ኣድህቦና፡ ኣብ መን በሎ ዘይኮነስ ኣብቲ ዝተባህለ ይኹን

2021-05-18 18:23:14 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1656 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣይኮነንዶ ኣብ ከምዚ ንርከበሉ ዘለና፡ ግዜ ዘይህብ ናይ ምህላውን ዘይምህላውን ቃልሲ፡ ኣብ ንቡር ህይወት እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ኣተሓሳስባታት ማዕበል ኢና እንሕንብስ። እቲ ማዕበል ናይ ካለኦት ኣተሓሳስባ ንቋመተሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንሕና እውን ኢድና እንሕውሰሉ ናይ ሓባርና እዩ። ኣብቲ ማዕበል ገሊኦም ሓሳባት ብቐጥታ ሰለ ዝምልከቱና ፊትንፊት እንገጥሞም እዮም። ገሊኦም ግና እነቕልበሎምኳ እንተኾኑ፡ ክሳብ ክንድቲ ዘይንገደሰሎም ክኾኑ ይኽእሉ። ከምቲ ኣብ ዕዳጋ ወሪድካ ብዛዕባቲ ክትገዝኦ ዝግበኣካ ንብረት ዝያዳ  እተድህብ ማለት እዩ። ኣብቲ ናይ ሓሳባት ዕድጋ ንገሊኡ ምቕባሉን ናትካ ምግባሩን፡ ንገሊኡ ከኣ ምንጻጉን ካብኡ ምርሓቕን ክረአ ንቡር እዩ።

ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ንተረኽቦን ካብኡ ዝምንጩ ኣተሓሳስባን ምድጋፍን ምቅዋምን መሰረታዊ መሰል ምዃኑ ርዱእ እዩ። ነዚ መሰልዚ ኣባላት ኣብ ሰልፍታቶም ውድባቶምን ማሕበራቶምን፡ ከምኡ ከኣ ውዳበታት ኣብ ሕድሕደን ኣብ ዝገብረኦ ርክባት ናይ ምጥቃም መሰልን ነጻነትን ኣለዎም። መሰል ክለዓል እንከሎ፡ ካብኡ  ፈሊኻ ዘይረአ ግቡእ ከም ዘሎ ከኣ ምዝካር የድሊ። ከምቲ ሓሳባትና ናይ ምቕራብን ተቐባልነት ክረክብ ናይ ምጉስጓስ መሰል ዘለና፡ ካልኦት ውን ሓሳባቶም ከስምዑን ቅቡል ክገብሩን ክንፈቅድ ግዴታ ኣለና።  ካብዚ ሓሊፉ መሰልን ግዴታን ሚዛኑ ኣብ ዘይሓለወሉ ዝፍጠር ዘይሚዛናውነት ሃሳዪ እዩ።

እቲ መሰረታዊ ጉዳይ እቲ መሰልና ተጠቒምና እነቕርቦ ሓሳብ ምኽንያታውን ርትዓውን ምዃኑን ዘይምዃኑን ምምዛን የድሊ። መሰል ክበሃል ከሎ ሓደ ሰብ ርእይቶኡ ካብ ምሃብ ከይግደብ ዝተዋህቦ ተፈጥሮኣዊ ሂያብ እምበር፡ ንገዛእ ርእሱ ሓቂ ወይ ቅኑዕ ኣይኮነን። እቲ እነቕርቦ ሓሳብ ኣባና ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ናብ ናይ ኣተሓሳስባታት ዕዳጋ ዝወርድ ምዃኑ ዝዝንጋዕ ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብቲ ዕዳጋ ናይቲ ሸያጣይ ጥራይ ዘይኮነ፡ ናይቲ ዓዳጋይ ኩነታት እውን ኣብ ግምት ከኣቱ ናይ ግድን እዩ። እቲ ነቲ ሓሳብ ዝገዝእ ረብሓኡን ተረድኦኡን ኣብቲ ናብ ዕዳጋ ዝወረደ ሓሳብ ምንጽብራቑን ዘይምንጽብራቑን ክመዝን የገድሶ እዩ። በቲ ናቱ ምምዛን  ነቲ ሓሳባት ናይዘይምቕባሉ ዕድሉ ክፉት ምዃኑ እቲ ሸያጢ ከስተብህለሉ ግድን እዩ። ምኽንያቱ ሓሳብካ ንክገዝእ ቅሩብ ዘይኮነ ኣካል ኣገዲድካ ከተሰክሞ ምፍታን ናብ ዘየሳኒ ኩርናዕ ዝወስድ እዩ። ኩሉ ነገር ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ጥራይ ስለ ዘይውዳእ፡ ስለምንታይ ሓሳብና ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ እንተዘይተረዲኡና ናይ ምርዳእ  ጻዕርና ቀጻሊ ክኸውን ይግበኦ። ሓሳብና ስለምንታይ ተቐባልነት ከም ዘይረኸበ ንምርዳእ ኣብ ክንዲ ምጽዓር  ተሃዊኽና ምድርባዩን ተስፋ ምቑራጽን ቅኑዕ ኣይኮነን።

ሓሳብ ክንቅበል ወይ ክንነጽግ እንከለና፡ መዕቀኒና፡ ብኹሉ መለክዒ ትሕዝቶ ብምምዛን እምበር ብመንጽር ብመን ቀሪቡ ጥራይ ከይከውን ምጥንቃቕ የድልየና። ብዛዕባ መንነትን ድሕረ-ባይታን ናይቲ ሓሳብ ዘመንጩ ምሉእ ብምሉእ ኣይንገደስ ማለት ግና ኣይኮነን። ምናልባት ምስቲ ሓሳብ ዘቕረበ ኣቐዲሙ ዝተፈጥረ ሌላ ክህልወና  ይኽእል። እቲ ሌላ ብጽቡቕ ወይ ብሕማቕ ክኸውን ይኽእል። ካብዚ ነቒልና ነቲ ብጽቡቕ ዓይኒ ክንርእዮ ብዝጸናሕና ኣካል ዝቐርብ ሓሳብ ብድብድቡ ምቕባል፡ ነቲ ብሕማቕ ዓይኒ ክንርደኦ ዝጸናሕና ኣካል ዝቕረቦ ከኣ ብማዕዶ ምንጻጉ ኣብ ጌጋ ከውድቐና ይኽእል። ብመሰረቱ እቲ ቅድም ንፈትዎ ኮነ ንጸልኦ፡ ሎሚ እውን ኣብቲ ዘለዉዎ እዮም ዘለዉ ኢልና ምድምዳም ኣጸጋሚዩ። ምኽንያቱ ሰባት ካብ ግዜ ናብ ግዜ፡ ካብ ሓደ ዛዕባ ናብቲ ካልእ ዛዕባ ብኣተሓሳስባ ክቕየሩ ከም ዝኽእሉ ኣብ ግምት ምእታ ኣዝዩ ኣገዳሲ ስለ ዝኾነ። ንኣብነት ናብ ተመኩሮና እንተመጻእና፡ ንሓደ ሰብ ቅድም ኣብ ቤት ትምህርቲ ወይ ኣብ ሜዳ ቃልሲ  ብእንፈልጦ ጥራይ ኩለንተናኡ ኣብቲ ናይ ቀደም ኣፍልጦና ጥራይ ተመርኲስና ክንመዝኖ የጸግም።

ብዛዕባ ሓደ ጉዳይ ተቐዳዲምካ  ግዳማዊ ፍርዲ ምሃብ ናብ ጌጋ ዝመርሕ እዩ። እዚ ጸገምዚ ሎሚ ኣብ ደንበ ተቓውሞና ሳዕሪሩ ዘሎ እዩ። ምናልባት እውን ሓደ ካብቲ ኣተሓሳስባታትና ኣቀራሪብናን ኣሳኒናን፡ ብሓደ ከይንስለፍ ኣጸጋሚ ኮይነሙና ካብ ዘለዉ ምኽንያታት ጌርካ ዝውሰድ እዩ። ፍልልያትና እንተተኻኢሉ ኣወጊድና ወይ ኣከኣኢልና ብሓባር ክንቃለስ መተካእታ የብሉን። ናብዚ ክንበጽሕ ከኣ እቲ ሓደ እንታይ ይብል ከም ዘሎ፡ ብደጋዊ መንነት ናይቲ በሃሊኡ ከይተዓገትና፡ ኣብ ትሕዝኡ ክንደማመጽ ይግበኣና። ከምዚ እንተዘይጌና ግና ኣይኮነንዶ ንቕድሚት ክንስጉም እቲ መምሳና ዘሎ ዓቕምን ተቐባልነትን ወዲእና ካብቲ ዘዘለናዮ ኣይክንነቓነቕን ኢና። ምናልባት እውን ንድሕሪት ምምላስ ከጋጥም ይኽእል።

ናብቲ ብሓባር ዘቃልሰና መድረኽ ክንበጽሕ፡ ኣካልና ዘይኮነ ኣተሓሳስባታትና እዩ ክቀራረብ ዝግበኦ። ናብዚ ምቅርራብ ክንበቅዕ ከኣ ሓሰባትና እነንጸባርቐሉ መድረኻት ክንረክብ ናይ ግድን እዩ። እዚ ናይ ሓሳባት ዕሙር ዕዳጋ፡ መን የሰናድኦን ይጽወዖን ብዘየገድስ፡ ማሕበራዊ መራኸቢ መድያታት፡ ኣኼባታትን ካልእን ክኸውን ይኽእል። ነዚ መድረኻት ብመንጽር”መን ኣዳልይዎን ጸዊዕዎን” ዘይኮነ፡ ነቲ  “ኣብኡ እንታይ’ዩ ተባሂሉ” ዝብል ዝያዳ ከነድህበሉን ክንመዝኖን ይግበኣና።  ኣብ ከምዚ ዓይነት መድረኽ ተሳቲፍና፡ ዝበሃለና እንሰምዓሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣብቲ ዝተላዕለ ዛዕባ ናትና ሚዛን እነንጸባርቐሉ እውን ስለ ዝኾነ፡ ኩልኻ እትርበሓሉ እዩ። ምእንቲ ከምዚ ክኸውን እቲ መድረኽ ኣዳልዩ ዝጽውዕ ኣካል ካብ “ናተይ ጥራይ እዩ ዝስማዕ” ዝብል ስሰዐ ከወጽእ ይግበኦ።  ኣብ ኤርትራዊ ፖለቲካዊ መድረኽ ምስታፍ፡ ከምቲ “ኢድካ ኣብ ባሕሪ ስደድ እሞ ወይ ሉል ሕዚካ ወይ ተሓጺብካ ትወጽእ” ዝበሃል እንተዘይከሰብና  እውን ንኸስረሉ ኣይኮነን። ንኣብነት ኣባላት ሰልፊ ዲሞክራሲ ህዝቢ ኤርትራ (ሰዲህኤ) ኣብ ዝኾነ ኤርትራዊ መድረኽ ክሳተፉ መሰል ኣለዎም። ካብቲ መድረኽ ኣንታይ ይወስዱን እንታይ ይህቡን ከኣ በቲ መርገጽ ሰልፎም ኣብቲ መዛረቢ ዛዕባ  ዝዕቀን እዩ።

እቲ ሓሓሊፉ ዝረአ፡ ካብ ዘይኣመንካሉ ኣኼባ ድዩ ካልእ መድረኽ ምብኳር፡ ናይቶም ዝበኹሩ መሰል እዩ። ካብኡ ሓሊፉ ነቲ መድረኽ“ኣነ ስለ ዘይኣመንኩሉ እገለ ዝበሃል ባእታዶ ውድብ ሰለምንታይ ይሳተፎ”ብዝብል ዝፍጠር ኩራን ምጉብዕባን ካብ“ኣጻልኡና”ሓሊፉ ካልእ ትርጉም የብሉን። ስለዚ ምስታፍን ምብኳርን ማዕረ መሰል ናይቶም ዝመርጽዎ ምዃኑ ምስትውዓል ጽቡቕ እዩ። በቲ ኮነ በዚ ኣብ ክንዲ ንሓሳባት ብማዕዶ’ሞ ብደጋዊ መምዘኒ ምፍራድ፡ ብመንጽር“መን በሎ ዘይኮነስ፡ ብትሕዝቶቲ ዝተባህለ”ምርኣዮም ጠቓሚ እዩ።

 

Last modified on Tuesday, 18 May 2021 20:28