Print this page

ብድሕሪ መጋረጃ፡ ምስ ኢሳያስ

2020-10-10 10:29:07 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2765 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኢሳያስን ጉጅለኡን ንስሙ ከም መራሕቲ ኤርትራ ይጸውዑ እምበር ብኣተሓሳስባን ተግባርንሲ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ዘይህልዉ ነዊሕ ግዜ ኮይኑ እዩ። ብሓደ ዘይምህላዎም ንምርዳእ ድማ ድሌት፡ ባህግን ትጽቢትን ህዝቢ ኤርትራ እንታይ ምዃኑ ተረሲዑ፡ መላኺ ስርዓት ናይ ጭቆና ስልጣኑ ከናውሕ ብዝገብሮ ዘሎ ወስታታት ሃገራዊ ክድዓት ዝሓዘ ውዲታት ዝግለጽ እዩ።

ህዝቢ ኤርትራ፡ ልኡላውነት ሃገሩን ክብሩን ክዕቀብ፡ ኣብታ ኣዝዩ ክቡር ዝዋጋኣ ሃገሩ፡ ኩሉ መሰላቱ ክሕለወሉ፡ ብሕገመንግስታዊ ስርዓት ክመሓደር፡ ዝመርሕዎ ሰባት ዘደይበሉን ዘውርደሉን ዲሞክራስያዊ፡  ትካላትን ኣሰራርሓን ክህልዎ ድሌቱ እዩ። ነብሱ ክኢሉ ሃገሩ ዘዕብየሉን ጸጋ ሃገሩ ብማዕረ ንኹሎም ዜጋታት ዝመቓረሓሉን ቁጠባዊ ፖሊሲ ክትልም  ይደሊ። ዘይተገደበ መሰል እምነት፡ ሓሳባካ ምግላጽን ምውዳብን ከረጋገጸሉ ይደልን ይብህግን። ባህግን ድሌትን ጥራይ ዘይኮነ እቲ ዘካየዶ ነዊሕን መሪርን ቃልሱ እውን ምእንቲ እዚ እዩ ነይሩ። እቲ ሎሚ ዘካይዶ ዘሎ ቃልሲ እውን ምእንቲ እዚ እዩ። ብኣንጻሩ ኢሳያስ ኮነ ኢሉ ኣንጻር እዚ ዝተዘርዘረ ድሌት ህዝቢ ኤርትራ እዩ ክሰርሕ ዝጸንሐን ዘሎን። ኢሳያስ ጸረ ዲሞክራስን ልዕልና ሕግን ጥራይ ኣይኮነን። ኣብ ግሁድ ብቕትለት ዝተሰነየ ኣእዳዉ ብደም ዝተሓጽበ ዕሉል ገበነኛ እዩ። እዚ ተግባሩ ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዘለዎ ዝምድና ክሳብ ክንደይ “ሕቖን ከብድን” ብዝበሃል ደረጃ ርሕቀት ከም ዘለዎ ዘመልክት እዩ።

ምስዚ ኩሉ ውረድ ደይብ፡ እቲ  ህዝቢ ኤርትራ ኣንጻር ወጽዓ ዘስምዖ ዘሎ ጥርዓንን ዘካይዶ ዘሎ ቃልስን፡ ዋላውን በቶም ኣብ ሃሃገሮም ብዲሞክራስያዊ ትካላዊ ኣሰራርሓ ኢና ንመርሕ ዝብሉን ንመሰረታዊ መሰላት ህዝቢ ክሕለቑ ዝስምዑን ወገናት ክንድቲ ዝድለ ኣይተሰምዐን። እቲ ዝገደደ ከኣ ዋላውን ኣብ ሕገመንግስታቶም “ስልጣን ብዘይ ናይ ህዝቢ ናጻን ዲሞክራስያውን ምርጫ ኣይተሓዝን” ዝብል ዓንቀጻት ዘለዎም ነቲ ን30 ዓመታት ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ብዘይሕገመንግስቲ ብኢደወነኑ ኣብ ስልጣን ዝተኾደጨ ዲክታቶር ኢሳያስ ተዓሚቶም ከም መራሒ ኤርትራ ክፈልጥዎ እንከለዉ እዩ። እዚ እምበኣር፡ ነቲ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኩነታት  ብድሕሪ መጋረጃ’ውን ሃሰስ ክንብሎ ዘገድደና እዩ። እዚ ክፍንፈን ዝግበኦ ዲክታተር መኻይዲ ክረክብ እንከሎ ከኣ “ንመን ኣለዎስ፡ መን ኣለዋ ኣላቶ” ዘብል እዩ።

ኢሳያስ ኣጋጣሚ ክረክብ እንከሎ፡ ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ኤርትራ ዘሎ ግዕዘይ ምስሉ ንምዕራይን ኣብ ሃገሩ ዝሰኣኖ ደገፍ ካብ ግዳም ንምቕራም ሃንደፍደፍ ካብ ምባልን ንድሕሪት ዝብል ኣይኮነን። “ቀጽል” ዝብል ናይ ርሑቕ ደፋኢ ሓይሊ ዘለዎ ብዝመስል ኣገባብ፡ ንብዙሓት ብዘገረመ ሃንደበት ብ9 ሓምለ 2018 ምስቲ ኣብዚ እዋንዚ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎ ረቂቕን ሕቡእን ርክብ ነይርዎም ዝበሃል ዘሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ናይ “ሰላም” ስምምዕ ከቲምና ኢሉ። ጌና እዚ ስምምዕ ቁሩብ ፍሑሕ ከይበለ ከኣ ካብ ብዙሓት ኣድብዮም ክከታተልዎ ዝጸንሑ ዝመስሉ ወገናት ዘይግበኦ ክነሱ “ናይ ሰላምን ልምዓትን ባእታ” ክበሃል ሰሚዕና። በዚ መጸ ዘይበሃል ካብ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሃገራት መዳልያታት ተዋሂብዎ። ሕሉፍ ሓሊፉ ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ከደ “መጺእካለይዶ፡ ክጽበየካ” ተባሂሉ። ብህያብ እውን ዝተረፈ የለን። ካብ እንስሳ ዘቤት ክሳብ ባህላዊ ክዳውንትን ናይ ሓርበኝነት መለልይ ዋልታን ኩናትን ተዋሂብዎ። ናይ ቃል ኪዳን ካትም እውን ወድየምሉ። ኢሳያስ በዚ ዝተገብረሉ ኣቀባብላን ዝተዋህቦ ገጸ በረከትን ምስ ሰኸረ፡ ዘስምዖ ቃል ከኣ ካብ ሓደ ጥዑይ ተራ ሰብ እውን ዘይትጽበዮ ኮይኑ ንብዙሓት ኣደንጽዩ። እቲ ዘሕዝንን ኢሳያስ ናይ ኤርትራን ኤርትራውያንን ከም ዘይኮነ ዘረድአን ከኣ መደርኡ ደረት ሓሊፉስ ንኤርትራዊ ሃግርነትን ልኡላውነትን ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ ምንባሩ እዩ። ኢሳያስ ምስዚ ኩሉ ጉያኡን ምልፍላፉን  ኣብቲ ዝተኻየደ ቁማር ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ተበሊዑ፡ ወያ ክሳብ ሕጂ ኣብ ባይታ ትርጉም ዝሰኣነትን ተዛርብ ዘላን ናይ 2019  ናይ ሰላም ኖበል ሽልማት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዳ።

ዝተፈላለዩ ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ጸብለል ክብሉ ዝወጠኑ ሓይልታት፡ ንኢሳያስ ኣብ ናይ የመንን ሊቢያን ውግኣት ተለኣኣኺ ቆጺረምዎ። መልእኽቱ ከዕውት ከኣ ላዕልን ታሕትን ኢሉ። ኣብ መሬት ኤርትራ ወተሃደራዊ መደበራት ንዝኸፈቱ መንግስታት መሬት ንከካሪ ንኤርትራውያን ኣመዛቢሉ። ኣብቲ መስርሕ ኣደዳ ስደት፡ ሞትን ድኽነትን ዝኾኑ ኤርትራውያን ብዙሓት እዮም። ዓስቢ ናይዚ ከኣ ዶላራት ሓቒፉ። እዞም ንኢሳያስ “እፍእፍ” ዝበልዎ ወግናት፡ ጉዳዮም ምስ  ኣብ ቀይሕ ባሕሪ  ጸላዊ ክሳዳዊ ኣቀማምጣ ዘለዋ ኤርትራ እምበር ምስ ህዝባ ከምዘይኮነ በሪሁ እዩ። ነቲ ቀደም ገዛእቲ “ኤርትራ መሬታ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን’ዩ” ዝብልዎ ዝነበሩ ዘኪርካ ከኣ ታሪኽ መልክዑን ተዋሳእቱን ቀይሩ ንገዛእ ርእሱ ይደግም  ኣሎ ዘየብል ኣይኮነን።

እዚ ተረኽቦ ህዝቢ ኤርትራ ህልውናኡ ብቀንዱ ኣብ ኢዱ እምበር፡ ካብ ካልኦት ዝጽበዮ ከምዘይኮነ ዘረድእ እዩ። እዞም  ንኤርትራ ኣብ ረብሓኦም ከውዕልዋ ዝሓልሙ፡ እቲ ዋኒን ህዝቢ ዘይዋኒኑ ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ክጸንሕ ስለ ዝደልይዎ፡ “ኣንታ ንበረልና” ክብልዎ ናይ ግድን እዩ። ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ብደሆ፡ ኤርትራ ኣብ ኢድ ንጉዳይ ህዝባ ኣብ ቅድሚት ዝሰርዕ ኣካል ከም እትኣቱ ምግባር እዩ።  እቲ ተተሓሒዝናዮ ዘለና ልኡላውነት ኣውሒስና ዲሞክራስያዊ ምምሕዳር ናይ ምስራጽ ቃልሲ ኣንጻር ጉጅለ ኢሳያስ ጥራይ ዘይኮነ፡ እንተላይ ኣንጻርቶም ብመንገዲ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ከባብያዊ ረብሓኦም ከረጋግጹ ህርድግ ዝብሉ ብድሕሪ መጋረጃ ዘለዉ መወልቱ ምዃኑ ክንርዳእ ይግበኣና። ምናልባት እውን መን ይፈልጥ ረብሓኦም ንክሕልዉ እቲ ዲክታተር ብዝኸፍቶ ኣፍደገ ብግሉጽ ክጐብጡና ይሓልሙ ይኾኑ።

 ኢሳያስ ቀጻልነቱ ኣብ ኤርትራ ውሑስ ንክኸውን ከባቢና በቲ ናቱ ዘይጥዑይ ንፋስ  ክእዕብለኽ ካብ ምጽዓር ንድሕሪት ከምዘይብል ምግንዛብ የድሊ። ናብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝገብሮ ዘሎ ተደጋጋሚ መገሻታት ካብዚ ሓሊፉ ህዝቢ ዝረብሓሉ ተልእኾ የብሉን። ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሱዳን ኣትዩ ኣብ ምብራቓዊ ክፍሊ እታ ሃገር ዝኣጉዶ ዘሎ ሓዊ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኣትዮጵያ ኣትዩ ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝወሰዶ ዘይሓላፍነታዊ መርገጽ ከኣ ናይዚ ኣብነት እዩ። 

ስለዚ ንሕና ኣብዚ ነካይዶ ዘለና ናይ ለውጢ ቃልሲ፡ ኣብ ቅድሜና ዘሎ ዕንቅፋታት ንምጽራግ፡ ኢሳያስን ውሑዳት ኤርትራውያን ደቂ መዛምርቱን ጥራይ ዘይኮነ፡ ንተላይ ነቶም ብድሕሪ መጋረጃ “ኣንታ ንበረልና” ዝብልዎ ዘለዉ ናይ ቀረባን ርሑቕን መንደልሓቕቲ’ውን ኣርሒቕና ብምጥማት ኣብ ግምት ከነእትዎም ይግበኣና።

Last modified on Saturday, 10 October 2020 12:32