መሰል ምውሳን ኣብ ጉዳዩ፡ ዝተነፈገ ህዝቢ

2021-01-04 08:51:24 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1889 times

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝኾነ ካልእ ህዝቢታት ዓለም  ዘይሓልፍን ዘይነጽፍን በዓል ክቡር ባሕሪ ታሪኽ እዩ።  ኩሎም ካብዚ ህዝባዊ ባሕሪ ዝወጹ፡ ኣብ ጉዳይ ሃገሮምን ህዝቦምን ተመሳሳሊ ኣተሓሳስባ ብዘለዎም ዜጋታት ዝምስረት ፖለቲካዊ ሰልፊ፡ ውድብ፡ ማሕበርን ካልእ ምልዕዓልን ከኣ ኣካል ናይዚ ህዝቢ ካብ ምዃን ሓሊፉ፡ ምስ ህዝቢ “ናይ ሓደ ቅርሺ ካለኣይ ገጽ እየ” ኢሉ ክንየትን ክመዓራረን ኣይክእልን። ብኣተሓሳስባኡ ናይ ህዝቢ ተቐባልነት ክረክብ ክጽዕርን ህዝቢ ነቲ ይምእመኣኒ እዩ ዝበሎ እምነቱ ከንብረሉን ከኣ  ንቡር እዩ።

እቲ ንቀጻልነቱ ከድልዮ እንከሎ፡ ህዝብና ንዘለዎ ፍቕሪ ሃገርን ንሰማእታቱ ዘለዎ ዓሚቕ ክብርን፡ መዝሚዙ  ንገዛእ ርእሱ ምስ ህዝቢ ክጠብቕን ከደባለቕን ዝህቅን ጉጅለ ህግደፍ ግና፡ ብዘይካ ሓይልን ዓመጽን ኣካል ህዝቢ ኤርትራ ከብሎ ዝኽእል ኣተሓሳስባን  ሕጋዊ ምትእስሳርን’ኳ  የብሉን። ሓደ  ምእንቲ ህዝቢ ይቃለስ እየ ዝብል ውድብ ወይ ሰልፊ፡ ቅድሚ መላእ ህዝቢ ክውክል ምምጥጣሩ፡ ኣቐዲሙ ምስቶም ውሱናት ኣባላቱ ዘተኣሳስሮ ትካላዊ መስኖ፡ ዝምረሓሉ ቅዋምን ንከዕውቶ ዝትልሞ ሸቶ ክህልዎን ከኽብሮን ንዘውጸኦ ሕግታት ዘለዎ ምእዙዝነት ከውሕስን ክበቅዕ ይግባእ።

ብመንጽርዚ ክንርእዮ እንከለና፡ እቲ ኣብ ማእከል ጐልጐል፡ ብዘይካ ጉልበት ጥልመትን ካልእ እንዶ ዘየብሉ ክነሱ፡ “ካልእ  ገጽ ናይ ህዝቢ ኤርትራ እየ” ክብል ዘይሓፍር ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቶም ዝርካቦም ንገለን ኣእሚኑ ንገለን ከኣ ኣደናጊሩ ወይ ብግዝያዊ ጠቕሚ  ኣስዲዑ ኣብ ጐኑ ዘሰለፎም ኣባላቱ’ኳ ካብ ዝጠልሞም ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ነቲ ብሕጋውን ዲሞክራስያውን ምርጫ ዘይኮነስ፡ ብኢደወነኑ ከካብቲ ዝደለዮ ኩርነዓት እንዳቆንጠረ ዘቖሞ መሪሕነታዊ ኣካላቱ ካብ ዝጥንጥኖ እውን ሎሚስ ቀደም ኮይኑ እዩ። ናይቲ ዝሽቅጠሉ ጉጅለ ጉባአ ወይ ናይ መሪሕነታዊ ኣካላቱ ኣኼባ ዝበሃል ቋንቋ ካብ መዝገቡ ቀደም ሓኺኽዎ እዩ። ነዚ ዕሙት ኣካይድኡ ንዝነቐፉ ኣካላት ከኣ ብኸቢድ ገበን ይኸሶም። ስለዚ ጉጅለ ህግደፍ ኣንዳተጸልጸለን እንዳደስከለን ቅድም ናብ ጉጅለ ኢሳያስ ወሪዱ። ሎሚ ከኣ እነሆ  ኣብ ኢድ ሓደ ውልቀ መላኺ ባእታ በጺሑ። ነዚ ኣቐሚጦም በቲ ሓደ ወገን እቲ ጉጅለ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝውክል፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ናይቲ ጉጅለ መራሒ ብዘመሓላልፎም ውሳነታት፡ ብዝወስዶም ጽሉላት ስጉምትታትን ከም ሳዕቤናቱ ናይ ዝፍጠር ገበን ከም ዝሕተትን ኣምሲሎም ከቕርብዎ ዝፍትኑ ከጋጥሙ እንከለዉ ካብ ምግራም ሓሊፉ ዘተዓዛዝብ እዩ። “ሕነ ቀራናትስ ንጓዕማማት” እውን የብል።

መብዛሕቶም ኣሚነምሉ ድዮም ተገሪሆም ኣባላት እቲ ጉጅለ ዝነበሩ ኤርትራውያን  ካብ ዝርሕርሕዎ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ ኣሎ።  ምርሕራሕ ጥራይ ዘይኮነ ምእንቲ ራህዋን ቅሳነትን ህዝቦም ኣንጻርቲ ጉጅለ  ይቃለሱ ኣለዉ። ከምቲ “ካብ ብሱል ጥረ ኣይሰኣንን” ዝበሃል ግና ኣዝዮም ውሑዳት ጌና በቲ ቀደም ዝጀመርዎ ካብ ጭረሖ “ንኺድ ጥራይ” ዘይተመልሱ እውን ኣለዉ። እንተኾነ ናይ ግዜ ጉዳይ እንተዘይኮይኑ እዞም ውሑዳት እውን ነቲ ጉጅለ ራሕሪሖም ኣካል እቲ ቃልሲ ምእንቲ ለውጢ ከም ዝኾኑ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

እቲ ጉጅለ ኣይኮነንዶ ንህዝቢ ኤርትራ ክውክል ከምቲ “ኣደኻስ ብስም ኣይትወጽዕካ” ዝበሃል፡ ነቲ ብዲሞክራስን ፍትሕን ዘቀናጅዎ ጉጅለኡ እውን ከም ዝጠለሞ ካብ ዘመልክቱ ኣብነታት፡ እቲ ኣጀማምራ ዝምድናኡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ከም ኣብነት ዝውሰድ እዩ። ነቲ ዝምድና ንምጽብባቑኳ፡ “ዝምድና ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን” ኢልካ ንምጥማቑ እንተተፈተነ፡ ናይ ክልተ ህዝብታት ዘይኮነ ናይ ክልተ “መራሕቲ” ጥራይ ምንባሩ ንክቃላዕ ግዜ ኣይወሰደን። መላእ ህዝቢ ኤርትራስ ይትረፍ፡ ኣባላትን ትካላትን ጉጅለ ህግዲፍ እውን ብዘይካ ኣብ ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት 20 ሰነ ብመደረ ዲክታተር ኢሳያስ ክጥቀስ እንከሎ እዩ ሰሚዑ። ድሕሪኡ እንተኾነ እውን እቲ ዛዕባ ኣዝዩ ኣገዳሲ ክነሱ፡ ኣብ ኣኼባ ማእከላይ ኮሚተ፡ ኣብ ርክብ ፈጻሚ ኣካል ናይቲ ጉጅለ ወይ ካቢነ ሚኒስተራት ተራእዩ ተወሲኑ ክብል ዘኽእሎ ሓበሬታን ሞራልን ከምዘይነበሮን ክሳብ ሕጂ እንተኾነ እውን ከምዘየብሉ ርኡይ እዩ። ስለዚ እቲ ዝምድና ነቲ ጉጅለ ከም ውዳበ ከም ዘይውክል ንጹር ካብ ኮነ፡ ንህዝቢ ኤርትራ እውን ከም ዘይምልክት ውሁብ እዩ። ውጽኢቱ’ውን ከምኡ እዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ሓጥያት ክፍጽም እንከሎ፡ ምእንቲ መሳኽምቲ ገበን ክኾኖ፡ ፈታዊኡ ተመሲሉ ከም ቁርዲድ ናብ  ህዝቢ ምልሓግን  ምጽጋዕን ኣመሉ እዩ። እቲ ጉጅለ ብኸምዚ ዓይነት መህደሚ  ክጣበብ ምስቲ ሸፋጢ ባህሪኡ ርዱእ እዩ። ንኣብነት ኣብዚ እዋንዚ ምእታው ሰራዊት ኤርትራ ናብቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዝምልከቶ ኣምሲልካ ምግላጹ ንሰምዕ ኣለና። ካብዚ ሓሊፉ እቲ ሰራዊት ኣብቲ ውግእ ፈጺምዎ ተባሂሉ ዝኽሰሰሉ ዘሎ ስርቂ፡ ቅትለትን ምዕናው ትካላትን ንህዝቢ ኤርትራ ከም ዘይውክል ፍሉጥ ክነሱ፡ ከምዝውክል ኣምሲልካ ብምቕራብ ክርክርን ክትዕን ይስማዕ ኣሎ።

እቶም ኣብዚ ተሃዋሲ ዛዕባታት ንግደ ህዝቢ ኤርትራ ብዝምልከት ዝከራኸሩ ዘለዉ፡ ቅድሚ ኩሉ ክግንዘብዎ ዝግበኦም መሰረታዊ ጉዳይ፡  ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ገዛእ ጉዳዩ እውን ዝኾነ ይኹን ናይ ምውሳን ተሳትፎ ዘይብሉ ምዃኑ እዩ። ግዳይ ናይቲ ኢሳያስ ዝጽይቖ ካብ ምዃን ግና ዓዲ ኣይወዓለን። ህዝቢ ኤርትራ ንጉጅለ ህግዲፍ ዝቆጻጸረሉ ሕገመንግስታዊ ውዕልን ትካላዊ መራኸብን ዘየብሉ ምዃኑ እውን ግንዛበ ክረክብ ይግበኦ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ከቢድ ኣርዑት ምልኪ ይነብር ከም ዘሎ፡ ኣይኮነንዶ ኣብ ድርኩዂት ሃገርና ዘለዉ ተጋሩን ካለኦት ኢትዮጵያውያንን ኣብ ኣዝዩ ርሑቕ ኩርነዓት ዓለም ዘለዉ ወገናት እውን ይፈልጥዎ እዮም። ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይወዓሎ ክውንጀል ኣይግበኦን። ምናልባት ኮነ ኢሎም ሓጥያት ጉጅለ ህግዲፍ ንምፍዃስ ወይ ንምሕባእ  ንህዝብና ኣብ ዘይወዕሎ ገበን ከእትዉዎን ነቲ ክቡር ስሙ ክድዉኑን ዝህቅኑ ወገናት እንተልዮም “ኣይፋልኩምን ናብ ልብኹም ተመለሱ”  ኢና እንብሎም።

Last modified on Monday, 04 January 2021 10:00