ ኣምሓራ ብዛዕባ ኤርትራ ዘለዎም ናይ ነዊሕ ግዜ ሕልሚ፡ ንኩነታት ዞባና ናብ ቀጻሊ ውግእ ዝሸምም ኢዩ።

መራሕቲ ዘምጽእዎ መዘዝ ሳዕቤኑ ኣብኣቶም ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ እኳደኣ እቲ ዝኸበደ ጽዕነቱን ዕዳኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዝወርድ ምዃኑ ብሩህ እዩ። ኣብ ኩሉቲ ኢሳያስን ጉጅለኡን ዝጻሕተርዎ ህውከት ክሳብ ክንደይ ንህዝቢ ኤርትራ ዋጋ ከኽፍሎ ከም ዝጸንሐ  ንኹላትና ብሩህ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ሎሚ በጺሑ ምእንቲ ድሕነት ህዝብን ሃገርን ኢሉ፡ ካብቲ ፈሊሑ ዝገረረሉ ዘይህዝባዊ ባህሪኡ ክምለስ እዩ ኢልካ ዝሕሰብ ኣይኮነን። ስለዚ ብሰንኪቲ ኢሳያስ ዝኣጐዶ ሓዊ  ህዝብን ሃገርን ኤርትራ ከይፈርሱ ናይ ምድሓን ሓላፍነት ሎሚ እውን ኣብ ኢድ ህዝቢ ኤርትራን ናይ ለውጢ ሓይልታቱን ከም ዘሎ ተገንዚብና  ከም ወትሩ ብሓባር ክንጽዕት ጻውዒትና እዩ።

Last modified on Sunday, 16 January 2022 10:42