Print this page

መመሊሱ ዝዓርግ ዘሎ፡ እንጽርጽሮት ህግዲፍ

2020-11-03 22:23:59 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 1949 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

መራሒ ህግዲፍ ኣብ ስልጣን ካብ ዝድይብ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝፍጽሞ ዘሎ ወጽዓ ኣመና ብዙሕን መሪርን ብምዃኑ  ምዝርዛሩ ዘጸገም እዩ። እቲ ኩሉ ዘውርዶ በደልን ሕሱም ተግባራትን ከኣ፡ ናይቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ  ዘለዎ ክቱር ንዕቀት፡ ቅርሕንትን ብደዐን መግለጺ ኢዩ። ከምቲ “ዝወዓለን ይንገርካ፡ ዝሰሓተን ይምከርካ” ዝብሃል፡ እቲ ቀንዲ ንምረት ወጽዓ ጉጅለ ህግዲፍ ዝፈልጦን ዝርደኦን ባዕሉ እቲ ኣብ እንግድዕኡ ዝወርድ ዘሎ  ህዝቢ ኤርትራ እዩ። እዚ ክበሃል እንከሎ ግና፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ካብ ሕብረተሰብ ዓለም እውን ዝተሰወረ ኣይኮነን።

ህዝቢ ኤርትራ ንወጽዓ ህግዲፍ “ኣሜን” ኢሉ ኣይተቐበሎን። ኣብዚ እዋንዚ ብውሽጥን ወጻእን ዘስመዖ ዘሎ ናይ “ህግዲፍ ይኺደልና” ድምጺ፡ መመሊሱ ይብርኽ ኣሎ። ኣብ ወጻኢ ይኹን ኣብ ውሽጢ ሃገር በብደረጃኡ ነቲ ጉጅለ ዝኹንን ዘሎ ድምጽታትን  ናይ ሕራነ ተበግሶታትን ብቐሊሉ ዘይግመት እዩ። እዚ ነቲ ጉጅለ ዝብድህ ዘሎ ካብ ነዊሕ  ናይ ቃልሲ ተመኩሮ ዝተዋህለለ ዓቕሚ እዩ። ህግዲፍ ዝለመዶ ንጉዳያት ናይ ሓቢእካ ምኻድ ግጉይ ጥበብ እንዳተሳዕረ፡ ኣዕናውን ኣጽናትን ተግባራቱ ተቓሊዑ ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ይኸውን ከም ዘሎ ርእዩ፡ ቀርኑ ከም ዝተወቕዐ ብዕራይ የንጸርጽር ኣሎ። ህዝቢ ኤርትራ በቲ ክብደት ናይቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወረድ ዘሎ ተወዳዳሪ ዘየብሉ ዘየናሕሲ ተግባራት ህግዲፍ፡ “ስለምታይ እዩ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝወርድ ዘሎ ወጽዓ ብዝምጥን ደረጃ ኣንጻሩ ዘይተላዕለ?” ዝብል ሕቶ በብኹርናዑ ካብ ምቅላሕ ዓዲ ኣይወዓለን።

ናይ ህግዲፍ ናይ ጸገም ኣፈታትሓ ንሓደ ጉዳይ ኣብ ምግጣም ዘይኮነ፡ ኣብ ምሕባኡን ካብኡ ምህዳምን እዩ ዝመርጽ። ነቲ “ሓባእ ቁስሉስ ሓባእ ፈውሱ” ዝብል ኣታሓሳስባ ኣዝዩ ስለ ዝፈርሆ ኣይምረሓሉን እዩ። እቲ ፍርሁ ከኣ ንዘጋጥም ብደሆ ዘበድህ ኣተሓሳስባን ትብዓትን ካብ ዘይምውናን ዝነቅል እዩ። ኤርትራ ሕገመንስቲዶ ኣየድልያን እዩ?፡ ኣብ ኤርትራ ተወዲቡ ኣንጻር ጉጅለኻ ዝቃለስ ናይ ለውጢ ሓይሊ ኣሎዶ?፡ ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰል ናብ ኤርትራ ኣትዮም ክዕዘቡዶ ይፍቀደሎም’ዩ?፡ ስለምንታይ ናይ ፖለቲካን ናይ ሕልናን እሱራት ናብ ቤት ፍርዲ ዘይቀርቡ ወይ ብናጻ ዘይፍትሑ?፡ ትሕዝቶ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ዝገብርካዮ ስምምዕ እንታይ እዩ?…….. ውዘተ ዝብሉ ሕቶታት ካብቶም ድቃስ ዝኸልእዎ ዘለዉ እዮም። እንተኾነ ከምቲ “ሕኑቕ እንታይ የውጽእ ዘይዓፍራ” ዝበሃል፡ መልሲ ስለ ዘየብሉ ምርጫኡ ምጽቃጥን ምሕባእን እዩ። ሓደሓደ ግዜ ከኣ ኣብ ክንዲ ኣብ ባይታ ዘሎ ሕቶ ምምላስ፡ ተመሊሱ ሓታታይ ኮይኑ ይቐርብ። እዚ ኩሉ እምበኣር  ናይ ምሕያሉ ዘይኮነ ናይ ፍርሑን ስግኣቱን መርኣያ እዩ።

ሎሚ ግና፡ በቲ ሓደ ወገን ወጽዓ ህግዲፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ሓደ ኣብ ልዕልቲ ካልእ እንዳተደራረበ ኣዝዩ ስለ ዝኸበደ፡ በቲ ካልእ ወገን ከኣ እቲ ጉጅለ ሓቀኛ መንነቱ ንምሕባእ ከቕርቦ ዝጸንሐ ምስምሳት እንዳተጸንቀቐ ስለ ዝኸደ፡ ኢሳያስን ዘራጊ ኣተሓሳስባኡን ናይ ብዙሓት መዛረቢ ኣጀንዳ ኮይኖም ኣለዉ። ርግጽዩ ኤርትራ ብሰንኪ ኢሳያስ “ናይ ኣፍሪቃ ሰሜን ኮርያ” ተባሂላ ካብ እትጥመቕ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ኣብዚ እዋናትዚ ከኣ፡ ብሓደ ወገን ጠበቓታት ሽወደን ብሜላዊ ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ይኸስዎ ምህላዎም፡ በቲ ካልእ  ወገን ከኣ፡ ቆንስል ኤርትራ ኣብ ሆላንድ ኣብታ ሃገር፡ ካብ ዝነብሩ ኤርትራዊ ዝመበቆሎም ጸልማት ተጐልቢቡ ብምስምስ 2%  ገዛገዛ እንዳ ኳሕኮሐ ገንዘብ ብምቕራሙ፡ ብሰበ ስልጣን እታ ሃገር መጠንቀቕታ ተዋሂቡ። እዚ ነቲ ጉጅለ ኣብ ርእስቲ ዝጸንሖ ዓበድበድ ሕማም መርዘን ኮይንዎ ኣሎ። እዚ ሓድሽ ኮይኑ ንጠቕሶ ኣለና እምበር፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጽሞ ግህሰት ጠጠው ከብል፡ ደረት ዘየብሉ ግዱድ ዕስክርና ከቋርጽ ብዝተፈላለያ ኣህጉራውን ዞባውን ትካላት ካብ ዝንገሮ ነዊሕ ኮይኑ እዩ። እዚ ጉጅለ ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ባሕሪ ብሓደጋ ንዝሃለቑ ዜጋታትና ኣፍልጦ ዝኸልእን ሬሳታትቶም ዝጽየፍን ምዃኑ ተወሲኽዎ ሎሚ ምስሉ ተደዊኑ’ዩ።

ጉጅለ ህግዲፍ ቅኑዕን ንህዝብን ሃገርን ዝሓልን ሓላፍነታዊ ኣተሓሳስባ እንተንዝነብሮ ነዚ ባዕሉ ዝፈጸሞ ገበናት ክንሱ፡ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝንገሮ ዘሎ ቆላሕታ መሃቦ። እንተኾነ ብርታዐኡ ኣብ ህልኽ ስለ ዘኹድድ ኣብ ኤርትራ ዝገብሮ ከይኣኽሎ፡ ናብ ዞባና ከላብዖ ይጽዕት ኣሎ። በይኑ ከይከውን ከኣ ብባህሪ ዝመሳሰልዎ መተኣጉድቲ ሓዊ ካብ ምድላይ ዓዲ ኣይውዓለን። እቲ ብ”ዓራቒ መሲልካ ረቕራቒ” ዝግለጽ መጣቖሲ ባህሪኡ ከኣ ሎሚ’ውን ኮለል ኢሉ ይረአ ኣሎ። ብዙሓት ለኪምካ ናይ ምጥፋእ ባህሪኡ ዝተረድኡ ወገናት ከኣ በቶም መዛምድቱ መራሕቶም ኣቢሎም “እዚ ሰብዚ ካብ ጉዳይና ዘይቅዱስ ኣእዳዉ ይኣክበልና” ዝትሕዝቶኡ ተሪር መልእኽቲ የመሓላልፉ ኣለዉ። እዚ ከኣ ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻርዚ ጉጅለ ይካይዶ ኣብ ዘሎ ቃልሲ በይኑ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ።

እዚ ጉጅለ ሓድሽ ተሓናፋጣይ ስለ ዘይኮነ፡ ሎሚ “ዘንጸርጸረ ዓጋዜንሲ ኣብ ምውጋእ በጽሐ” ዝብል ኣበሃህላ ኣይምልከቶን ይኸውን። ግና ከኣ ኣብዚ እዋንዚ እንጽርጽሮቱ መመሊሱ ይዓርግ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና። ሎሚ ንኣካይዳኡ ባይታ ብዝኸልእ ኣተሓሳስባን ኩነታትን ተኸቢቡ ስለ ዘሎን ካብዚ ተኸቢብዎ ዘሎ ኣውጺኡ ዕደመ  ዘንውሕ ጥዑይ ኣተሓሳስባ ስለ ዘየብሉን ኣብ ቅድሜኡ ዘላ ሓንቲ ምርጫ’ያ ንሳኸኣ ለኪምካ ምጥፋእ እያ። ከምኡ ስለ ዝኾነ እዩ ከኣ መፍትሒ ጸገም ብእሂንምሂን ሓቢርካ ምዕዋት እምበር ውግእ ኣብ ዘይኮነሉ ዘበን ውግእ ዝመርጽ። ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ኤርትራ ነዚ ግጉይ ምርጫኡ ዝእምት ምንቅስቓስ የካይድ ከም ዘሎ  ምልክታት ኣሎ። እዚ ምልክታትዚ ናይ ምሕያሉ ዘይኮነ፡ ተስፋ ዝቖረጸ ናይ “ተለኻኺምና ንጥፋእ” ምዃኑ ህዝብና ኣስተብሂሉ ክቃለሶ ዝግበኦ’ዩ። ህዝብና ድሕሪ ሕጂ ናብ ዘይረበሓሉ ህውከት ከምዘይኩብኮብኳ ፍሉጥ እንተኾ፡ ከነዘኻኽሮ ግና ናይ ግድን እዩ።

ሕብረተሰብ ዓለም ንናይ ህዝብና ተደጋጋሚ ምሕጽንታ ኣብ ግምእት ኣእትዩ፡ ነቲ ንህግዲፍ ንክቐጽዕ ብዝተፈላለዩ ወገናት ዝቀላቐል ዘሎ ምልክታት ዝያዳ ከሕይሎ ንጽውዕ። ንሕና ሓይልታት ለውጢ ከኣ፡ ልዕሊ ኩሉ  ኢሳያስን ጉጅለኡን፡ ንሓንሳብ ዓራቓይ ንሓንሳብ ድማ ዘራይ መሲሎም ዘዕለብጥዎ ዘለዉ፡ ናይ እንጽርጹረት እምበር ናይ ብርታዐ መግለጺ ከም ዘይኮነ ተረዲእና ሓቢርና ከይለኻኸሙ ከነፋንዎም ይግበኣና።

Last modified on Tuesday, 03 November 2020 23:27