Print this page

ኢድ ምትእትታው ዘይኮነ፡ ምትሕግጋዝ’ዩ ዘርብሓና

2020-06-05 07:20:17 Written by  ቤት ጽሕፈት ዜና ሰዲህኤ Published in EPDP Editorial Read 2567 times
Rate this item
(0 votes)

ርእሰ-ዓንቀጽ ሰዲህኤ

“ምስ ኩለን ሃገራት፡ ኣብ ሕድሕድ ረብሓታት፡ ምክብባርን ጣልቃ ዘይምትእትታውን፡ ዓለም-ለኻዊ ውዕላት ምኽባርን ዝተሰረተ ዝምድናታት ምፍጣር”፡ (ኣብ ፖለቲካዊ መደብ ዕዮ ሰዲህኤ፡ ካብቲ ንኣህጉኡራዊ  ዝምድና ዝምልከት መዳይ ዝተወስደ።)

መሰረታዊ ዕላማ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ መሰል ርእሰ-ውሳነኻ ምርግጋጽ ኮይኑ፡ ኣብቲ ዝርዝር ድማ ሰላም፡ ልምዓት፡ ዲሞክራሲ፡ ቅሳነትን ሓቢርካ ምንባርን ኣብ ዘተኣማምን ባይታ ምውሓስ ነይሩ። እዚ ሎሚ እውን ዘይቅየር እዩ። ነዚ ንምዕዋት ምስ ርኢቶና ዝመሳሰል ኣተሓሳስባ ዘለዎምን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢዶም ዘየእትዉን፡ ንሕና እውን ኣብ ጉዳዮም ጣልቃ ዘይነእቱ ኣካላት ምትሕግጋዝን ምትሕብባርን ክህልወና ዘይስገር’ዩ። ብኣንጻሩ ዕላማ ናይቲ ኣንጻሩ ተቓሊስና ናጽነት ዘውሓስና መግዛእታዊ ሓይሊ፡ ወነንቲ መሰልና ዘይኮነ ተመጽወቱ ገይሩ ክድህከና እዩ ነይሩ። ነዚ ዕላማኡ ንከዕውት ከኣ ምስ ሓያሎይ ናይቲ መግዛእታዊ ሕልሙ ተረባሕትን ተኸላኸልትን ኣካላት ተመሓዝዩ። ድሕሪ መሪር ምርብራብ ከኣ ሓቀኛ ናይ መሰል ሕቶ ክስዕር ናይ ግድን ስለ ዝኾነ፡ ህዝቢ ኤርትራ እቲ ዝተሓቶ ዋጋ ተኸፊሉ ብግብሪ ኮነ ብሕጊ ልኡላውነቱ ኣረጋጊጹ።

ህዝቢ ኤርትራ ኣብዚ ወሳኒ ቃልሲ ምስተጸምደ ከምቲ፡ “ጭራ ነብሪ ዘይምሓዝ፡ እንተሒዝካ ግና ዘይምስዳድ” ዝበሀል፡ ዋላኳ እቲ ኩነታት ጽንኩር እንተነበረ ክምህ ኣይበለን። እቶም ኣብ ምርግጋጽ መሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ረብሓኦም ዝጐድል ኣካላት ኣብ ልዕሊኡኳ ኩሉ ዓይነት ግፍዒ እንተፈጸሙ፡ እቲ ናጻ ክወጽእ ዝሓረነ ህዝቢ ንቕድሚት እምበር ንድሕሪት ኣይጠመተን። ሳላ ክንድኡ ዝጸንዐ ከኣ ነቲ ሎሚ ኢሳያስ ኣፈወርቅን ጉጅለኡን ንድሕሪት ክመልስዎ ዝመጣልዕሉ ዘለዉ ግና ዘይኮነሎም፡ ናጽነትን ልኡላውነትን ጽኑዕ ባይታ ኣትሒዝዎ ኣሎ። “ሕድሪ ስዉኣተይ ጠሊሙ ነዚ ክብረይ ዝነቕነቐ ወይልኡ” ዝብል ኤርትራዊ ኒሕን ሓቦን ከኣ ከም ቀደሙ በብኩርናዑ የድምጽ ኣሎ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ዓወትዚ ከመዝግብ እንከሎ፡ ኣብቲ መስርሕ ገለን ካብ ርሑቕ ገለን ድማ ካብ ቀረባ  ዝተፈላለዩ መልከዓት ሒዞም ክኸፋፍልዎ፡ ዝህቅኑ ፈተነታት ኣጋጢመሞ እዮም። ናይ ሎሚ ኣካይዳ ጉጅለ ህግዲፍ እውን መቐጸልታ ናይቶም ብምክፍፋል ህዝቢ ኤርትራ ክዕንገሉ ዘንባህቑን ንምዕዋት ደገደገ ዘማዕድዉን  ወገናት እዩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሃይማኖታዊ፡ ብሄራውን ከባብያውን ብዙሕነቱ ንፋስ ከየውቀዐ ሳላ ዝምክት እቶም ናይ ቅድም ኮነ እዞም ሓደስቲ መንበሃቚቲ ክዕወቱ ማለት ዘበት እዩ። እቲ “ኣስላማይ ክስታናይ ወዲ ቆላ ደጋ፡ ንውዲት ጸላኢ ኣይትሃቦ ዋጋ” ዝብል ኤርትራዊ መዝሙር ከኣ ንኹሉ ኣፍራሲ ተጻብኦታት ጥሒሱ ህያው ኮይኑ ክቕጽል እዩ።

ህዝብና ንዘንበረሉ ሕድሪ ጠሊሙ፡ ንመስዋእቲ ጀጋኑ ከዲዑ፡ ንምሕጽንታን ስምዕታን ህዝብና ጸማም እዝኒ ሂቡ፡ ኣዝዩ ጸቢብ  ጉጅለ ረብሓን ጥልመትን ደኲኑ ዝብድለና ዘሎ ህግዲፍ እዩ። እዚ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ህዝቢ ንምብዳልን ብዋጋ ጀጋኑ ዝተመዝገበ ልኡላውነት ንምጥላምን ዝተዓጥቀ ስለ ዝኾነ፡ ብውሁድ ቃልሲ ጥራይ እዩ ዝሰዓር። ምኽንያቱ ተረዲኡ፡ ሓሲብሉን ግዜን ኩነታትን ኣጽኒዑን ንዝጠለመ፡ ኣረዲእካ ናብ ንቡር ክትመልስ ምሕላን “ኣብ ዘይሰምዓካ ደብሪ ምምህላል” ስለ ዝኾነ። ህግዲፍ በሓቲ ህልውናኡ  ንምርግጋጽ ኩሉ ቅዱስን ርኹስን መንገዲ ካብ ምጥቃስ ንድሕሪት ከምዘይብል ኣጽኒዕና ክንሕዞ ዝግበኣና ግንዛበ እዩ። እቲ ሓደ እዋን ነታ ኣንጻር ኤርትራዊ መግዛእቲ ትቃለስ ዝነበረ ተጋድሎ ሓርነት ኤርትራ ንምጥፋእ፡ ምስ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ፈጢርዎ ዝነበረ ኣብ ታሪኹ ብጸሊም ዝጸሓፍ ምሕዝነት፡ ሎሚ “ክቱር ፍቕርስ ክቱር ጽልኢ ፈጠረ” ከም ዝበሃል፡ ኣበይ በጺሑ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ዘለና እዩ። ህዝቢ ኤርትራ ግና ነዚ ዘይቅዱስን ዋጋ ዘኽፈሎን ተመኩሮ፡ ንናይ ታሪኽ መወከስን ከይድገም መለበምን  እምበር ሎሚ ንቕድሚት ኣምጺኡ ዝዓየሉን ዝጸባጸበሉን ኣይኮነን።

ጉጅለ ህግዲፍ ከምቲ ዓሳ ካብ ማይ ወጻኢ ክነብር ዘይክእል፡   ህውከትን ዕግርግርን ኣብ ዘየብሉ ህዱእ  ሃዋህው ክነብር ከም ዘይክእል ብተመኩሮ ኣርእዩና እዩ። እዚ ንስለ ምባል ዝበሃል ዘይኮነ፡ ብግብሪ ዝተራእየን ዝረኣይ ዘሎን እዩ። እቲ  በብግዜኡ፡ ናብ ጐንጺ ዘየብጽሕ ምኽንያታት ብምጽሕታር፡ ብሓፈሻ ምስ ኩለን ጐረባብትና ሃገራት ብፍላይ ከኣ ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝኸፈቶ፡ ንህልውናኡን ልኡላውነት ኤርትራን ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእተወ ስዕረት ዝሓፈሰሉ ውግኣት፡ ብዘይካ ትዕቢቱ ምስ ረብሓ ህዝቢ ዝምድና ዝነበሮም ኣይኮኑን። እዚ ጉጅለ ኣብቲ መጀመርያ ግዜ ምስቲ ንኢትዮጵያ ዝመርሕ ዘነበረ ኢህወደግ ብሓፈሻ፡ ምስ ህወሓት ከኣ ብፍላይ ክቱር ፍቕሪ ከም ዝነበሮ ኩሉ ዝፈልጦ እዩ። እንተኾነ ነቲ “ከም ሓው ተፋቐር፡ ከም ጓና ከኣ ተሓሳሰብ” ዝብል ናይ ምክእኣልን ሓቢርካ ምርባሕን ዝምድና ስለ ዘይበቕዖ፡ ኣብ ውግእ ኣትዩ፡ ብሳዕቤን’ዚ  ውግኣት ከኣ ሰፊሕ ክፋል ህዝብና ግዳይ ኮይኑ።

እዚ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ጉጅለ ከይርዳእ ዝተረደአ ትዕቢተኛ ምዃኑ ከም ርዱእ ንውሰዶ። ከምኡ ስለ ዝኾነ ከኣ ሎሚ እውን ንኤርትራዊ ኣጀንዳ ብዘይትግበር ቃላት እንዳ ጓሰየ፡ ደገደገ ምምዕዳው ኣይገደፎን። እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ብጉልባብ ምሕላው ልኡላውነት፡ ካብ ውድዕነት ንምህዳም  ዘካይዶ ሽሕጣን ሎሚ እውን ኣየቋረጾን። ቅድሚ ሕጂ ምስ ረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ዝምድና ዘይነበሮ  ውግኣት ከፊቱ ህይወት ብዙሓት ከከላብትን እንከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ዝተገረሀ ኩልና እንሰማማዐሉ እዩ። እዚ መታለሊ ጉጅለ ሎሚ እውን ኣብ ስልጣን ንምቕጻል ካልእ ውሕልነት ስለ ዘየብሉ፡ ካብቲ ህዝቢ ኤርትራ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ዓምጣሪ ተግባሩ ኣይወጽአን። ህዝቢ ኤርትራ ግና ዝሓለፎ ተመኩሮ መዚኑ፡ ኣነ የለኹሉን ክብል ይግበኦ። ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና እቲ ጌጋ ኣብቲ ህዝቢ’ውን ከም ዘሎ ክእመን ይግበኦ።

ኢሳያስ  ኣብዚ ቀረባ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መሓትት፡ “ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ንዕዘብ ዘይኮነ፡ ናትና ኢልና ኢድና ከነእቱ ኢና” ክብል ሰሚዕናዮ ኣሎና። እዚ ዘይውሕሉን ዘይሓላፍነታውን ኣበሃህላ ንብዙሓት ኣዛሪቡ እዩ። ንዓና ንኤርትራውያን ከኣ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ ከሻቕለናን ብጽሞና ክንሓስበሉን ናይ ግድን እዩ። ኣዝዮም ውሱናት ካብ ናይ ጽልእን ቅርሕንት ታኸይላ ክወጹ ዘይከኣሉን ኪኖ ኣፍንጨኦም ዘይሓስቡን፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣበሃህላ ከም ናይ ጅግንነት መምዘኒ ወሲዶም “ኣይበልናኩምዶ ሰብኣይ ናይ ልቡ ከይገበረ ዝድቅስ ኣይኮነን” ክብሉ ይስምዑ እዮም። እዚ ክንሰምዕ እንከለና፡ እቲ ናይ ኮቪድ-19 ጥራይ ዘይኮነ ናይቲ ዲክታቶር ናይ ኣተሓሳስባ ቫይረስ’ውን ናይ ምምካት ድርብ ሓላፍነት ከም ዘለና ክንርዳእ ግድን እዩ። ካብዚ ሓሊፉ  ኤርትራ ውያን “ኢድ ምትእትታው ዘይኮነ፡ ምትሕግጋዝ’ዩ ዘርብሓና”።

Last modified on Friday, 05 June 2020 09:24