Print this page

ህዝቢ ኤርትራ፡ ተሰካሚ ዕዳ ህግደፍ ኣይኮነን

2021-08-12 19:58:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1779 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ፡ ንኹሉ ሓቚፉ ዝኸይድን ዝጸውርን ከም ባሕሪ ዝምሰል ኣዝዩ ሰፊሕ ጸጋ እዩ። እዚ ተቐዲሑ ዘይውዳእ ሃብታም  ጸጋዚ እዩ እቲ ዝለዓለ ምንጪ ኩሉ ትሕዝቶ ሃገር ዝኸውን። ንሃገር ልዑላውነታ፡ ዕቤታን ሰላማን ንምውሓስ ሓላፍነት ዝወስድ’ውን ንሱ  ኢዩ። ካብዚ ባሕሪዚ ተተቐዲሖም ዝውደቡ፡ ኣብ ባሕሪ ብዝነብር ዓሳ ዝምሰሉ ፖለቲካዊ፡ ማሕበራዊ ውዳበታት ምፍጣሮም ዝተለምደ እዩ። ይኹን እምበር፡ ከምቲ ህይወት ዓሳ ኣብ ባሕሪ ዝምርኮስ፡ ህይወት እዞም ውዳበታት’ውን ኣብ ህዝቢ ኢዩ ዝምርኮስ። ብኣንጻሩ፡ ንዝምድና ባሕርን ዓሳን ገልቢጦም፡ ንወሳኒ ግደ ህዝቢ ጓስዮም፡ ንግደ ናይቲ ካብ ህዝባዊ ባሕሪ ዝቕዳሕ ሰልፊ ድዩ ውድብ ቅድሚት ሰሪዖም ክዕብልሉ ዝፍትኑ ወገናት ምርኣይ ዘይቅቡል ኢዩ። እዚ ንዝተፈጠርካሉ ህዝቢ ኣድኒንካ፡ ርእሲ ሰልፍኻ ድዩ ውድብካ ከተበርኽ ዝፍተን ኣሰራርዓ  ግጉይን ኣብ መወዳእታ ተሰዓርን እዩ። እዚ ግምጥሊሽ ኣሰራርዓን ኣፍራሲ ሳዕቤኑን በዚ ኣብ ሃገርና  ኣብ መንጎ ህዝብን ጉጅለ ህግደፍን ዘሎ ብሕማቕ ዓይኒ ዝርእአ ዝምድና ዝምሰል እዩ።

ውድባት ካብ ህዝባዊ ባሕሪ ብዝወጹን ኣብ ዝተወሰነ ዛዕባ ዝረዳድኡን ነቲ ዝተረዳድእሉ ብሓባር ከዕውትዎ ብዝተሰማምዑ ባእታታት ዝምስረት ምትእኽኻብ እዩ። ስለዚ ብዘይካ ናይቶም ኣብቲ ውደባ ዝኣመኑ ባእታታት፣ ናይ ህዝቢ ሕጋዊ ውክልና’ኳ እንተዘየብሎም፡ እቲ ንምዕዋቱ ዝቃለስሉ መትከላት ንድሌትን ባህግን ህዝቢ ዘንጸባርቕ እንተኾይኑ፡  ህዝባዊ ውዳበ ናይ ምዃንን ብህዝቢ ተቐባልነት ናይ ምርካብን ዕድልን ይህልዎም። እዚ እቲ ሓቀኛ መግለጺ ናይ “ውደባ ሓይሊ እዩ” ዝብል ኣምር እዩ። “ንምዕዋቱ እንቃለሰሉ እዚ እዩ” ዝብልዎ ዛዕባ ኣንጻር ህዝባዊ መሰረታዊ ባህጊ ህዝቢ ኣብ ዝኾነሉ ግና ኣብ ርእሲ ዘይህዝባውነቶም መንግዲ ዓወት ዝበሃል እውን የብሎምን። ህዝባዊ ውክልና ከም ዘየብሎም ካብ ዝግለጸሉ ብዙሕ ጉዳያት እቲ ቀንዲ ገላጺ “ንሳቶም ንዝፈጸምዎ ሓጥያት ህዝቢ ኣይሕተትን እዩ”  ዝብል መልእኽቲ ዘመሓላልፍ ምዃኑ እዩ።

ኤርትራውያን ነዚ መጐትዚ ብኣብነት ኣሰኒኻ ንምግላጹ ናብ ርሑቕ ተመኩሮ  ምኻድ ኣየድልየናን እዩ። ዝጸንሐ ኮነ ዘሎ ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ምድህሳስ ጥራይ እኹል እዩ። ድሌት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሓርነት፡ ልዕልና ሕጊ፡ ምኽባር መሰረታዊ መሰላት፡ ባዕሉ ዘጽደቖ ዝመሓደረሉ ቅዋምን ፖሊሲታትን፡ ብዲሞክራስያዊ ምርጫ ቆጽሊ ዘውደቐሉ መሪሕነትን ከም ዝደሊ ውሁብ እዩ። ድሌቱ ንምዕዋት ዘይተሓለለ ቃልሲ ዘካይድ ዘሎ እውን ካብዚ ነቒሉ እዩ። ጉጅለ ህግደፍ ክኸዶ ዝጸንሐን ዝቕጽሎ ዘሎን ዘይቅርዑይ መንገዲ ከኣ ምስ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ ፊትንፊት ዝላተም ኣቕጣጫ እዩ። ህግደፍ ነዚ ዘይህዝባዊ ባህርያቱ ሓቢኡ፡ ንገዛእ ርእሱን ምስ ህዝቢ ኤርትራ ከም ናይ ሓደ ቅርሺ ክልተ ገጻት ኣምሲሉ ዝገልጾን ብናይ “ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ” መዝሙር ዝሕጭጮን ፈጺሙ ተቐባልነት የብሉን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ብደዐን ኣሽካዕላልን ዘርኢ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት  ህግደፍ በብግዜኡ ኣብ ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ የመንን ኢትዮጵያን፡ ሎሚ ከኣ ኣብ ትግራይ እናሃለለ ከይዱ ዝፍጽሞ ገበናት፡ ከም  ንህዝቢ ኤርትራ እውን ዝምልከቶ ዕዳ ጌርካ  ንምግላጽ ዝግበር ፈተነ ዘይርትዓዊ ኣብ ልዕሊ ምዃኑ፡ ንገዛእ ርእስኻ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ቂመኛ ኣካይዳ ግዳይ ምዃንካ ዘርኢ እዩ።

ዝምድና ህዝቢ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ኤርትራዊ ጉዳይ ናይ “ዓይንን ሓመድን” ምዃኑ ኣብ ቅድሚ ኩሉ ብሩህ ስለ ዝኾነ ምዝርዛር ዘድልዮ ኣይኮነን። ከምቲ “ካብ እመት ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል  ጐረባብትና’ውን ማዕረና ዝርድዎን ንነዊሕ ግዜ ድምጺ ህዝቢ ኤርትራ ኮይኖም ከእውይሉ ዝጸንሑን እዩ።   ምኽንያቱ ብህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ዝጸንሐ መወዳድርቲ ዘይብሉ በደል መሊኡ ናብኣቶም እውን  ከምዝፈስስ ብሩህ ስለ ዝነበረ። ብዛዕባቲ ኣብ ኢትዮጵያ-ትግራይን ተፈጢሩ ዘሎ፡ ንዞባና እውን ከይለኻኽሞ ዘስግእ ውግእ  ከነልዕል እንከለና፡ ጉጅለ ህግደፍ ሓቢሩ እዩ ዝለዓል። እዚ ጉጅለ'ዚ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣብ ዘእተወሉ፡ ገሊኡ ናይ ኣደባባይ ምስጢር ዝኾነ፡ ገሊኡ ከኣ ብመንጐኛ ምጽራይ ዘድልዮ ገበናት ብምፍጻም ዝኽሰስ ዘሎ እዩ። ጉዳያት ምስተጻረየ እዚ ንሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዘይጉዳዩ ዝጠበሶ  ጉጅለ ብገበናቱ  ብሕጊ ክሕተት ናይ ግድን እዩ። ኣብዚ ኩነታት ከምቲ “ወዲ ዓሻስ ክልተሳብ ይውቃዕ” ዝበሃል፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ኣብ ዘቤታዊ ህይወቱ በቲ ጉጅለ ሓመድ ድፋጫ ክሰትዮ  ዝጸንሐ ከይኣኽሎ፡  ህግደፍ ፈቐድኡ ብዝፍጽሞ ገበናት በዓል ዕዳ ኣይከውንን’ዩ።

እዚ ንህዝቢ ኣብ ዘይወዓሎ ገበን ተሓታትን ከፋል ዕዳን ክትገብሮ ናይ ምፍታን ጸገም፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብ መንጐ ህዝቢ ትግራይን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ከምኡ እውን ኣብ መንጎ ህዝቢ ኢትዮጵያን ሰልፊ ብልጽግናን ዝረአ ዘሎ ግጉይ ኣቀማምጣ እዩ። ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዝገድድ ምስቲ ናይ ህግደፍ ኣብ ኩሉ ጠብሎቕሎቕ  ዝብሎ ስለ ዝተሓሓዝ ክኸውን ይኽእል። ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህግደፍን ዝኾነ ይኹን ናይ መራሕን ተመራሕን ዝምድና ዝገልጽ ሰነዳዊ ውዕል ዘይምህላዉ እውን ነቲ ጉዳይ ዘጋድዶ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህግደፍ ዝቆጻጸረሉን ዝተሓታተሉን መስኖ እንተዝህልዎ፡ ቅድሚ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ከይዱ ዝፍጽሞ ዘሎ ገበናት፡ ብዛዕባቲ ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸም ዝጸንሐ በደል መሓተተን ዓገብ ምበለን። ካብዚ ሓሊፉ  ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣመጻጽኣኡን ኣፈጻጽማኡን ናይ ዘይፈልጦ ተግባራት ህግደፍ ተሓታትን በዓል ዕዳን ክትገብሮ ምሕላን ፈጺሙ  ፍትሓዊ ኣብ ልዕሊ ዘይምዃኑ፡ ናብ መጻኢ ሰላም ዝወስድ እውን ኣይኮነን። ስለዚ እቲ ሓደሓደ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝነጥፉ ተጋሩ ብኣዕናዊ ተግባራት ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዝወረደ በደልን ግህሰትን፡ ኣብ ልዕሊ ልኡላውነት ኤርትራን ንብረትን ህዝብን ሕነ ምፍዳይ ዝመስል  ስጉምቲ ንምውሳድ ዘርእይዎ ትንዕምንዕ፡ ንቐጻሊ ዝምድና  ክልቲኡ ህዝብታት ስለ ዘየርብሕ፡ ቅቡል ከምዘይኮነ፡ ከሎ ጌና ከስተውዕልዎ ይግባእ።

Last modified on Thursday, 12 August 2021 22:02