Print this page

ብድሕሪ መጋረጃ ኮቪድ-19

2020-06-24 07:42:42 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2653 times
Rate this item
(1 Vote)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

ኣብዚ እዋንዚ ዓለምና ሳላ ዘመናዊ ምዕባለ ኣብ ዝተቀራረበትሉ ኩነታት ከም ዘላ ፍሉጥ እዩ። ናይ ሃገራት ስግረ-ዶባዊ ረብሓ እውን ብኽንድኡ ደረጃ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጸሓሉ እዋን ኢና እንርከብ ዘለና። እዚ ንመላእ ዓለምና ዝገዝኣ ጽልዋ ኮይኑ፡ ብዘለዎም ኣቀማምጣን ቁጠባዊ ረብሓን ዝያዳ ተበሃግትን ንውድድር ተመረጽትን ከባብታት እውን ኣለዉ። ሃገርና እትርከበሉ ከባቢ ቀይሕ ባሕሪ ከኣ ካብቲ ውዑይ መወዳደሪ ከባብታት ሓደ እዩ።

ንሕና ሃንደበት’ዩ እንብሎ ዝተፈላለዩ ወገናት ግና ሃንደበት ዘይኮነ ንነዊሕ ግዜ ብድሕሪ መጋረጃ ዝተሓስበሉ ኣብዚ ከባቢና እስትራተጅያዊ ረብሓ ዘለዎም ሓይልታት ዝሃንደስዎ ዝብል ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ምስ መራሒ ኢትዮጵያ ምዕራቕ፡ ኣካል ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ጸላዊ ከባቢ ናይ ምሽማው ወፈራ እዩ። እንተኾነ ኣካይዳ በዓል ኢሳያስ ምናልባት ደኣ በቶም መጻኢ ዕድል ህዝብናን ሃገርናን ዘይኮነ፡ ረብሓኦም ዘገድሶምን ዘቐድሙን ለኣኽቶም ተመጒሱ ይኸውን እምበር፡ ብህዝቢ ኤርትራ ተቐባልነት ኣይረኸበን ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣንጻር መገሻ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያን ኣብ መአግሻኡ ዘቃልሖ ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘውድቕ መርገጻቱ ሓያል ማዕበል ይኣክል ዘኸተለ እዩ። ኣብ ኢትዮጵያ እውን ብፍላይ ሕጂ ድሕሪ ክልተ ዓመታት ምምልላስ ኢሳያስ ናብ ኢትዮጵያ ንሓድነት ናይታ ሃገር ዝሃሲ ስለ ዝኾነ ተቐባልነቱ እንዳሃሰሰ ዝተፈላለዩ ሕቶታት ዘልዕል ዘሎ እዩ።

ኤርትራ ኣብዚ እዋንዚ በይና ደሴት ኮይና ክትነብር ምሕሳብ ካብ ህልዊ ኩነታት ምውጻእ እዩ። ስለዚ ምስ ሃገራት እትገብሮ ዝምድና ብድፍኑ ዝኹነን ኣይኮነን። እንተኾነ ኤርትራ ብሕገመንግስቲ ኣብ ዘይትመሓደረሉ፡ ኣብ ሕድሕዶም ዝተሓሳሰቡ፡ ሓጋጊ፡ ፈጻምን ፈራድን ኣካላት ብዘይብሉ ጉጅለ ኣብ እትምረሓሉ፡ ብጠቕላላ ህዝቢ ብዘይፈልጦን ግሉጽነት ብዘይብሉን ጉጅላዊ ኣዋጃትን ብዘይመረጾ ኣካልን ኣብ ዝመሓደረሉ ግዜ ዝግበር ዝምድና ስግኣት እምበር ምትእምማን ሒዙ ዝመጽእ ኣይኮነን።

ዲክታቶር ኢሳያስ ኣብዚ ጸጸግዕኻ ናይ ምድላይ ሸበድበድ ተዋሳኣይ ምህላዉ ተደጋጋሚ መገሻኡ ናብ ኢትዮጵያ ሓደ ምልክት እዩ። ኣብቲ ኣካይዳኡ ኤርትራዊ ረብሓ ኣብ ክንዲ ዘቐድም፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣትዩ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ዋና መሓርን ቀታልን ኮይኑ፡ “ነቲ ሓደ ኣጆኻ ነቲ ካልእ ከኣ ወይለኻ” ምባሉ ከኣ ኣነቓቕልኡ፡ ኣብ ህልኽ ዝተመስረተ ንህዝቢ ኤርትራ መዓት ዝጐተሉ ምዃኑ ብሩህ እዩ። መራሒ ኢትዮጵያ፡ ኣብይ ኣሕመድ ንሓደ ከባቢ ካብታ ንሱ ዝመርሓ ሃገር ኢሳያስ ከም ዝጠፈአት እንዳ ኣወጀ ምጽቃጡ ነቲ እንጥርጥሮ ዘይቅዱስ ውዲትን ተለኣኣኽነት ኢሳያስን ዘብርህ እዩ።  ናይቲ ዲክታተር በተደጋጋሚ ናብ ኢትዮጵያ ምጋሽ፡ መስኖታትን ናይ ኢንዱስትሪ ፓርክታትን ብምዕዛብ ጥራይ ዝድረት ዘይኮነ፡ ዝሓዘሎ ሓደጋን ናይ ግዳም ተልእኾን ከም ዘለዎ ክነስተብህል ይግበኣና። ኢሳያስ ኣብ ሓደ ቃለ-መጠይቑ ነዚ ሎሚ ምምራሕ ሃገር መትሓዚኡ ጠፊእዎ ዘሎ ፕረሲደንት ኣሜሪካ “ቅድሚኡ ዝነበሩ መራሕቲ ዘበላሸዉዎ እዩ ዘዕሪ ዘሎ፡ ንሕና እውን ክንተሓጋገዞ ኢና” ዝበሎ መስርዑ ኣበይ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

መራሕቲ ሃገራት ምሕዝነታትን መኻይድን ኣብ ዝመርጽሉ ግዜ ረብሓ ሃገሮምን ህዝቦምን ቀዳምነት ክሰርዑን ናይቲ መዛምድቶም ረብሓ እውን ኣብ ግምት ከእትዉን ንቡር እዩ። ኣብ ኣተሓሕዛ ዝምድና ዲክታቶር ኢሳያስ ግና  ስግኣት ኣብ ርእሲ ስግኣት ዝድርዕ እዩ። እቲ ንረብሓ ኤርትራን ህዝባን ምሕላቕን ዘይምሕላቕንስ ይትረፍ እሞ፡ ብመሰረቱ እውን ንህልውና ኤርትራ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ። ኢሳያስ ብፖሊሲ እንካን ሃባን ኣብ ገለ ካብ ኤርትራዊ ረብሓ ሕድገት ገይሩ፡ ገለ ረብሓ ክኸስብ ዘይኮነ ንብምልእታ ሃገር ከረክብ እዩ ዝደናደን ዘሎ። እዚ ከኣ መቐጸልታ ናይቲ ሕድሪ ህዝቢ ጠሊሙ ኣብ ኤርትራ ከዳኽሮ ዝጸንሐ እምበር፡ ሎሚ ዘንቅሎ ዘሎ ሓድሽ ባህሪ ከምዘይኮነ ከነተኩረሉ ዝግበኣና እዩ።

ናይ ኢሳያስ ሃገር ናይ ምጥፋእን ምሕማስን ሃነፍነፍ በቲ ምስ ኢትዮጵያ ክገብሮ ዝጸንሐን ጋና ዝቕጽሎ ዘሎን ጥራይ ዝግለጽ ዘይኮነ፡ ምስቲ ንበዓል ሕቡራት ኢመራት ብምስጢር  መሬት ሂብካ ወተሃደራዊ መደበራት ክምስርታ ምፍቃድን ግነዖት መዳልያታት ምቕባሉን ኣዛሚድካ ዝረአ እዩ። ኢሳያስ ናይዘን መሬት ኤርትራ ወሲደን መዳልያ ዝሃበኦን ብኣኡ ዝዓገባ ዘይመስላን ሃገራት ድሌት ንምርግጋጽ ክሳብ ኣብ ጉዳይ ሊብያን የመንን ዘርእዮ ዘሎ ተለኣኣኽነት እውን ምስዚ ደሚርካ ዝረአ እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ኢሳያስ ምስቲ ብዶ/ር ኣብይ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምሽራኽ “ናይ ጸጥታን ወተሃደራውን ኣሰልጠንቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኹ ኣሎ፡ ናይ ኢትዮጵያ ወተሃደራት ከኣ ስም መሰልጠኒ መደበራት እንዳተጠቕሰ ኣብ ኤርትራ ይስልጥኑ ኣለዉ” ዝብሉ ሓበሬታታት ምጽራይ ደኣ የድልዮም እምበር “ክላእ እዝስ ዘይከውን እዩ” ኢልካ ዝስገሩ ኣይኮኑን።

ኣብዚ እዋንዚ ብዙሓት ወገናት ነቲ ንዓለምና ኣዝዩ ኣሻቒልዋ ዘሎ ኮቪድ-19 ኮሮናቫይረስ መዝሚዞም ፖለቲካዊ ጸወታታት የካይዱ ከም ዘለዉ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ገሊኦም ምርጫ የናውሑ፡ ገሊኦም ሕገመንግስቲ ይቕይሩ። ኢሳያስ ከኣ ካብ ቀደሙ ንሓደ ጉዳይ ብሓደ ተረኽቦ ደፊንካ ናብቲ ትደልዮ ኣቕጣጫ ናይ ምኻድ ሃብታም ናይ ምልኻዕ ተመኩሮ ኣለዎ። ኣብዚ እዋንዚ ህዝቢ ኤርትራ ካብ ካልእ ብዝገደደ፡ ዝኾነ ቀረብ ኣብ ዘየብሉ ንዝተወፈየ ገንዘብ ብዘይተቖጻጻሪ  ኣብ ጅባኡ እንዳመለአ፡  ኣብ ገዛ ተዓጽዩ ኣደዳ ጥምየትን ጽምእን ኮይኑ ዝሓልፎ ዘሎ ህይወት ናብ ዝኾነት ስድራቤት ሓቲትካ ክረጋገጽ ዝኽእል እዩ። ኣብዚ እዋንዚ ዝያዳ ንኤርትራን ኢትዮጵያን ዘራኽቡ ተሃወስቲ ጸጥታውን ወተሃደራውን ወረታት ይቀላቐሉ ምህላዎም ከኣ ኢሳያስ ብድሕሪ ወጥሪ ኮሮና-19 ተሓቢኡ ነቲ ቅድም ዝፈሓሶ ውዲት ዝያዳ የኽርሮ ከምዘሎ ዘመልክት እዩ።

ሎሚ ንሕና ኤርትራውያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራ ዝተኸፍለ ከቢድ ዋጋ ጸብጺብና፡ ብናይ ህዝቢ ኤርትራ ጽንዓትን ፍቕሪ ሃገርን ተኣማሚና፡ “ኢሳያስ ዝገበረ እንተገበረ ኤርትራዊ ልኡላውነት ኣይንቕነቕን እዩ” ምባልናኳ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እንተዘይኮነ፡ በዚ ከየራጠጥና “ከምቲ ኢሳያስ ዝሓልሞ ዘሎ እንተኾነኸ?”፡ ኢልና ክንጥርጥርን ንኹሉ  ኣብ ግምት ኣእቲና ክንዳሎን ናይ ግድን እዩ።

Last modified on Wednesday, 24 June 2020 09:47