Print this page

ግጉይ ዞናዊ ሕሳብ፡ ህግደፍን ሳዕቤናቱን

2021-11-12 21:28:16 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1232 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

እቲ ሎሚ ንዕዘቦ ዘለና ግጉይ ዞናዊ ሕሳብ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣቐዲሙ ዝጀመረ እምበር፡ ሃንደበት ዝመጸ ከምዘይኮነ ፍሉጥ እዩ። ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳ ግጉይ ሕሳብ ናይቲ ጉጅለ ብብዙሕ መልክዓት ስለ ዝግለጽ ብዙሓት ወገናት ገበናቱ ካብ ምጽብጻብ “እንታይከ ቅኑዕ ኣለዎ” ብዝብል ክገልጽዎ እዩ ዝቐሎም። ሳዕቤናት ናይዚ ግጉይ ሕሳብ ኣብ እንዳ ኹሉ ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘሎን ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ዝተዘርበሉን ስለ ዝኾነ ኣብዚ ንምዝርዛሩ ግዜን ጉልበትን ምውሳድ ኣድላይ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ኩነታት “ኤርትራ ደሓን ኣላ” ዝብሉ እንተልዮም ንደሕንነትን ሰላምን ሃገር ኣብ ውሽጢ ብዝስማዕ ድምጺ ጥይት’ምበር ዶብ ሰጊሩ ዝሕምሶ ዘሎ ኩነታት ክርእዩ ዘይክእሉ ኢዮም።

ኣብ ታራ ማሕበራዊ ህይወት ሰላምን ርግኣትን ካብ ቤትካ እዩ ዝጅምር። ፖለቲካዊ ርግኣትን ቅኑዕ ምምሕዳርን ከኣ ካብ ሃገርካ ይጅምር። ከምዚ እናበለ ድማ ምስ ጐረቤት ሃገር ኮነ ዞባ ዝህልውካ ዝምድናታት ይስራዕ። ካብ ኣተሓሕዛ ስድራቤት ጀሚሩ ክሳብ ምምሕዳር ሃገር ደሓን ዘይኮነ፡ ኣብ ዞባን ካብኡ ንላዕልን ቅኑዕ ተዋሰኣይ ክኸውን ዘለዎ ዕድል ወይ ዕጽው እዩ ወይ ከኣ ኣዝዩ ጸቢብ እዩ። ብዛዕባ ብሓደራ ዝተረከቦ ጉዳይ ሃገርን ህዝብን ዝሓንገደ ኣካል ኣብ ዞባዊ ምውሳእ’ውን ኣፍራሲ ከም ዝኸውን ውሁብ እዩ። ኣብ ኤርትራ ዝረአ ዘሎ ድማ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ እኳደኣ ኣብቲ “ይጸልዎን ይጸልወንን” ዝብሎ ዞባ  ካብኡ ዝሓሸ ምምሕዳር ከይረአ እሞ በሪኽካ ኣብ ምውጻእ ተወዳዲሩ ከይብለጽ ኩሉ ከምኡ ንክኸውን እዩ ዘራጊ ሓሳብ ዝውጥን። እዚ ግጉይ ሕሳቡ ኣብ ናይ ኣተሓሳስባ ዕዳጋ ወሪዱ ዓዳጋይ ምስ ሰኣነ ከኣ፡ ህርፋኑ ብውግእን ዓመጽን ከስርጾ ይጽዕት። ናይ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዝኾነት ጐረቤት ሃገር ሓሓሊፍካ ምትኹታኽ ከኣ ካብዚ እዩ ዝነቅል።

ካብ ነዊሕ ግዜ ጀሚሩ፡ ጉጅለ ህግደፍ ምናልባት ቃለ ዓለም ኮይንዎም ዘይዛረቡ ይህልዉ ይኾኑ እምበር፡  ብጐረባብቲ ኤርትራ፡ “ደሓን እቶ” ዝብሎ ከምዘየብሉ ከይተሓልመ ዝተፈትሐ እዩ። እቲ ጉጅለ ምስ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ፡ ምስ ከም ኢጋድ፡  ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ነዘን ትካላት ዘቑማ ሃገራትን ዘለዎ ዝምድና ሓርፋፍን ሃሳስን እዩ። እቲ ኣዝዩ ዘገርም ግና እቲ ጉጅለ ድሕሪ ነዊሕ ግዜ ብሰንኪ ግብሩ ኣብ ዓዲ ሃሎ ዘኽቲሙ ምጽንሑ፡ ከምቲ “ንመን ኣለዋ መን ኣላቶ ኣለዋ”  ዝበሃል፡ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ዝመርሖ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምትዕርራኹ እዩ። ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ዝመረጾ ግጉይ ሕሳብ ኣቐሚጡ፡ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ ይብል” ከም ዝበሃል፡ ብዘርኣዮ ፈዳሕዳሕ፡ ፈታዊ ህዝቢ፡ መራሕ ሰላም፡ ደላይ ሓድነት መሲሉ ቀሪቡ። እዚ ምናልባት ነቶም ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ህግደፍ ክትሓልፎ ዝጸንሐት ሕማቕ ዘበን ዘይፈልጡ ኢትዮጵያውያን እምበር፡ ነቶም ኩነታት ኤርትራ ክከታተሉ ዝጸንሑ ዝወሓጠሎም ኣይነበረን። ሎሚ ናይ ኩሉ ኣብ ኢትዮጵያ ትግራይ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው ጠንቁ ኢሳያስን ደቂ መዛምርቱን እዮም ዝብሉ ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ይበዝሑ ኣለዉ። ምስ ህወሓት ትግራይ ፍልልይ ዝጸንሖም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ “ካብ ኤርትራዊ ትግራዋይ ይቐርበኒ” ክብሉ ምስማዕ ዝተለምደ ኮይኑ ኣሎ። ዕድል ህግደፍ  ኣብ ኢትዮጵያ ከምቲ “ከይጸዋዕካዮ ዝመጸ ከይጸገበ ወጸ” ዝበሃል ክኸውንዩ ኢሎም ዝግምቱ’ውን ውሑዳት ኣይኮኑን።

ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ዘእተወሉ ምኽንያታት ክገልጽ እንከሎ፡ ምእንቲ ነባሪ ሰላምን ምርግጋእን ኤርትራ ኢሉ ተገዲዱ ከም ዝኣተዎ ኣምሲሉ ክገልጾ ጸኒሑ እዩ። ብሓቂ ግና ናይ ኤርትራ ሰላምን ምርግጋእን ዘቐንዝዎ እንተዝነብር፡ ሰላም ብገዛኻ ኢዩ ዝጅምር። ቅድሚ ናብ ካልእ ምምጥጣር በቲ ብሰንኪ ምምሕዳሩ ኣደዳ ስደት፡ ማእሰርትን ስቓይን ኮይኑ ዘሎ ህዝቢ ሰላምን ራህዋን መምጽአ። እቲ ህግደፍ ኣብ ኢትዮጵያ ኢድ ንምእታው ዝፈሓሶ ተንኮል ክፍታሕ እንከሎ ግና ብዘይካ ነቲ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝመጾ ሕቶ ንምዝሓልን ስልጣኑ ንምንዋሕን በቲ ካልእ ሸነኹ ድማ ህልኽ፡ ዝኸሓነ ጽልእን ምፍዳይ ሕነን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን እንተዘይኮይኑ ካልእ ንህዝቢ ኤርትራ  ዝረብሕ ኣምር ኣይርከቦን።

ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ብፍላይ ከኣ፡ ምስ ትግራይ ኢትዮጵያ ብሰላም ናይ ምንባር ጽምእን ሃረርታን ነይርዎ። ነቲ ቅድሚ 4ተ ዓመታት ንሓጺር ግዜ ተፈጢሩ ዝነበረ ህሞት ብኸመይ  ከም ዝተቐበሎ ድማ ኣብ ምኽፋት ዶብ ብወገን ሰንዓፈን ዛላንበሳን ዝነበረ ኩነታት ምዝካር ጥራይ እኹል እዩ። ኣብቲ እዋንቲ ኢሳያስሲ   ዝሓሰቦ ደኣ ኣለዎ ኣምበር፡ ኣብ ኢዱ ዘሎ ሰላም ዘይለገሰስ ሰላም ካብ ጐረቤት ከምጽኣልና ወጢኑ ኣይኮነን ዝበሉ ውሑዳት ኣይነበሩን። ከምቲ ዝጠርጠርዎ ከኣ እቲ ህዝቢ ዝሕጐሰሉን ዝጥቀመሉን ክርኢ እንከሎ “ዓይኑ ደም ዝሰርብ” ዲክታተር ነቲ ዶባት ዓጽይዎ። ወዮ ወረ ሰላም ክመላለሰሉ ትጽቢት ተነቢርሉ ዝነበረ ኣፍደገታት ኤርትራን ትግራይ ኢትዮጵያን ከኣ እነሆ ውግእን ወረ ውግእን ዝመላለሰሉ ጸልማት ኮይኑ። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ግጉይ ዞባዊ ሕሳብ ነቒሉ ዝዋሰኣሉ ዘሎ ውግእ ኢትዮጵያ ካብቲ ኣብ ትግራይ ተጀሚሩ ኣብ ትግራይ ክውዳእ ዝነበረ ትጽቢት በዓል ኢሳያስ ወጺኡ፡ ኣበየናይ ደረጃ በጺሑ ከምዘሎ ኣይኮነንዶ  ነዓና መንእሰያትና ዝሞትሉ ዘለዉ ንዓለም እውን ኣሻቓሊ ኮይኑ ኣሎ።

ዕምቆት ኢድ ኣእታውነት ኢሳያስ ኣብ ውግእ ኢትዮጵያ፡ ክሳብ ክንደይ ምዃኑ ሎሚ ናይ ኣደባባይ ምስጢር እዩ። ባዕሉ እቲ ጉጅለ እውን ከምቲ “ተሓቢአን ይጠንሰኦ ሰብ ኣኪበን ይሓርሰኦ”  ዝበሃል ኢዱ ከም ዝሓወሰ ተኣሚኑ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከይተረፈ ይዋጥየሉ ኣሎ። ኣብቲ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ፈጺመምዎ ዝበሃል ዘሎ፡ ቁጠባዊ ዕንወት፡ ምቕታል ሲቪል፡ ምዕማጽ ደቂ ኣንስትዮ፡ እንዳበልካ ዘርዚርካ ዘይውዳእን ምጽራይ ዘድልዮን ገበናት ብዙሕ እዩ። ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ዘይጉዳዮም ይቕዘፉ ምህላዎም ምጽራይ ዘየድልዮ ሓደገኛ ሳዕቤን ናይቲ ግጉይ ሕሳብ እዩ። ኣብቲ ይጻረ ዝበህል ዘሎ እውን ከምቲ “ዓይንና ዘይርእዮ ልብና ግና ዘይስሕቶ” ዝበሃል፡ ነፍሲ ወከፍ ኤርትራዊ ዘይእዉጅ ግንዛበ ኣለዎ።

እዚ ክሳብ ሕጂ ብኣመራርሓ ዉልቀ መላኺ ስርዓት ተበጺሑ ዘሎ ምፍሳስ ደም ዝተኸለ ዝምድና ኤርትራ ምስ ትግራይ ኣዝዩ ኣሻቓሊ እዩ። እቲ ኩነታት ከምኡ ኢሉ እንተቐጺሉ ከኣ እቲ ሳዕቤን ብኽንድኡ ደረጃ ክዓርግ እዩ። እንተኾነ ሓንሳብ ተበላሽዩ እዩ ኢልካ ተስፋ ብምቑራጽ “ድላዮም ይግበርዎ” ዝበሃል ኣይኮነን። ውልቀ መላኺ ኢሰያስ ሃገርና ንምድቋስን ምስ ጎረባብታ ንዝነበረ ዝምድና ንምብልሻውን ዝተዓጥቀ ሰብ ኢዩ። ብሓፈሻ ህዝቢ ኤርትራ ብፍላይ ከኣ ደለይቲ ፍትሒ፡ ዝተደርቖሰት ሃገር ከነሕዊ ንዝተበደለ ህዝቢ ክንክሕስ ንዝተበላሸወ ዝምድና ህዝብታት ናብ ንቡር ክንመልስ ግዴታና ስለዝኾነ ብሓላፍነት ክንሰርሓሉ ይህልወና።

Last modified on Friday, 12 November 2021 22:38