Print this page

እቲ ቀንዲ ጉዳይና ከይሰሓትና

2021-02-25 09:09:25 Written by  ቤትጽሐት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2438 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ንኤርትራውያን ቅድም ኮነ ሎሚ፡ ቀንዲ ጉዳይና ኤርትራዊ ዋኒን እዩ። ክሳብ ሕጂ ዝኸፈልናዮ ዋጋ ከኣ ምእንቲ ኤርትራን ህዝባን እዩ። እዚ ኣብ መጻኢ እውን ዘይቅየር እዩ። ከምቲ ንኣደ ብዘይዝኾነ ይኹን ተወሳኺ  ቅጽል ኣደ ስለ ዝኾነት ጥራይ እነፍቅራ፡ ንኤርትራ ከኣ ብኽንድኡ ደረጃ ኢና እነፍቅራን እንብጀወላን።

እዚ ክበሃል እንከሎ ግና ኤርትራዊ ጉዳይና በይኑ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ኣብ ክንድኡ ብናይ ርሑቕን ቀረባን ምዕባለታት ክጸሉን  ክጽለውን ናይ ግድን እዩ። ናይቲ ንጸልዎን ዝጸልወናን ክብደት ከኣ ከከም ደረጃኡን ርሕቀቱን ዝፈላለ እዩ። ካብቲ ዝረሓቐ ብዝያዳ ምስ ጐረባብትና ንጸላሎ። ንሕና እቶም ንጸሉን እቶም ዝጸልዉናን እንቀራረብ ሓደ ነቲ ሓደ ስለ ዝሓልየሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ነናትና ካብቲ ሓቢርካ ምስጓም  ነመዝግቦ ናይ ሓባር ረብሓን ጠመተን ስለ ዘለና ኢና። እቲ ምጽልላው ኣብ ኣውንታ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ ኣብቲ ኣሉታዊ ምዕባለ እውን ከምኡ እዩ። ኣብዚ ነቲ “እንተ ክትድቅስ ጐረቤትካ ይደቅስ” ዝብል ምስላ  ምዝካር የድልየና።

ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ደማዊ ውግእ ናይ ብዙሓት ዓብይ እዋናዊ መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኑ ኣሎ። እቲ ኣብ ኤርትራ ኣሕዲርዎ ዘሎ ተራ ናይ ጎረቤት ጽልዋ ዘይኮነስ፡ ዓብይ ስምብራት ዝገድፍ እዩ። እዚ ዝኾነሉ ምኽኒያት ድማ ዲክታቶር ኢሰያስ ከምቲ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ጉዳይና ኢዩ” ኢሉ ዝገለጾ ብምሉእ ዓቕሙ ኣትይዎ ብምህላው ኢዩ። እዚ ድማ ኣብ ኤርትራ ቀጥታዊ ኣሉታዊ ጽልዋ ኣለዎ። መላኺ ጉጅለ ህግደፍ ንጉዳይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሓዋዊሱ ኣብ ዝኸደሉ ዘሎ፡ ኣብ ኩሉ መድረኻትን ኣጋጣምታትን ክንምክቶ ይህልወና። ከምቲ “ካብ እመትሲ ስድሪ ኣላታ” ዝበሃል ከኣ ጽልዋኡ ኣባና ኣብ ጐረቤት እቲ ውግእ እንርከብ ኤርትራን ህዝባን ዝለዓለ እዩ። ዳርጋ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ነዊሕ ሱር ዝሰደደ ኣዝዩ ከቢድ ክንሱ፡ ክንድቲ ምረቱ ድምጹ ክስማዕ ዘይጸንሐ ኤርትራዊ ጉዳይና እውን ዝዓብለሎ ይመስል ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ቅድሚ ምጅማሩ እንተደኣ ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ወይ ኢትዮጵያ ተደሪቱ ዝተርፍ ዘይኮነ፡ ዞባዊ ጽልዋን ኣሰላልፋን ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ዝተገመቶ እቲ ውግእ ካብ ዞባና ሓሊፉ ኣብ ርሑቕ ከባብታት እውን የዛርብ፡ የሻቕልን ሃገራት መርገጸን ከነጽራ የገድደንን ኣሎ። ንሕና ሓይልታት ተቓውሞ ከኣ ከም  ኤርትራውን ዞባውን ባእታ ንጽለው ኣሎና።

ካብቲ ነዚ ውግእ ተጐዝጒዙ ኣብ ኤርትራዊ መድረኻት ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ፡ ናይ ጉጅለ ህግደፍ ኣብቲ ውግእ ኢድ ኣእታውነት እዩ። “ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ውግእ ትግራይ ኣትዩባ ኣይኣተወን እባ”  ዝብል ብዙሕ ከዋጥጥ ጸኒሑ እዩ። ሕጂ ግና ዋላኳ ገለ “ዋላ ትንፈር እምበር ጤል እያ”  ካብ ዝብል ምዕጥጣይ ዘይወጹ እንተለዉ ዳርጋ ኩሉ ኤርትራዊ ንምስታፍ ሰራዊት ኤርትራ ኣብቲ ውግእ ተኣሚንሉ እዩ። ባዕሎም ኢትዮጵያውያን ከይተረፉ፡ ብዘይካ ኣዝዮም ውሱናት ኣብቲ ዝለዓለ ጽፍሒ ስልጣን ዘለዉ ተኣሚነምሉ እዮም። ዲክታተር ኢሳያስ ኣፈወርቂ እውን ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ኣብ ዝሃቦ ቃለመሓትት ከም መቐጸልታ ናይቲ “ጸወታ ወያነ ተወዲኡ” ዝብሎ ዝነበረ፡ “ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ግቡእና ንገብር ኣለና” ብዝብል ጥበበኛ ዝመስል ግና ከኣ ርዱእ ኣቀራርባ ኢዱ ከም ዘእተወ ተኣሚኑ እዩ። ኣብዚ ዝሓለፈ መዓልታት፡   ንሕብረት ኤውሮጳ ወኪሎም ናብ ኢትዮጵያ ገይሾም ዝተመልሱ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ፊንላንድ ሃቪስቶን፡ ናብ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተራት ናይቲ ሕብረት  ኣብ ዘቕረብዎ ጸብጻብ፥ መሪሕነት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዘሎ ኩነታት ንጹር ሓበሬታ ክህብ ኣይበቐዐን …… ኣዲስ ኣበባን ኣስመራን ክልቲኦም፡ ናይ ሲቪላውያን፡ ሰራሕተኛታት ረዲአትን ገለ ናይ መንግስቲ ወተሃደራውን ሲቪላውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ናይ ዓይኒ ምስክረነት ተጻሪሮም፡  ንኢድ ኣእታውነት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ክሒዶም”   ዝብል ንጹር ሓሳብ ኣቕሪቦም።  ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ  ይፍጽሞ ኣሎ  ዝበሃል፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዘይውክል ገበናትን ምኽንያታውነት  ኣተኣታትዋኡን ግና ጌና የዛርብ ኣሎ።

ነዚ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ንብረቱን ዝፍጸም ዘሎ ጉድኣት ምኹናንን ኣብ ክንድኡ ውግእ ጠጠው ኢሉ እቲ ጸገም ብሕጋውን ፖለቲካውን ኣገባብ ንክፍታሕ ምጽዋዕን ኩሉ ገዲፍካ ብሰብኣውነት ዝረአ እዩ። ብፍላይ ከኣ ንሕና ኤርትራውያን ሰብና ህይወት ይኸፍልሉ ኣብ ርእሲ ምህላዎም፡ ኣብ መጻኢ ዝምድና ናይቲ ዘይሓልፍ ህዝብታት ኤርትራን ትግራይን ሳዕቤኑ ዘየደቅስ ብምዃኑ ዝያዳ እቶም ካብ ርሑቕ ዓገብ ዝብሉ ዘለዉ፡ ዓገብ ክንብል ናይ ግድን እዩ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ   በብግዜኡ ብዝተፈላለዩ ኤርትራዊ ውድባት፡ ሰልፍታት፡ ማሕበራትን ምንቅስቓሳትን መግለጽታት ከውጽኡን ሰልፍታት ከካይዱን ዝጸንሑ። ሓይሊ ዕማም ናይ ወጻኢ ዝምድናታት፡ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኤርትራ (ፖሓኤ) እውን ንመበል 46 ዓመት ምጅማር ቃልሲ፡ ህዝባዊ ወያኒ ሓርነት ትግራይ (ህወሓት) 18 ለካቲት ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ናይ ካልኦት ሃገራት ኣይንኣትውን ኢና ካብ ዝብል ጽኑዕ መትከልና ብምብጋስ፣ ስርዓት ህግዲፍ ብዘይ ወዓል ሕደር ሓይልታቱ ካብ ትግራይ ክስሕብን፣ እቲ ኣብ ዘይምልከቶ ውግእ ኣትዩ ዝሃልቕ ዘሎ ኤርትራዊ መንእሰይ ከኣ፣ ኣመት መሰል፣ ነጻነትን፣ ልዕላውነትን ሃገሩ ክገብርን፣ ነዚ ኣትይዎ ዘሎ ሓደገኛ ተልእኾ ብትሪ ክቃወምን …….. ተሪር ጻውዒትና ነቕርብ”  ኢሉ።

ብዛዕባቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ እሞ ሓያል ማሕበራዊ ቅልውላው ዘኸተለ ውግእ ዓገብ ምባል ንቡር እዩ። ንሕና ዓገብ እንብል ካብቶም  ዝዋግኡ ዘለዉ ኣካላት ነቲ ሓደ  ካብ ምድጋፍ ወይ ነቲ ካልእ ካብ ምጽራር ጥራይ ዝነቅል ዘይኮነ ረብሓን ቀጻልነትን ኤርትራ እውን በዚ ኩነታት ይጽሎ ስለ ዝኾነ እዩ። ኣብ ኣመዛዝና እዚ ጉዳይ ፍልልይ እንተሃለወ ከኣ እቲ ፍልልይና ኣብ ኤርትራዊ ኣጀንዳና ብዘየረሓሕቐና ክንሕዞ ይግበኣና። በቲ ካልእ መልክዑ ብዛዕባዚ ጉዳይ ምዝራብን ኣቓልቦ ምሃብን ግና ነቲ ቀንዲ ኤርትራዊ ጠመተና ዘስሕተና ከይከውን ምስትብሃል ከድልየና እዩ። ብመሰረቱ እውን እቲ ኣብዚ ጉዳይ ኣዛራቢ ኮይኑ ዘሎ ኢድ ኣእታውነትን ሕማቕ ተግባራትን ጉጅለ ህግደፍ መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ኤርትራ መሊኡ ዝፈስስ ዘሎ ወጽዓ ምዃኑ ኣይንዘንግዕ።

Last modified on Thursday, 25 February 2021 10:14