ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነትከ?

2021-05-27 07:59:27 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1718 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ኣዛረብቲ ካብ ዝቐነዩ ዛዕባታት ሓደ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ እዩ። ጽምዶ ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ውግእ ትግራይን ብሰንክዚ ኣብ ኤርትራውያን ዝምዕብል ዘሎ ናይ ኣረኣእያ ፍልልያት እውን መድረኽ ኣይለቐቐን። እነሆ ከኣ ናይ መገሻ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ህሉዋትን ቀዳሞትን መራሕቲ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያን ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን እውን ናብ መደርኽ ወጺኡ ሓድሽ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ።

ኣብቲ ንዝኽሪ መዓልቲ ናጽነትና ዝምልከት፡ ኩለመዳያዊ ሕማቕ ህይወት ኤርትራውያን ድሕሪ ናጽነት ካብ ዘንቀሎ እንጽርጽሮት ዝተፈጥረ ዝመስል “ዝሓለፍናዮ ሰላሳ ዓመታት ናይ ናጽነት ዘይኮነ፡ ናይ ባርነት እዩ” ዝብል ድምጺ ውሑዳት ሓሓሊፉ ክስማዕ ጸኒሑ እዩ። እዚ ኣበሃህላ ከምቲ “እንተ ክንቡርኩት ዘይክንቡርኩት ኣብ ማይ ንብጻሕ” ዝበሃል፡ ናጻነትና ናይ ኩሉ እቲ ንመጻኢ እንውጥኖን እንቃለሰሉን ራህዋ፡  ቅሳነትን ልዕልና ፍትሕን መሰረት እዩ እሞ፡ ከይንጻብኦ ሓደራ ምባል ኣገዳሲ እዩ። ናጽነትናን ልኡላውነትናን ምስ ዲክታተር ኢሳያስ ደሪብና እነቆናጽቦ ዘይኮነ፡ ነብሱ ዝኸኣለ ብክቡር ዋጋ ሓርበኛ ህዝቢ ኤርትራ ዝተረጋገጸ መለለይናን ክብርናን ምዃኑ ዘይዝንጋዕ እዩ። ናጻ ሃገር እንተዘይትነብረናሞ፡ ከም ሃገራዊ መንነት ዘለዎ ህዝቢ ብዛዕባ መንግስታዊ ምምሕዳርን ዲሞክራስን ኣይምተዛረብናን።

ኣብ ዝኽሪ መበል 30 ዓመት ናጽነት ኤርትራ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ዓጀውጀውን ኮለልን ገዲፍካ፡ ኣብ  ኤርትራዊ ሓይልታት ለውጢ፡ ሰልፍታት፡ ውድባት፡ ህዝባዊ ምልዓላትን ባእታታትን መልእኽቶም ከመሓላልፉ ቀንዮም። መብዛሕቶም ካብቶም መልእኽትታት ዘመሓላለፉ ካብ ዘይጓሰይዎም ዛዕባታት እዞም ዝስዕቡ ምጥቃስ ይከኣል። ንናጽነት ዝተኸፍለ ክቡር ዋጋን ናጻነት ፍረ ቃልሲ ኩሉ ኤርትራዊ ምዃናን፡ ምረት ኤርትራን ህዝባን ድሕሪ ናጽነትን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ኣዝዩ መሪር ህይወትን፡ ነዚ ኤርትራን ህዝባን ዝሓልፍዎ ዘለዉ ጸልማት በዲህካ ኣብ ራህዋ ንምብጻሕ መሰረታዊ ተደላይነት ሓቢርካ ኣንጻር ህግደፍ ምቅላስን፡ ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ጐረቤትና ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፡ ጽልዋኡ ኣብ ኤርትራን መዋጽኦኡን ዝብሉ ይርከብዎም።

ሓደ ካብቶም መልእኽቲ ዘመሓላለፉ፡ ኣቦመንበር ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣቶ ተስፋይ ወልደሚካኤል፡ ኣብ መልእኽቱ ኣባላት ሰራዊት ኤርትራ ምስ ህዝብኹም ወግኑ ጥራይ ኣይኰነን ሕጂ እቲ ጻዋዒት። እቲ በደል ኣብ ርእሴኹም እውን ብጋህዲ ወሪዱ ኣሎ  ሃገርኩም ኣድሕኑ፡ ናጽነትኩምን ናጽነት ህዝብኹምን  ዓቅቡ እዩ። ……… ፖሊቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ ንውሽጣዊ ሓባራዊ ቃልሲ ኣቐዲመን ምትሕብባር የዕዝዛ ኣለዋ።  እዚ ኩሉ ምዕባሌታት መስርሕ ውድቀት ምልኪ ከም ዝጀመረ እዩ ዘርእየና። ዝብሎ ምጥቃስ ይከኣል።

ዳርጋ ቅድሚ 3 ዓመታት ከምዚ እዋን ኣብ ኤርትራዊ ኮነ ዞባዊ መድረኽ፡ ኣዛረብቲ ካብ ዝነበሩ ዛዕባታት ሓደ ርክብ መራሒ ጉጅለ ህግደፍ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ምንባሩ ይዝከር። ኣዛራራቢ ካብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ግሉጽን ትካላውን ዘይምንባሩ እዩ። ነቲ ሽዑ ዝነበረ ናይ ክልቲኡ ሃገራት ዘይመሳሰል ኣገባብ ምምሕዳራት መዚኖም “እዞም መራሕቲ ኣበየናይ ኣተሓሳስባ ተረዳዲኦም እዮም ዝዛመዱ ዘለዉ?” ኢሎም ዝሓተቱ ብዙሓት ነይሮም። እዚ ከበሃል እንከሎ ግና ከምቲ ደሓር ብግብሪ ዝተራእየ፡ ቀንዲ ምቅርራቦም፡ ኣንጻር ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) ብሓባር ምኽታት ምንባሩ ሓበርቲ ምልክታት ኣይነበሩን ማለት ኣይኮነን።  ብዘይካዚ እቲ ሓደገኛ ሃቐነ ኣንጻር ልኡላዊነትን ናጽነትን ኤርትራ ከም ዝነበረ እውን ዲክታተር ኢሳያስ ኣብ ዘዝኸዶ መድረኻ የርእዮ ብዝነበረ ቀልባዕባዕ ተጋሂዱ እዩ። እዚ ኢስያስ ዝፈጠሮ ሓደገኛ ስኽፍታ ሕጂ እውን ኣብ እንግደዓ ኩልና ኤርትራውያን ዘሎ እዩ።

በቲ ክጅመር ሽፉን ዝነበረ ሎሚ ግና እንዳሓደረ ዝገሃድ ዘሎ ዝምድና ናይዞም ክልተ መራሕቲ ዝተሰከፍና ኤርትራውያን ጥራይ ዘይኮና ኢትዮጵያውያን እውን ኣብ ዝተፈላልዩ ግምታት ተንጠልጢሎም ነይሮም። ብዙሓት “ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ንኢሳያስ እንተ ኣረዲኡ እንተ ኣደናጊሩ ብውሕዱ ኣፍደገ ባሕሪ ከውህበና እዩ” ዝብል ትጽቢት ነይርዎም። እቲ ኢሳያስ ፈጺሙ ዘይግበኦ ክነሱ፡ ከምቲ “ዝብእስ ኣብ ዘይፈልጥዎ ዓዲ ከይዱ ቆርበት ኣንጽፉለይ በለ” ዝበሃል፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸሞ ጥልመት ዝሕባእ መሲልዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ከይዱ ጥዑይ መሲሉ ክቐርብ ስለ ዝፈተነ፡ ወርቂ፡ ዋልታን ኲናትን፡ ፈረስን ገመልን፡ ጋብን ቡንን ምስላሙ እውን መሰረቱ ሕልሚ ኣፍደገ ባሕሪ ዝደረኾ እዩ ነይሩ።

ደሓር ግና ኢትዮጵያውያን እውን ስኽፍታኦም ኣብ ዝምድና ዶ/ር ኣብይ ምስ ኢሳያስ፡ ሰማይ ዓሪጉ። ሎሚ እሞ ከኣ ናይ ኢትዮጵያ ቅልውላው፡ ካብ  ምስ ትግራይ ኣብ ውግእ ምእታው ጀሚርካ  ክሳብ ግዳይ እገዳ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ምዃንን ካብ ብዙሓት ፈተውቲ ኢትዮጵያ ምንጻልን ጠንቁ፡ ምስቲ ንህዝቡን ሃገሩን ዘይኮነ፡ ”ከም ሲንጋፖር ሓሊሙ ትሕቲ ሰሜን ኮርያ ኮይኑ ዝተረፈ ሰብኣይ ምዝማድና እዩ።” ዝብል ናይ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ፖለቲከኛታት ሚዛን ኮይኑ ኣሎ። እዚ መረረ ኣብ ልዕሊ ህግደፍ ብመንግስታዊ ኣካላት እውን ጀሚሩ ኣሎ። ላዕለዋይ ኣኽባር ሕጊ ኢትዮጵያ መጽናዕቲ ኣካይዱ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት “ውተሃደራት ኤርትራ ኣብ ትግራይ 110 ንጹሃት ሲቪል ቀቲሎም” ክብል ዝሃቦ ምስክርነት ምጥቃስ ይከኣል። መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ነዚ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ናብቲ ቀንዲ ጉዳይና ንመለስ። ንመዓልቲ ናጽነት፡ ነቶም ምእንተኣ ዝተሰውኡ ጀጋኑና ዘለና ኣኽብሮት፡ ኣብታ ዕለት ብእነስመዖ መደረታትን ጭረሖታትን ጥራይ ኣይኮነን ዝግለጽ። እቲ ቀንዲ መግለጺኡስ ኣብ ባይታ ብግብሪ ከምቲ እንምድሮን እንጭረሖን እንተኮይና ጥራይ እዩ ትርጉም ዝህልዎ። ሓቢርና ተቓሊስና ንህግደፍ ከነወግዶ ተስፋን ተኽእሎን ከም ዘለና ዝረኣዩ ዘለዉ ምልክታት ናብ ግብራዊ ዓወት ክንቅይሮም ክንበቅዕ ይግበና። ምኽንያቱ ብዛዕባ ኤርትራን ህዝባን ዝሓሰብና ጽቡቕ እንተሓሰብናን ተስፋ እንተሕደርናን ብዘይካ ብሓባር ንጉጅለ ህግደፍ ኣወጊድካ፡ ካልእ መሰጐሚ ኣቋራጭ መንገዲ ስለ ዘየለ።  “ድሕሪ መበል 30 ዓመት ዝኽሪ ናጽነትናከ ናበይ?” ናይ ዝብል ሕቶ መልሲ እምበኣር “ናብ ምውጋድ ጉጅለ ህግደፍ”  ዝብል እዩ።

Last modified on Thursday, 27 May 2021 11:34