Print this page

“ዘይኩርምትኻስ፡ ሑጻ ትቑርጥመሉ”

2020-08-01 11:55:50 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2914 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ፡ ኣብዚ ቀረባ መዓልቲ ብቋንቋ ትግርኛ ቃለ መሓትት ኣካይዶም። ዕላማ ቃለ መሓትቶም ነቲ ቋንቋ ትግርኛ ዝዛረብ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ በቲ ዝመልኮ ቋንቋ ካብ ምጽላዉ ሓሊፉ፡ ካልእ ከምዘይከውን ምግማት ይከኣል። እዚ ህዝቢ’ዚ ከኣ ኣብ ውሱን ከባብታት ኤርትራን ትግራይን ዘሎ እዩ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ዝሰፍሐ ግዜኦም ንኩነታት ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ኣብ መንጐ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሰልፎም ብልጽግናን ዘሎ ሓርፋፍ ዝምድናን ኣብ ዝምልከት እዮም ኣሕሊፈምዎ። ነቲ ነዚ ብዝምልከት ዝሃብዎ መብርሂ ዝተኸታተሉ ወገናት ከከም ሚዛኖም ገሊኦም “ናይ ልቦም እዮም” ገሊኦም ከኣ “የለን ናይ ልቦም ዘይኮነስ መዳህለልን ንምክፍፋል ዝዓለመን እዩ” ይብልዎ ኣለዉ። ናትና ቆላሕታ ግና ዋላ ውሱን እንተኾነ ናብቲ  ንዝምድናኦም ምስ ኤርትራ ኣብ ዝምልከት ከብርሁ ተሓቲቶም ዝበልዎ መስደመም ሚዛን ዘቋመት እዩ።

እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ነታ ባዕልና እንፈልጣን ብሰንኪ ዘላትሉ ዘሕዝን ኩነታት ደም እንነብዓላን ካብቲ ዘላቶ ደልሃመት ከነናግፋ ንቃለሰላን ዘለና ሃገርና ኤርትራን ሕድሪ ህዝብናን ሰማእታትናን ዝጠለመ ዲክታተርን ኣብ ዝምልከት ዝበልዎ “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ። ዝመንፈሱ ሓሳብ ይርከቦ። እቲ “ዓለም ኣብ ኤርትራ ሰላም ከም ዘሎ እያ እትኣምን” ዝበልዎ፡ ብዛዕባታ ንሶምን ኢሳያስን ጥራይ ዝፈልጥዋ ናይ ሕልሚ ዓለም  ዝዛረቡ ዘለዉ እንተኮይኖም ንዓኣቶም ዝምልከት እዩ። እንተ እታ ሓቀኛ ዓለም ግና ክንድቲ እትብሎን እትኣምነሉን ኣብ ልዕሊ ጨቋኒ ምምሕዳር ህግዲፍ ኣድላይ ስጉምቲ ብዘይምውሳዳኳ ዘይንሕጐሰላ እንተኾና፡ ህግዲፍ ወጻዕን ጸረ ህዝብን ብዛዕባ ምዃኑ ብተደጋጋሚ ድምጻ ኣስሚዓ እያ። ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምምሕዳር ናይ ሰላም ሓይሊ እዩ ምባል ግና ብደዐ እዩ። ኣብ ሃገሩን ህዝቡን ሰላም ዘየስፈነ መራሒ  ከቶ ካብ ሃገሩ ወጻኢ ንሰላም ክዓይ  ዘይሕሰብ እዩ። ክፍትን እንተተራእዩ ግን ንውዲት ጥራይ እዩ።

እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ንኤርትራ ብማዕዶ ዝፈልጥዋ ዘይኮኑ፡ ነቶም ሓፈሻዊ ኩነታት ኤርትራን ህዝባን ተዓዚቦም መፍትሒ ከቕርቡ ንዝደልዩ ከም ባይቶ ሰብኣዊ መሰል ሕቡራት ሃገራትን ካለኦት ዞባውን ዓለም-ለኻዊ ዘይሻራዊ ትካላት ዝተዓጽወ ኣፍደገ ኤርትራ ተኸፊትሎም፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ሃገርና በጺሖም ዝተዓዘቡ እዮም።  ከምቲ ግቡእ ኣይኮነንዶ እዚ ዕድልዚ ረኺቦም፡ ኣብታ ዘመሓድርዋ ሃገር ኮይኖም እውን፡ ኩነታት ኤርትራ ካብቲ “ከምዚ እያ ትበሃል” ዝበልዎ፡ ብተጻራሪ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ከም ዘላ ኣጸቢቖም ይፈልጡ እዮም። ካብዚ ሓሊፉ ከም ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናልን ሁማንራይት ዎችን ዝኣመሰላ ትካላት፡ ብፍላይ ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ኤርትራውያን ኣብ ፈቐዶ ስዉርን ግሁድን ኣብያተ-ማእሰርቲ ግዳይ ቫይረስ ኮቪድ-19 ከይኮኑ ኣብ ዝለዓለ ስግኣት ከም ዘለዋ ሓበሬታ ኣለዎም። ብዙሓት ወገናት ከምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝወሰዶ እሱራት ናይ ምፍታሕ ስጉምቲ፡ ህግዲፍ እውን ከም ሓደ መንገዲ ኣብ ምምካት ኮሮናቫይረስ እሱራት ክፈትሕ ተማሕጺነምዎ ዕጭ ሓንፈፍኩ ከም ዝበለ ኣይስሕትዎን እዮም። ኣብ ኤርትራ ሕገመንግስቲ ከም ዘየለ፡ ልዕልና ፍትሒ ከም ዘየለ፡ ኩሉ መሰል ዜጋታት ከም ዝገሃስ፡ ምኽንያቱ ብዘየገድስ ዝተኣስሩ ግዳያት ኣብ ቅድሚ ቤት ፍርዲ ከምዘይቀርቡ፡ ኮታ ብዛዕባ ኩሉ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክፋእን ወጽዓን ክሳብ ዓንቀሮም እንዳፈለጡ እዮም ንዲክታቶር ኢሳያስ ከመላኽዑ ክብሉ  ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ ስቓይ ዝሽፍኑ  ዘለዉ።

ከምቲ ብዙሓት ዝብልዎ እዞም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ከተማ ኣስመራ ብመኪና ከኹድዱ እንከለዉ፡ ኣብቲ ጐደናታት  በይኖም ምዃኖም ርእዮምኳ፡ ምስክርነት መሃቡ። እቲ ውቁብ ጐደናታት ኣስመራ ተበናቒሩ፡ ማይ ጃሕጃሕ ነጺፉ፡ እቲ ስሓቢ ዝነበረ ህንጻታታ ዋና ስኢኑ ይፈርስ ምህላዉ ተዓዚቦም ጥራይ ኤርትራ ኣብ ከመይ ዝኣመሰለ ኩነታት ከምዘላ ምመስከሩ። ኣብ ክንዲ ዘየለ ምምሃዝ፡ ሓቂ ምዝራብ ምስ ዓርኮም ከየባእሶም ፈሪሖም ስቕ እንተዝብሉ’ውን መምሓረሎም።

ናይ ሰላም ምህላውን ዘይምህላውን ብተኹሲ ምስማዕን ዘይምስማዕን ጥራይ ከምዘይግለጽ  ይጠፍኦም እዩ ምባል ዘጸግም እዩ። እንተኾነ ጸገሞም ነቲ ሓቂ ዘይምፍላጡ  ዘይኮነ፡ ኣብ ክንዲ ነቲ  ዝድህሰስ ሓቂ ምርዓም ንዲክታተርን ኣተሓሳስባኡን ዘይግበኦ ሕብሪ ቀቢኦም ከጸባብቑ ከም ዝመረጹ ዘርኢ እዩ። ቀዳሞት ገዛእቲ ኢትዮጵያ ንሃገርና ኣብ ዝምልከት ሚዛኖም “ኤርትራ ተሃራፊ መሬታ እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየናን እዩ” ይብሉ ከም ዝነበሩ ብሰፊሑ ዝዝንቶ እዩ። ዶ/ር ኣብይ ከኣ “ኤርትራ፡ ኢሳያሳን መሬታን እምበር፡ ህዝባ ኣየድልየንን እዩ” ናብ ዝብል ከማዕበልዎ ዝደልዩ እዮም ዝመስሉ። ከምኡ እንተዘይከውን ኣብዚ እዋንዚ ተጠሊዕም “ሓቂ ንምዝራብ ኣብዚ እዋን እዚ መንግስቲ ኤርትራ ናይ ሰላም ሓይሊ ምዃኑ ኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነትስ፡ ምሉእ ዓለም ዝፈለጦን ዝኣመነሉን ጕዳይ ኢዩ።ኣይመበሉን።  እዚ ኣብ ጉዳይ ሃገርና ኤርትራ ዘለዎም ኣሽካዕላል ሚዛን “እምበርዶ ኣብ ሃገሮምከ ንልዕልና ህዝቢ ኣቐዲሞም ዘመሓድሩ ዘለዉ እዮም” ዘየብሎም ኣይኮነን።

ብዘይካዚ ወዮ ደኣ “ሕማም ሕርሲ ተረሰዓይ” ከም ዝበሃል  ኮይከውን እምበር፡ ኢሳያስ ዘይነበሮ  ጠባይን ፖለቲካዊ ባህርን ሕጂ ብዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዓሊ ተሸሚቱ ክወሃቦ እንተዘይኮይኑ፡ ዓለም ንኢሳያስ ብጻሕታርነት ናይ ውግእን ጸረ ሰላም ተግባርን ከም እትፈልጦ መዝገብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከመይ ገይሮም ረሲዐሞ?  ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ድሕሪ ደቂቕ ምጽራይ ንኢሳያስ ብምጽሕታር ውግእ ኤርትራን ኢትዮጵያን 1998-2000 ሓላፍነት ስለ ዘሰከሞምዶ ኣይኮነትን ኤርትራ ንኢትዮጵያ ናይ ኲናት ክሳራ ክትክሕስ ዝበየነ። ነዚ ዘንጊዖም ይዛረቡ እንተልዮም ብህዝቢ ኢትዮጵያ እውን ከሕትቶም ከም ዝኽእል ነተንብሃሎም። ምናልባሽ እውን “ብሰሪ ኢሳያስ ኣብ ኤርትራ ተጻዒኑ ዝነበረ ዕዳ ምሒርና” ዝብል  ሓደ ካብቲ ዘይተነግረ ስምምዖም ክኸውን ይኽእል።

ምናልባት ናይቲ ዲክታቶር ኢሳይያስ፡ ካብ ንቡር ውጻኢ  “ደጊም ንስኻ ኢኻ ትመርሓና” ዝበሎም፡ ንሶም እውን ኢድ ነሲኦም “ደጊም ኣብ ወጻኢ ብስም ኤርትራ ክምድርን ክኽትምን እንከለኹ ከይገርመኩም ፡ ብወዲ ኣፎም ውክልና ተዋሂቡኒ እዩ” ዝበልዎ እሞ ኣብ ብዙሕ ኣጋጣሚታት ብግብሪ ዘርእይዎ፡ ሞሳ ንምምላስ ደኾን ይኸውን ዝብሉ ተዓዘብቲ ብዙሓት እዮም። እዚ ትዕዝብቲ ብዙሓት፡ ነቲ እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራን ህዝባን ዘርእይዎ ዘለዉ ንዕቀትን ድፍረትን ኣብ ግምት ዘየእቱ ኣበሃህላ ኣይኮነን።

ከምቲ “ንስኻ እንተዘይትደፍኣኒ መንዶ መጽደፈኒ” ዝበሃል፡ ነዚ ኩሉ ውርደትን ንዕቀትን ኣሕሊፉ ዝህበና ዘሎ፡ ዲክታቶር ኢሳያስ ምዃኑ ርዱእ እዩ። እቲ መፍትሒኡ ከኣ ንዓኡን ኣተሓሳስባኡን ምውጋድ እዩ።  እዞም ንኢሳያስ ከሕጉሱን ንኣተሓሳስባኡ ከስርጹን ኣብ ዘይጉዳዮም ኣትዮም ግጉይ ምስክርነት ዝሃቡ መራሒ እውን ብውሕዱ “ዓገብ፡ እዚ ብደዐኹም ማስጣ ኣለዎ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣይትዝረይዎ፡ ህግዲፍ ተወጊዱ መሬት ምስ ወገሐ ከየጣዕሰኩም፡ ህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን ከኣ ከምቲ ማይን ሕጻን መታርፍቲ ዝበሃል ነበርቲ እዮም” ክበሃሉ ግቡእ እዩ።

Last modified on Saturday, 01 August 2020 14:04