Print this page

ቃል ሓላፊ ውድባዊ ጉዳያት ቤት ጽሕፈት ሰዲህኤ ኣብ 5 ጉባአ ዞባ ኤውሮጳ ሰዲህኤ

2021-11-10 21:49:47 Written by  ኣስመሮም ኣስመሮም Published in EPDP Editorial Read 1172 times
Rate this item
(0 votes)

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ማእከላይ ባይቶ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ሽማግለ ዞባ

ዝኸብርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ኣሰናዳኢትን ሓጻዪትን ኮሚቴ

ዝኸበርኩምን ዝኸበርክንን ኣባላት ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳን ዕዱማት ኣጋይሽን

መደረይ ንኽልቲኡ ጾታታት ዝምለከት ኢዩ።

ኣቐዲመ፡ ምውቕ ሃገራዊ ሰላምታይ አቕርበልኩም። ቀጺለ፡ ኣብ 5ይ ጉባኤ ሰዲህኤ ዞባ ኤውሮጳ ንክሳተፍ ብኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ኮሚቴ ዝተገብረለይ ዕድመ ክብ ዝበለ ምስጋናይ ከቕርብ እፈቱ። ከምኡ’ውን፡ መሪሕነት ዞባ ኣውሮጳን ኣሰናዳኢትን ሓጻይትን ሽማግለን፡ ነዚ ጉባኤ’ዚ ዕዉት ንክኸውን ዝገበርዎ ጻዕርታት ዘሎኒ ናእዳን መጐስን ክገልጽ እፈቱ።

5ይ ጉባኤ ዞባ ኤውሮጳ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ዓለምና ዝተኸስተ ቀዛፊ ሕማም ኮቪድ-19፡ ካብ’ቲ ልሙድ ኣገባብና ግዚኡ ኣሕሊፉን ኣብ ክንዲ ብኣካል ብሳይበር ተክኖሎጂ ይካየድ ምህላዉን ፍልይ ዝበለ ተመኩሮ ይገብሮ። በዚ ኣጋጣሚ’ዚ፡ ነቶም ብዝተፈላለዩ ሕማማት ዝተፈለዩና ኣሓትን ኣሕዋትን  መንግስተ ሰማይ የዋርሶም፡ ንቤተ-ሰቦምን መቓልስቶምን ድማ ጽንዓት ይሃበና ብምባል ኣብ’ቲ ንሎሚ ኣዳልየዮ ዘለኹ መግለጺ ክሰግር።

ክቡራትን ክቡራንን

ጕባኤ ዞባ ኣውሮጳ፡ ብሓደ ሸነኽ ንልዑላውነት ኤርትራ ዝፈታተን ውሽጣውን ግዳማውን ብድሆታት ኣብ ዝተኸስተሉ፥ ብኻልእ ሸነኽ ድማ፡ ነዚ ብድሆታት’ዚ ከምክን ዝኽእል ሓያልን ንጡፍን ኤርትራዊ ምጥርናፍ ኣብ ዝበዀረሉ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዝዀነ ወቕቲ ኢዩ ዝካየድ ዘሎ። ኣንቶንዮ ግራሚቺ ዝተባህለ ኣባል ኮሚኒስት ፓርቲ ጣልያን ዝነበረ ውሩይ ተቓላሳይ፡ ንኸም’ዚ ዝኣመሰለ ኵነታት ክገልጾ እንከሎ ቅልውላው ኢዩ ዝብሎ። ቅልውላው ብኣገላልጻኡ፡  “እቲ ኣረጊት ናብ ሞት ገጹ ክገማገም እንከሎን እቲ ሓድሽ (ወይ ተካኢ) ከኣ ከይተወልደ ክተርፍ እንከሎ ዘጋጥም ኢዩ ይብል። ኣስዒቡ፡ መፍትሒ ቅልውላው፡ ለውጢ ምምጻእ ምዃኑ ይሕብር።

ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብውግእን ወረ ውግእን ኣብ ዝሕመሰሉ፥ ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ ህዝብታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣደዳ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ህልቂት፡ ምፍንቓል፡ ስደት፡ ጥሜትን ሕማምን ኣብ ዝዀነሉ፥ ብፍላይ  ከኣ፡ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብሚልዮናት ዝቝጸር ህይወት ደቂ ሰባት ኣብ ዝቐዘፈሉን ንማሕበራዊ ዝምድናታትን ቍጠባዊ ትሕዝቶን ኣህዛብ ዓለም ዘዛብዕ ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ክስተት ኣብ ዝሰፈነሉን ወቕቲ ኢዩ ጉባኤኹም ዝካየድ ዘሎ።

ኣብ ርእስ’ዚ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ናይ 60ታትን 70ታትን ንቑሕን ተቓላሳይን ወለዶ እናሸምገለን ኣበርክቶኡ ድማ እናነከየን ኢዩ ዝኸይድ ዘሎ። ነዚ ዝትክኡ፡ ብዘመናዊ ተክኖሎጂ ዝተዓጥቁ መንእሰያት ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ከነፍሪ እንተዘይክኢልና ኣብ ቀጻሊ ናይ ቅልውላው ዕንክሊል ክንኣቱ ምዃና ክሰሓት ወይ ክዝንጋዕ የብሉን። ስለ’ዚ ከነረጋግጾ እንደሊ ዘለና ለውጢ ብሓደ ሸነኽ ንምልካዊ ስርዓት ምውዳቕ፥ ብኻልእ ሸነኽ ከኣ፡ ሰላምን ርግኣትን ዝሰፈኖ ናይ ምስግጋር መድረኽ ምጥጣሕ ስለዝዀነ፡ ነዚ ዝበቕዑ መንእሰያት ንምድላው ኣበርቲዕካ ክስርሓሉ ዘለዎ ዕላማ ክኸውን ይግባእ።

ክቡራትን ክቡራንን

ኤርትራ ኣትያቶ ካብ ዘላ ቅውላው ንምንጋፋ ከም’ቲ ኣንቶንዮ ግራምቺ ዝበሎ ለውጢ የድሊ ኣሎ። እዚ ለውጢ’ዚ ከኣ፥ ብተሳትፎ ናይ ህዝቢ ኢዩ ዝመጽእ። ህዝቢ ለውጢ ከምጽእ እንተደኣኰይኑ፡ ዝመርሖን ዝውድቦን ኣካል የድልዮ። ግፍዕን ጭቆናን ዝመረሮም መንእሰያትን ዓበይትን፡ ደገፍቲ ነበርን ተቓወምትን ምልካዊ ስርዓት ኢሳያስ፡  ተላዒሎም፡ “ይኣክል ንምልኪ፡ ይኣክል ንምብትታን” ኣብ ዝብልሉ ዘለዉ እዋን ፖለቲካውያን ውድባት ኤርትራ ድማ ሕድገታት ብምግባር ፍልልያቶም ከጻብቡን ማዕረ’ቲ መድረኽ ዝጠልቦም ዘሎ ደረጃ ብምዃን ናይ ምምራሕ ተራኦም ክጻወቱን ኢዮም ዝጥለቡ ዘለዉ። ነዚ ክንገብር እንተዘይክኢልና፡ ነቲ ሃጓፍ ዝዀነ ይኹን ተወዲቡ ዝጸንሐ ሓይሊ ክመልኦ ናይ ግድን ኢዩ። ካብ’ዚ ኣብ ሱዳን ዝተራእየ ዕልዋ እንወስዶ ኣስተምህሮ ድማ፡ ኣብ’ቲ ናይ ለውጢ ሓይሊ ምክፍፋል እንተደኣ ተፈጢሩ፡ እቲ ዝተወደበ ናይ ሰራዊት ሓይሊ ነቲ ምክፍፋል መዝሚዙ ነቲ ቃልሲ ክጨውዮ ከምዝኽእል ኢዩ።

ስለ’ዚ፡ ከም’ቲ ሰ.ዲ.ህ.ኤ ዝደፍኣሉ ዘሎ ኵሉ ደላይ ፍትሒ ዝሰማምዓሎም መሰረታውያን ዕላማታት ንምዕዋት ንዅሎም ፖለቲካውን ሲቪላውን ውድባትን ህዝባዊ ምንቅስቓሳትን ዝሓቍፍ ወይ ዘሳትፍ ጽላል ምቛም መተካእታ ዘይብሉ ምርጫ ምዃኑ ክንግንዘብ ይግባእ።

ብወገና፡ ንልዑላውነት ኤርትራ ምክልኻል፡ ንምልካዊ ስርዓት ምእላይ፡ ሰብኣዊ መሰላት ምኽባርን ህዝባዊ ዲሞክራስያዊ ስርዓት ምትካልን ዝብላ ነጥብታት ንምቛም ሓባራዊ ጽላል ከበግሳና ይኽእላ ኢየን ዝብል እምነት ኣሎና። ካልእ ዝጐደለ ኵልና ንሰማማዓሉ ዕላማ እንተልዩ እውን ክውሰኽ ይከኣል ኢዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ንዞባዊ ጕባኤናን ካብ’ዚ ጕባኤ ንእትምረጽ መሪሕነትን ዓወት እምነየሎም።

የቐንየለይ

ዝኽርን ዘልኣለማዊ ክብርን ንሰማእታትና

ዓወት ንህዝባውን ፍትሓውን ቃልሲ

ውድቀት ንምልኪ

30 ጥቅምቲ 2021

Last modified on Wednesday, 10 November 2021 23:00